MAP

ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ኣብ ማሕበራዊ መርበባት ናይ መጀመርታ መልእኽቶም ፈንዮም ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ኣብ ማሕበራዊ መርበባት ናይ መጀመርታ መልእኽቶም ፈንዮም  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ኣብ ማሕበራዊ መርበባት ናይ መጀመርታ መልእኽቶም ፈንዮም

ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ኣብቲ ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ፍራንቸስኮን በነዲክቶስ መበል 16ን ዝጥቀምሉ ዝነበረ ኣብ ማሕበራዊ መረብት ዘሎ ወግዓዊ ናይ ር.ሊ.ጳ. ኣድራሻ ኣቢሎም ዕለት 13 ግንቦት ናይ መጀመርታ መልእኽቶም ከም ዝፈነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 “ነቲ ኣብ ኤክስን ኢንስታግራምን ማሕበራዊ መረብት ዘሎ ወግዓዊ ናይ ተኻታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣድራሻ ክጥቀሙ ከም ዝደልዩ ብወግዒ ከም ዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

በቲ ኣብ ኢንስታግራም ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ኣብታ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ዝተሓረዩላ ዕለት 8 ግንቦት ኣብ ማእከል ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ንሮማን ዓለምን ብራኬ ቅድሚ ምሃቦም፥

“ሰላም ምስ ኩላትኩም ይኹን! እዚ ናይ መጀመርታ ሰላምታ እቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ሕያዋይ ጓሳ ዘቕረቦ እዩ። እዚ ሰላምታ እዚ ኣብ ልብኹምን ኣብ ስድራኹምን ኣብ ኵሎም ህዝብኹምን ኣብ ዝሃለዉዎ ኣብ ኩሉ ህዝብን ኣብ መላእ ዓለምን ክድመጽ ደስ ይብለኒ”

እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘቃልሕ መልእኽቲ ከም ዝፈነዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እቲ ዝብል ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ዘሎ ኣድራሻ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ብድምር 52 ሚልዮን ሰዓብቲ ከም ዘለውዎ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ በዚ ማሕበራዊ መርበብ ኣቢሎም ዝፍንውዎ መልእኽቲ ብትሽዓተ ቋንቋታት ዝትርጎም እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

እቲ ኣብ ኢንስታግራም ዘሎ ሓድሽ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ወግዓዊ ኣድራሻ @Pontifex – MAP Leon XIV ዝብል ከም ዝኾነን እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብል ናይ ኢንስታግራም ኣድራሻ ከም መዘከርታ ኣብ ማህደር ዝተሓዝ ኮይኑ ክቕጽል ምዃኑ እውን ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ቅድሚ ሊዮን መበል 14 ዝነበሩ ነፍሰ ሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ኣብ ኤክስ ማሐበራዊ መርበብ ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም፣ “ኣብ ምሉእ 12 ዓመት ር.ሊ.ጳጳስናኦም፣ ፍራንቸስኮስ ዳርጋ መዓልታዊ ወንጌላዊ ባህሪ ዘለዎም ሓጸርቲ መልእኽትታትን ንሰላምን ማሕበራዊ ፍትሕን ንፍጥረት ሓልዮትን ዝድግፉ መርትዖታት የቕርቡ ከም ዝነበሩ እውን ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ተወኪሱ የመላኽት።

ጳጳሳዊ ማሕበራዊ መራኸቢታት

ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ወግዓዊ ኣድራሻ ዘጀመሩ ኮይኖም፣ ናይ መጀመርታ ናይ ትዊተር መልእኽቶም ወዲ 84 ዓመት ዕድመ እንከለዉ ዕለት 12 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም. ዝፈነውዎ ኮይኑ፣ እቲ ቀዳማይ መልእኽቶም ድማ፣ "ክቡራት ኣዕሩኽ ብትዊተር ኣቢለ ምሳኻትኩም ብምርኻበይ ሕጉስ እየ። ስለቲ ዝሃብክምዎ ለጋስ መልስታትኩም ድማ የቐንየለይ። ንኹልኹም ካብ ልበይ እባርኽኩም" ዝብል ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መበል 266 ጳጳስ ሮማ ኰይኖም ምስ ተመርጹ በቲ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣድራሻኦም ኣቢሎም፣ "ፍቑራት ኣዕሩኸይ ካብ መዓሙቝ ልበይ አመስግነኩም ምእንታይ ክትጽልዩ ድማ እልምነኩም” ዝብል ቀዳማይ መልእኽቲ ከም ዝፈነዉን፣ ዕለት 19 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ኢንስታግራም ዚርከብ @franciscus ዝብል ናይ ግሊ ኣድራሻ ብምኽፋት፣ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ህላወ ክሰፍሕ ከም ዝገበሩን፣ እታ ናይ መጀመርታ ኣድራሻኦም ብእተፈላለየ ቛንቋታት "ምእንታይ ጸልዩ" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋን ተንብርኪኾም እናጸለዩ እንከለዉ ዘርእይ ስእሎም ዝተነብሮ ከም ዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኵለን ትካላት ቤተ - ክርስትያንን ኵሎም ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክን መርበብን ማሕበራዊ መርበብን ኣብ ምጥቃም ክስዕብዎ ዝግብኦም መምርሒታቶምን ምትብባዖምን ክርኽቡ ከም ዝኽእሉ የመላኽት።

14 May 2025, 16:55