ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ዕለተ ሢመቶም 'ናብ ኣምላኽ ንመለስ ንሓድሕድና ድማ ንፋቐር'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንልዕሊ 200,000 ነጋድያን ካብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ንዝመጹን ንመራሕቲ ሃግራትን ከምኡውን ንተወከልቲ ክርስትያናዊ ማሕበራትን ሰላምታ ኣብ ዘቕረቡሉ ትማሊ ሰንበት ዕለት 18 ግንቦት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምዕራግ ወግዓዊ ምጅማር ኣገልግሎቶም ኣካይዶም።
ገለ ኻብቶም ኣብቲ ጽንብል እተረኽቡ ብዙሓት ሰባት ካብ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ንእስላም ሂንዱ ቡድሂስት ሲክ ዞሮኣስትርያን ጃይናውያንን ውን ይርከብዎም ነበሩ ።
ብሞሳ ዝተመልአ ልቢ
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነቲ ኸም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መጠን ብወግዒ ኣገልግሎቶም ኣብ ዝጀመሩሉ ዘዕረግዎ ጸሎትን ዘሐጕስ ደገፍን ልባዊ ምስጋናኦምን ኣብ ዝገለጹሉ፣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት እተሰምዖም ሓያል ምንፈሳዊ ስምዒት ዘኪሮም።
"ድሕሪ ዕረፍቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ቤተክርስቲያን ጓሳ ኸም ዘይብሎም መጓሰ ኰይኑ ተሰምዓና፣ እንተዀነ ግን ኣብ ሰንበት በዓል ትንሳኤ ናይ መወዳእታ ቡራኬኦም ምስ ኣካፈሉና ከምኡውን እምነትን ተስፋን ሓጐስን ስለ ዝረኣና፣ ጐይታ ንህዝቡ ብኸመይ ከም ዘይሓድጐም ዘከርና" ብምባል ተዘክሮኦም ገለጹ።
ብተወሳኺ ውን ቅዱስነቶም ነቲ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምምራጽ እተገብረ ፍሉይ ዕጽው ናይ ካርዲናላት ጉባኤ ሓደ ነዚ ሎሚ ኣብዚ ዘመና ዘሎ ብድሆታት ክፈትሕ ዝኽእል ጓሳ ንምምራጽ ነቲ ተልእኾ ስብከት ወንጌል ብኸመይ ከም ዝቕጽልዎ ብምምርማሮም ንዅሎም ኣመስገንዎም።
"እቲ ንልብና ብሓደ ቅኒት ምእንቲ ኼንቀሳቕሰና ከም መሳርሒታት ሙዚቃ ገይሩ ኼሰማምዓና ዝኸኣለ ዕዮ መንፈስ ቅዱስ" ዀይኑ ኸም እተሰምዖም ገለጹ።
ብፍቕርን ሓድነትን ዝሰመሩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ኵላትና ኣብ ሓደ ስድራ ቤት ሓድነት ኪህልወና የድሊ እዩ፣ ኣነ ኸአ ኣገልጋሊ እምነትኩምን ሓጐስኩምን ኮይነት ከም ሓደ ሓው ኰይነ እየ ናባኻ ዝመጽእ ዘሎኹ " በሉ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱስ ጴጥሮስ ዝሃቦ ኽልተ መዳያት ኣገልግሎት ፍቕርን ሓድነትን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኸሩ።
ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ዝተነበ ቃል ቅዱስ ወንጌል ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ተልእኾኦም ኪቕጽሉን "ገፈፍቲ ሰብ" ኪዀኑን፣ በዚ ከምዚ ድማ "ንተስፋ ወንጌል" ናብ ኵሎም ሰባት ከብጽሕዎም ኣዚዝዎም ኣሎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከም ዝገለጽዎ፣ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ እታ "መወዳእታ ዘይብላን ብዘይ ቅድመ ዅነት ብዘፍቅሪ ብፍቕሪ ኣምላኽ" ዘሕለፎ ተመክሮ ነዚ ተልእኾ እዚ ንኽስከም ኣኽኢልዎ ኢዩ ክብሉ ውን ኣስተንተኑ።
ገዛእ ርእሱ መሥዋዕቲ ዝገብር ፍቕሪ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ኣስተንትኖኦም፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ቅዱስ ጴጥሮስ 'ንመጓሰኡ ህይወቱ ኣሕሊፉ ብምሃብ' ማለት "ገዛእ ርእሳ መሥዋዕቲ ብእትገብር ፍቕሪ" ህይወቱ ኣሕልፉ ብምሃብ ብኸመይ ብሕድሪ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ከም እተቐበሎ ዘከሩ።
