ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14፡ "ንማርያም ዘሎና ተወፋይነት ነሐድስ"
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ካብ መንበር ጳጳስ ሮማ ርእሰ ባዚሊካታት ቅዱስ ዮሓንስ መጥመቕ ተፋንዮም ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ምብጻሕ ከም ዘካየዱን ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያን ጠበቓ ሮማውያን ዕንበባ ኣንቢሮም ናይ ብሕቲ ጸሎት ምስ ኣዕረጉ ኣብቲ ብዚሊካ ኣብ ዝርከብ ናይ ነፍሰ ሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መቓብር ፊት ናይ ብሕቲ ጸሎት ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
"ኣብዚ ስለ ዝመጻእኩም የቐንየለይ!"
ቅዱስ ኣቦና ናብ ቫቲካን ቅድሚ ምምላሶም፡ ነቶም ኣብ ደገ ዝተኣከቡ ምእመናን ካብ ማእከል ሰነገት ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ኮይኖም ሰላምታ ከም ዘቕረቡን፣ ንኹሎም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ዝተረኽቡ ምመናን ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፣ ኣብዚ ስለ ዝመጻእኩም የቐንየለይ! ሎሚ ምሸት ኩሎም ኣባላት ሃገረ ስብከት ሮማ ኣብ ዙርያ ሓድሽ ር.ሊ.ጳጳሳትን ጳጳስ ሮማ ንኽሓብሩን ንኽቕበልዎምን “ ኣብዚ ስለ ዝመጻእኩም የቐንየለይ” ከም ብዘሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንማርያም ውፉይነት ንምሕዳስ ዝቐረበ ዕድመ
ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14፣ “ንኹሎም እቶም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ዘገልግሉ፡ ነቶም ሎሚ ምሳይ ኣብዚ ዘለዉ ክልተ ካርዲናላትን ካልኦት ብዙሓትን፣ ኣብ ጸሎት ተወፋይነት ክህልወናን ክርስቲያናዊ ህይወትናን ንኽንነብር ስለ ዝሕግዙና አመስግን” ክም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓብይ ንዝተረኽቡ ምእመናን እውን ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፣ ምስ ኣደ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፣ "እዚ ንማርያም፡ ቅዱስ ምስሊ ጠበቓ ሮማውያን ንህዝቢ ሮማ ኣብ ብዙሕ ፈተናታት ንዘሰነየት ኣደ ኣማላኽ ውፉይነትና ንምሕዳስ ዝሕግዘና ቅዱስ ህሞት'ዩ" ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣስዒቦም ድማ “ንእግዚኣብሔር ብኣማላድነት ኣዲኡ ንኹልኹምን ንስድራቤትኩምን ንፈተውትኹምን ይባርኽ፣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብሓባር ክንመላለስ ክሕግዘና ንልምኖ” ምስ በሉ ኣስዒቦም፣ ንምእመናን መሪሖም ጸሎት ሰላም ለኪ ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ ቅድሚ ሓዋርያዊ ቡራኬ ምሃቦም ኣብ መደምደምታ ንኹሎም ኣብኡ ንዝተረኽቡ ሰናይ ምሸት ተመንዮም ከም እተፋነዉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።