ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14፡ ሕጂ እዋን ዘተን ህንጸት ድልድልን እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 19 ግንቦት ምስ ናይ ኤቍመናውያንን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታውያን ትውፊታትን ልኡካን - ፍሉይ ርክብ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ኵላዊ ሕውነት ዝነበሮም ኣተኩሮ ኣጉሊሖም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ናይ ዝሓለፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፍላይ ድማ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ተበግሶታት ብምስዓብ፡ ኵላትና ኣሕዋት ብዝብል ኣርእስቲ ብዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣቢሎም ዘቃልሕዎ መገዲ ኩላዊ ሕውነትን ዘተ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን፡ ንኽልቲኡ ኵላዊ መንገድን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተን ዘስፍሑ ምንባሮም ዘኪሮም፡ "ልዕሊ ኩሉ ኣብ መንጎ ሰባት ዝምድናታት ብምኹስኳስ፡ ካብ ዓቐለሲያዊ ምትእስሳር ዝኾነ ነገር ከየጉደሉ፡ እቲ ሰብኣዊ ባህሪ ናይቲ ርክብ ኩሉ ግዜ ዋጋ ዝህቡ ከም ዝነበሩ ሓቢሮም፡ ስለዚ ንምስክርነቶም ዋጋ ክንህቦ እግዚኣብሔር ይሓግዘና!” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ሓቀይና ሓድነት ናይ እምነት ሓድነት እዩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብመጀመርታ ነተን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያናት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ዝኽሪ መበል 1700 ዓመት ከብዕል ዝኾነ ኤቍመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ኣስተብሂሎም፡ ኣብ መንጎ ክርስትያን ሓድነት “ብእምነት ጥራይ ክኸውን ከም ዝኽእል” ኣስሚሮም፣ ብምትሕብባር ምሉእን ርኡይን ሕብረት ናይ ኩሎም ክርስቲያን ምድላይ ሓደ ናይ ሮማ ጳጳስ ቀዳምነታቱ ምዃኑ ወሲኾም ብምርግጋጽ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ ኣብ መንጎ ኵላዊ ምትእስሳርን ሲኖዳውነትን ዘሎ ጥቡቕ ስምረት ዘኪሮም፡ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ “ንናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶውነት ባህሪ ኣብ ምድንፋዕ ዘበገስዎ ኣንፈት” ንምስዓብ ቅዱስነቶም ቃል ከም ዝኣተዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ሓባር መንገዲ ብመንፈስ ሰብኣዊ ሕውነት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣስዒቦም ኣብ መደረኦም ናብ ወከልቲ ዘይክርስትያን ሃይማኖታዊ ትውፊታት ብምቕናዕ፡ “ናይ ሓባር መንገድና” ንኹሉ ሰብ ዘሳትፍ፡ “ብመንፈስ ሰብኣዊ ሕውነት” ክርድኣና ዝክኣል ምዃኑን ክርድኣና ከም ዘለዎምን ኣተሓሳሲቦም፣ እዋኑ “ናይ ዘተን ድልድል ናይ ምህናጽን ግዜ እዩ” ቢሎም፡ ዳግማይ ንድሕሪት ምልስ ቢሎም፡ ነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ር.ሊ.ጳ. ብምዝካር፡ "እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ንምድንፋዕ ዝገበርዎ ዘደንቕ ጻዕርታት" ዘኪሮም፣ ሰብኣዊ ሕውነት ዘረእስቱ ሰነድ ብምጥቃስ - "[ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ] ብቓላቶምን ተግባራቶምን ኣቢሎም 'ናይ ዘተ ባህሊ ከም መገዲ፣ ሓባራዊ ምትሕብባር ከም ኣካይዳ፣ ሓባራዊ ምርዳእ ከም ሜላን መለክዒታትን ጌርካ እዩ ዚርአ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምስ ኣይሁድም፡ እስልምናን ካልእ ሃይማኖታዊ ትውፊታትን ዘሎ ርክብ
ዘለናዮ ዘመን - Nostra aetate ዘርእስቱ ውሳነ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘቐመጦ መንገዲ ብምስዓብ፡ ነቲ “ክርስትያንን ኣይሁድን ዝካፈሉዎ መንፈሳዊ ውርሻ” እውን ኣጉሊሖም፡ ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ቲዮሎጊያዊ ዘተ ኣብ እዋን “ግጭትን ዘይምርድዳእን” ከይተረፈ ኣገዳስነቱ ኣስሚሮም፣ ቀጺሎም ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣስላምን ዝምድና ዝምልክት “እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ” ንዘተን ሕውነትን ዝግበር ተወፋይነት ብምጥቃስ፣ “ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ናይ ሕልና ናጽነትን” ዝተመርኮሰ ኣገባብ “ኣብ መንጎ ማሕበረሰባትና ድልድል ንምህናጽ ጽኑዕ መሰረት እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ንወከልቲ ካልኦት ሃይማኖታት፡ እንተኮላይ ሂንዱን፡ ቡድሃን፡ ጃይናውን ካልኦትን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ጠቒሶም፣ “ኣብዛ ብዓመጽን ግጭትን ዝቖሰለት ዓለም” ንሰላም ንዝገብርዎ ኣበርክቶ ኣስተብሂሎም ምስጋናኦም ብምቕራብ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ ኣመንቲ ዝተፈላያ ሃይማኖታት ብሓባር ብምስራሕ፡ ንውግእ፡ ንቕድድም ኣጽዋርን ንዘይፍትሓዊ ቁጠባን “ኣይፋል” ንምባልን ከምኡ እውን ንሰላም፡ ንምርጋፍ ኣጽዋርን ናብ ኵለንተናዊ ምሉእ ምዕባለን ክሕግዙ ከም ዝኽእሉ ዘለዎም ተስፋ ከም ዝረጋገጹ የመላኽት።
ዝያዳ ሰላማዊት ዓለም ምህናጽ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ “ምስክር ሕውነትና . . . ኩሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ልቦም ዝምነይዎ ዝያዳ ሰላማዊት ዓለም ኣብ ምህናጽ ኣበርክቶ ክገብር ከም ዝክእል ርግጸይና ምዃኖም ሓቢሮ፣ ከምኡ’ውን ነቶም ልኡኻት ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ሃይማኖታትን ፈጣሪ እቲ ደረት ኣልቦ ሰናይነቱን ጥበቡን ከም ደቁን ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ንሓድሕድና ምእንቲ ክሕግዘና ኣብ ዓለም ተስፋ መታን ክጥጥዕን ክዓብን “ኣብ ልብና ቡራኬ ኣምላኽ ንምሕጸን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።