ር. ሊ. ጳ. ንኣናባፕቲስትን ንካቶሊካውያንን 'ንፍቕሪ ትብዓት' ክህልዎም ጻውዒት የቕርቡሎም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካንስ
ሜኖናውያን ነቲ ኣብ መበል 16 ዘመን ካብ ፍሪስላንድ ዝመነጨ ምንቅስቓስ ኣናባፕቲስታውያን፣ ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ምስረታኦም ንምዝካር ኣብ ዙሪክ ስዊዘርላንድ ተኣኪቦም ይርከቡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነተን "ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን" ዝብላ ናይ መጀመርታ ቓላት ናይቲ ዝተንስአ ጐይታ ብምዝካር፣ ትማሊ ሓሙስ ነቶም ኣብቲ ዝኽሪ በዓል እተሳተፉ መልእኽቲ ኣመሓላለፉሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ፍጻመ እዚ ኣብ ኣብ ዘመነ ትንሳኤ ይከብር ምህላው ብምምልካት፣ ነቲ ምንቅስቓስ ኣናባፕቲስታውያን ሱር ዝሰደደ ተሓድሶን ለውጥን ንምርካብ ዘለዎም ባህጊ ድማ ኣጕልሑ ።
"እቲ ንበዓልኩም እተመርጸ 'ንፍቕሪ ዘሎካ ትብዓት' ዝብል ጭርሖ፣ ልዕሊ ዅሉ ካቶሊካውያንን ሜኖናውያንን ትእዛዝ ፍቕሪን ክርስትያናዊ ሓድነትን ከምኡውን ንኻልኦት ንምግልጋል እተዋህቦም ትእዛዛት ንምፍጻም ዝከኣሎም ኵሉ ኽገብሩ ከም ዘድልዮም ዘዘኻኽረና ኢዩ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ እቲ "ክሳዕ ሕጂ ንርክባትን ዝምድናን ካቶሊካውያንን ሜኖናውያንን ዝትንክፍን ዘሳቕን ታሪኻዊ በሰላታት" ዘጠቓልል ሓባራዊ ታሪኽና ኣብ ምስትንታን ንሜኖኣውያንን ንካቶሊካውያንን ሓቀኛታትን ሕያዎትን ክዀኑ ጻውዒት ኣቕረበሎም።
ፍረ ዝርርብ ምእንቲ ክቕጽል ስነ-ሃይማኖታዊ ዀነ ጕስነታዊ ምይይጥ ክግበር እውን ጻውዒት ኣቕረቡ።
"እዚ ብርግጽ ቀሊል ዕዮ ኣይኰነን" ውን በሉ። "እንተዀነ ግን ክርስቶስ ፍቓድ ኣቦኡ ዝገለጸ፣ ኣብ ሓደ ፍሉይ እዋን ፈተና እዩ ዝነበረ" በሉ።
ፈሪሳውያን ንኢየሱስ ሓደ ሕቶ ምስ ኣቕረቡሉ ነተን ንኣምላኽን ንብጻይናን ምፍቃር ዝብላ ክልተ ዓበይቲ ትእዛዛት ገለጸሎም።
ብተመሳሳሊ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ድሮ ዕለተ ስቕለቱ "ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ ... ዓለም ምእንቲ ኽትኣምን" (Jn 17 21) ክብል ዝጸለዩ ጸሎት ውን ኣዘኻኸርዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነቲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኣብ መጽሓፈ ኑዛዜኡ ዝጸሓፎ ምስክርነት እውን ይዝክሩ - "ኩሉ ተስፋይ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምሕረትኩም ኢዩ ዘሎ ። ነቲ ትእዛዛትካ ሃበኒ፣ ነቲ እትደልዮ ድማ ኣዝዘኒ" በለ።
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እቲ ቐጻሊ ናይ ምሕዋይን ኣብ ሕውነት ናይ ምዕማቝን ጕዕዞ ኣብዛ ብውግእ ዝዓነወት ዓለም ኣገዳሲ ግደ ኽህልዎ ከም ዝኽእል ገለጹ።
"ዝያዳ ሓድነት ዘለዎም ክርስትያን ዝያዳ ድማ ነቲ መስፍን ሰላም ዝዀነ ክርስቶስ ዝሃበና ፍቕራዊ ርክብ ኣብ ምህናጽ ዘሎና ምስክርነት ውጽኢትዊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።"