MAP

ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14፡ መራኸቢ ብዙሓን ሰላም ከዕብይ ዝጥቀመሉ ቃላቱ ኣጽዋር ዝፈትሐ ይኹን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ምስ ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዕለት 12 ግንቦት ብምርኻብ፣ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ነቲ ዝካየድ ዝነበረ መደባት ምርጫ ር.ሊ.ጳ. ብምክትታል ዝሃብዎ ሓበሬታዊ ሽፋን ኣመስጊኖም፣ ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሃን ንሓቂ ከገልግሉን ሰላም ከስፍሑን ተላብዮም፣ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ መንጎ ናይ ሕብረተሰብ ባህሊ ርክብ ክህሉ ዝሕግዝ እውን ምዃኑ የስተብህሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ካብ ዝምረጹ ኣርባዕተ መዓልታት፡ ምስቶም ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝመጹ ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሃንን ጋዜጠይናታትን ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዕለት 12 ግንቦት ኣብ ዘኣክየድዎ ርክብ፣ ብዛዕባ ዕረፍቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስን ዝተኻየዱ ናይ ካርዲናላት ኣኼባታትን ነቲ ዝካየድ ዝነበረ መደባት ምርጫ ር.ሊ.ጳጳሳትን ቀዳሞት መዓልታት ናይ ገዛእ ርእሶም ኣገልግሎትን ዘጠቓለለ ስለ ዘቕረብዎ ጸብጻብን፣ ኣብዘን ጽዑቕ ሒደት ሰሙናት ብዘይሕለል ተወፋይነት ነቲ ኩሉ ኪደታት ብምክታትል ሓበሬታ ንምቕራብ ዘርኣይዎ ትግሃት እውን ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰላም ምድንፋዕ

ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 መራኸቢ ብዙሃን ሰባትን ፍጻመታትን ዝቐርበሉ መገዲ ብምክንኻን ሰላም ንምድንፋዕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ባህሊ ዘደንፍዕ ክኸውን ጻውዒት ብምቕራብ መደረኦም ኣበጊሶም፣ ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሓን፣ "ዝኸፈልካ ኸፊልካ ሓባራዊ ስምምዕ ምድላይ ዘይብል፣ ቍጥዐ ዝመልኦ ቓላት ዘይጥቀም ናይ ውድድር ባህሊ ዘይስዕብ ከምኡውን ንሓቂ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ ካብታ ብትሕትና ኽንደልያ ዘሎና ፍቕሪ ፈጺሙ ዘይፈልዮ" ዓይነት መራኸቢ ብዙሓን ከስፍሑ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ "እቲ ሓሳብ ንሓሳብ እንለዋወጠሉ መገዲ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ንናይ ውግእ ቃላትን ምስልታትን 'ኣይፋል' ክንብል ኣሎና፣ ረባሕታ ውግእ ክንነጽጎ ኣሎና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንሓደጋ ኣድልዎን ዓመጽን ዝቃልዑ ጋዜጠይናታት ቀረባ ምዃን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ምስቶም ሓቂ ስለ ዝጸብጸቡን ሓቂ ስለ ዝሓበሩን ንሓደጋ ንዝተቓልዑን ዝተኣሰሩን ጋዜጠይናታት ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ቅርበት ደጊሞም ብምርግጋጽ፣ ክፍትሑ ድማ ጸውዒት ኣቕሪቦም፣ ዘሕልፍዎ ዘለዉ መከራ ንዓለም ኣገዳስነት ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነትን ናይ ሓበሬታን ሕትመትን ናጽነት ዘዘኻኽር ምዃኑ ገሊጾም፣ “ብሓቀይና ሓበሬታ ዝተሰነዩ ውልቀሰባት ጥራይ እዮም ነጻ ምርጫ ክገብሩ ዝኽእሉ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣገልግሎት ንሓቂ

ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14፣ ሰቡ ሙያ መራኸቢ ብዙሓን ንሓቂ ንዝገበርዎ ኣገልግሎት ብፍላይ ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድሕሪ ዕረፍቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘጋጠመ ህዙእ መንበር ንቤተ ክርስቲያን ብጽባቐ ፍቕሪ ክርስቶስ” ንምቕራብ ንዝገበርዎ ጸብጻብን ሓበሬታን ናይ ምቕራብ ዕዮኦም ኣመስጊኖም፣

ንዓለም “ሕመረት መንነትና” ንምክፋል፣ ንጽልዋታትን መለሳ ኣልቦን ሓቂ ንምጉባእ ዝግበር ፈተነታት ኩሉ ንጎኒ ገዲፎም ዝሰርሕዎ ስራሕ ድማ ንኢዶም፣ ኣስዒቦም ዘመንና ሓበሬታ ኣብ ምቕራብ ክንገጥሞም ዝግብኣና ኣጸጋሚ ዝኾኑ ብዙሓት ጉዳያት ዘቕርብ ብምዃኑ፣ ነፍሲ ወከፍና ላንጋላንጋ ምዃን ክንስዕር ይጽውዓና ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ዘመንና ብድሆታት ምግጣም

“ቤተክርስትያን ነቲ ዘመን ዘስዕቦ ብድሆታት ክትገጥሞ ኣለዋ . . . ብተመሳሳሊ መንገዲ ርክብን ጋዜጠይናነትን ካብ ግዜን ታሪኽን ወጻኢ ክኸውን ዝኽእል ኣይኮነን፣ ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ ነዚ፡ “ጽቡቕ ንነብር፣ እቲ ግዜ ድማ ጽቡቕ ክኸውን እዩ። ንሕና ግዜ ኢና” ዝበሎ ምዕዳን መሰረት ገይሮም ብምርዳእ፣ ዘመናዊ ዓለም ኣብ “መብዛሕትኡ ግዜ ንስነ - ሓሳባዊ ወይ ንወገናዊ ዝኾነ ፍቕሪ ዘይብሉ ቋንቋታት ንምጥቃምን ምድንጋራትን” ኣሕሊፉ ክህበና ዝኽእል ምዃኑ ኣጠንቂቖም፣ መራኸቢ ብዙሓን ንዓለም ካብ ከምዚ ዝበለ “ግምቢ ባቢሎን” ብእንጥቀመሉ ቃላትን ብእንወስዶ ቅድን ኣቢሉ ክውጽእ ኣለዎ፣ "ርክብ ምትሕልላፍ ሓበሬታ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ናይ ምራኻብ ባህሊ ዝሃንጽ እውን እዩ፣ ከምዚ ምስ ዝኸውን ድማ ሰብኣውን ስነ ኣሃዛዊ ምዕባለን ሃዋህው ናይ ዘተን ምይይጥን ቦታ ይኸውን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ሓላፍነትን ምስትውዓልን ይሓትት

ምስፋሕ ሰብ ሰርሖ ኣስተዎሎ ዘለዎ ዘይተኣደነ ዓቕምን ዕቑር ዓቕምታቱን ኩሉ” “ንኹሉ ሰብኣውነት ምእንቲ ክጠቅም፡ ንናይ ኩሉን - ንሓባራዊ ረብሓን ሰናይ ክውዕል ምእንቲ፡ ሓላፍነትን ምስትውዓልን የድልዮ” ምስ በሉ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ 2025 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቡ ብዙሓን ኣብ ዘመሓላለፍዎ "ኣብ መራኸቢ ብዙሃን እንጥቀመሎም ቃላት ካብ ናይ ቅድመ ፍርድን ቂምን፡ ጽንፈይናነትን ጽልእን ዝኣመሰሉ ዕጥቕታት ዝፈተሐ እንተ ደኣ ኮይኑ፣ ዓለምና እውን ዕጥቂ ንኽትፈትሕ ዝሕግዙ ክንክውን ኢና” ዝበልዎ ጠቒሶም ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 May 2025, 15:43