"ናይ ሮማ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ግብረ-ሰናይ ትመርሕ ስለ ዝኾነት፣ እቲ ሓቀይና ስልጣና ከአ ናይ ክርስቶስ ናይ ፍቕሪ ኣገልግሎት ከም ምዃኑ፣ ኣገልግሎት ቅዱስ ጴጥሮስ በዛ ገዛእ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ እዩ ዚልለ። ንኻልኦት ብሓይሊ ብሃይማኖታዊ ፕሮፓጋንዳ ወይ ብዓመጽ ምግዛእ ዝብል ሕቶ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ ከምቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበሮ ኵሉ ሳዕ ንፍቕሪ ዚምልከት ጕዳይ እዩ" በሉ።
ቤተ-ክርስትያን ምልክት ሓድነትን ምትሕብባርን
እቲ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም "ንዕርቂ ሰላም ዓለም ብሑቝ እትኸውን ሓድነትን ውህደትን ዘለዋ ምልክት ሕብርተት ዝኾነት ቤተ-ክርስትያን" ንምዃን ዘለዎም ተስፋ ውን ገለጹ።
ኣብ ቅድሚ እዛ ጽልኢ ዓመጽ ምፍልላይ ፍርሂ ከምኡውን ቍጠባዊ ፈተና ዘምጽኦ ብዙሕ ዘይምስምማዕን በሰላን ዘለዋ ዓለም "ንሃብቲ ምድሪ እትምዝምዞን ነቶም ዝደኸዩን ድኹማትን፣ ኣብ ዓለም ንእሽቶ ማይ ብሑቝ ሓድነትን ውህደትን ምትሕብባርን ክንከውን ንደሊ ኢና" በሉ።
"ንዓለም ብትሕትናን ብሓጐስን ናብ ክርስቶስ ከነጠምታ ኢና እንደሊ ዘሎና። ናብ ክርስቶስ ቕረቡ! ነቲ ዜብርህን ዜጸናንዕን ቃሉ ሓንጐፋይ ኢልኩም ውን ተቐበልዎ! ነቲ ንፍቕሩ ዘወፍየልና ዕድመ ውን ንስምዓዮ እሞ፣ ከም ሓንቲ ስድራቤቱ ንኹን - ብቲ ሓደ ክርስቶስ ኩልና ሓደ ኢና " ክብሉ ውን ተማሕጸኑ ። ኣብ መንጎና ጥራይ ዘይኰነስ ምስቶም ካልኦት ሃይማኖታትን ምስቶም ንኣምላኽ ዚደልዩ ምስ ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ሰብ ሰናይ ፍቓድ ዝኾኑ ኩሎም ሓቢርና ሰላም ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም ክንሃንጽ ኢና።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ መንፈስ ወንጌላዊ ተልኾ ብምድጋፍ ድማ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብ ኣነባብራ ንቤተ-ክርስትያን ኣብ ገለ ሒደት ጕጅለታት ንኸይትዕጾን ወይ ውን ካብ ዓለም ጸብለል ዝበለት ኰይና ንኸይስምዓ ኸም ዝሕግዛ ድማ ገለጹ።
"ነቲ ንፍልልያትና ዘየወግድ የግዳስ ንብሕታዊ ታሪኽ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ንማሕበራውን ሃይማኖታውን ባህሊ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ኣኽቢሩ ዝርኢ ሓድነት ንምርካብ ንዅሎም ፍቕሪ ኣምላኽ ከነወፍየሎም ጻውዒት የቅርበልና" ውን በሉ።
"ኣሕዋትን ኣሓትን እዛ ሰዓት እዚኣ ብፍቕሪ እነሕልፋ ሰዓት እያ! ማእከል ናይ ወንጌል ብዛዕባ እቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝገብረና ፍቕሪ ኣምላኽ ኢዩ።"
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ "ንፍቕሪ ኣምላኽ እተመልክትን ኣብ ሓድነት እተመስረተትን፣ ንዓለም ኣእዳዋ እትዝርግሕ ቃል ኣምላኽ እተበስር ብታሪኽ 'ዘይትጭነቕ' ከምኡውን ንደቅሰብ ስኒት እተምጽእ ልእኽቲ ቤተ-ክርስትያን" ምእንቲ ኽንሃንጽ ኩሎም ክርስትያን ብብርሃን መንፈስ ቅዱስ ክጕዓዙ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።
"ከም ሓደ ህዝቢ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኴንና ናብ ኣምላኽ ንጕዓዝ ንሓድሕድና ውን ንፋቐር።" ክብሉ ውን ስብከቶም ዛዘሙ።