MAP

ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 መርሓ ዕለት ሊጡርጊያ ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 መርሓ ዕለት ሊጡርጊያ  (@Vatican Media)

ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 መርሓ ዕለት ሊጡርጊያ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣብ ወርሒ ሰነ ሰናብቲ መስዋዕተ ቅድሴ ከም ዝመርሑን ከምኡ እውን ኣብ ሓያሎ ኣዋጅ ቅድስና ዝምልከት ድምጺ ናይ ምሃብ ስነ ስርዓት ንኽመርሑ ጉባኤ ካርዲናላት ከም ዝጸውዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ስርዓተ ኣምልኾ ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ናይ ወርሒ ሰነ 2025 ዓ.ም. ሓፈሻዊ ሊጡርጊያው መርሓ ዕለት፣ ቅዱስነቶም ሰንበት ዕለት 1 ሰነ ሰዓት 10፡30 ብምኽናይት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንኣባይቲ ስድራን ሕጻናትን ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ዝተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል መዕጸዊ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ይሕብር።

ሰንበት ዕለት 8 ሰነ በዓለ ጰራቅሊጦስ ምኽንያት ቅዱስነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 10፡30 ብዓቕለስያውያን ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ሓደስቲ ማሕበረሰባትን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅድሴ ከሰርዑ ከም ዝኾኑ ዝሓበረ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ሊጡርጊያ ኣስዒቡ ዕለት 9 ሰነ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስተ ማርያም እመ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተሰፋ 2025 ንቅድስቲ መንበር ዝተወፍየ መዓልቲ ኢዮቤል ምኽንያት ብቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 11፡30 መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ዕለት 13 ሰነ ሰዓት 9፡00 ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቅድስና ንዝወጀሎም ደቂ ቤተ ክርስቲያን ዘማእከል ድምጺ ናይ ምሃብ ስነ ስርዓት ንኽካየድ ዝጸውዕዎ ጉባኤ ካርዲናላት ክመርሑ ከም ዝኾኑን ሰንበት ዕለት 15 ሰነ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንስፖርተይናታት ዝተወፍየ መዓልቲ ኢዮቤል ምኽንያት ስፖርተይናታት ዝሳተፍዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 10፡30 መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ቤት ጽሕፈት ጳጳሳዊ ጉዳያት ስርዓተ ዓምልኾ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ፣ ዕለት 22 ሰነ ዓመታዊ ክብረ በዓል ስጋሁ ወደሙ ዘእግዚእነ ምኽንያት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ሰዓት 17፡00 ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ቅዳሴ ክመርሑን ቅዱስ ቅርባን ኣምሪሑ ካብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ናብ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓቢይ ዝኸይድ ዑደት ቅዱስ ቁርባን መሪሖም ክሳተፉ ከም ዝኾኑን፣ ዓርቢ ዕለት 27 ሰነ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 09፡00 ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ኣፍሊጡ፣ ዕለት 29 ሰነ ቅዱስነቶም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሰዓት 09፡30 ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ምኽንያት መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑ ከም ዝኾኑ ኣፍሊጡ።

22 May 2025, 16:48