MAP

2025.05.10 foto e stemma di Papa Leone XIV

ር. ሊ. ጳ. ዝጥቀሙሉ ኤጲስ ቆጵሳዊ ኣርማ ምስ ምልክታት ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ኣጐስጢኖስን

ብመሰረት ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መነብር ዝውጽኦ መግለጺ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝጥቀሙሉ ኤጲስ ቆጶሳዊ ኣርማ፣ ኣብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘለዎም መንፈሳውነትን ነቲ ካብ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ እተወስደ መንፈሳውነቶምን ከም ዘመልክት የመላኽት።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝሓለፈ ረቡዕ፣ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝጥቀሙሉ ወግዓዊ ኣርማ ኣመልኪቱ መግለጺ ኣውጽአ።

ኣብቲ ዝተዋህበ መግለጺ ምክትል ኣቦ መንበር ናይቲ ኣብ ኢጣልያ ዝርከብ ትካል ተቕዋም መጽናዕቲ ውርሻ ሥነ ሓረግ ወለዶታት ዝዀኑ ክቡር ኣባ ኣንቶንዮ ፖምፒሊ ነቲ ማርያማውን ኣጐስቲኖሳውን ምልክታት እቲ ኣርማ ብምጉላሕ መግለጺ ኣቕረቡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝመረጽዎ ኤጲስ ቆጵሳዊ ኣርማ፣ ንትውፊታዊ ምልክት ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ምዃኖም መጠን ጳጳሳዊ መፋትሕ ዜጠቓልል ውን እዩ ።

ኣብ ላዕለዋይ ጸጋማይ ኵርናዕ ናይቲ ዋልታዊ ኣርማ ብሩህ ሰማያዊ ሕብሪ ዘለዎ ብሩር ዚመስል ዕታር ሰቲ ዘለዎ ኮይኑ፣ ኣብ ታሕተማይ የማናይ ወገኑ ድማ ሓደ ቐይሕ ልቢ ሃልሃልታ ሓዊ ዘለዎ ብዅናት እተወገአ ኣብ ልዕሊ ሓደ ብስኒ ሓርማዝ እተሰርሐ ቐይሕ መጽሓፍ ተቐሚቱ ዘሎ ውን ይርከቦ።

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ጭርሖ— “ኣባኡ ኩልና ሓደ ኢና!” ኣብ ታሕተዋይ ክፍሊ ናይቲ ኣርማ ተጻሒፉ ይርከብ።

እዚ ጭርሖ እዚ ነቲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኣብ መዝሙር 127 ንዝለገሶ ስብከት ዘቃልሕ ኢዩ፣ ኣብኡ ኸኣ "ንሕና ብዙሓት ክነስና በቲ ሓደ ክርስቶስ ሓደ ኢና" ብምባል ይግለጽ።

ክቡር ኣባ ፖምፒሊ ኣብ መግለጺኦም፣ እቲ ሰማያዊ ባይታ ናይቲ ኣርማ ነቲ "ልዕል ዝበለ ሰማያት" ከም ዘመልክትን፣ ንኣገዳስነት ድንግል ማርያም ከኣ ከም ብሉጽ ምልክት ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኮይኑ ከም ዘመልክትን ሓበሩ።

ብኣንጻሩ ግን እቲ ማሕበር ኣጐስጢኖሳውያን ዝዀነ ብሓደ ፍላጻ እተወግአን ዝነድድል ልቢ ኸም ዘለዎ ገለጹ፣ በዚ ምልክት ፍላጻ እዚ ኸኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንኽልተ ዓመት ጠቕላሊ ሓለቓ ናይቲ ማሕበር ካህናት ኣጎስጢኖሳውያን ኰይኖም ከም ዘገልገሉ ውን ዘመልክት ኢዩ።

ክቡር ኣባ ፖምፒሊ ወሲኾም "እዚ ምስሊ እዚ ነቲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኣብቲ ኑዛዜ ዝተሰምየት መጽሓፉ "ንልበይ ብፍቕርኻ ወጊእካዮ ኢኻ" ክብል ንዝጸሓፎ ቃላት ብምሳልያዊ መገዲ ዘመልክት ኢዩ።

እዚ ምልክት እዚ ኻብ መበል 16 ዘመን ኣትሒዙ ኣብ መለለዪ ኣርማ ኣጐስጢኖሳውያን ዝርከብ ዝነበረ ኢዩ።

እቲ ኣብታ ኣርማ ዘሎ መጽሓፍ ድማ "ከምቲ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ዝገበሮ ንልቢ ሰብ ዚልውጥ ቃል ኣምላኽ" እተመልክት መጽሓፍ እያ።

ክቡር ኣባ ፖምፒሊ ኣብ መወዳእታ "እታ መጽሓፍ ነቲ ሊቕ ዝኾነ ቅዱስ ኣጎእስጢኖስ ንቤተ-ክርስትያንን ንደቅሰብን ዝሃቦም ፍልጠትን ዝለገሶ ጽሑፋት እውን እተዘኻኽር እያ" በሉ። እቲ "ጻዕዳ (ኣብቲ ብስኒ ሓርማዝ ዝተጠረዘ ምልክት ጳጳስ) ድማ ኣብ ሓያሎ ሃይማኖታዊ ኣርማታት ከም ምልክት ቅድስናን ንጽህናን ጌርካ እዩ ዝርአ" ክብሉ ውን ኣመልከቱ።

16 May 2025, 17:08