ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14 ንቤተ-ክርስትያን ናይ ሓድነትን ፍቕርን 'ሒደት ማይ ብሑቝ' ኩኑ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰንበት ዕለት 18 ግንቦት ኣብ ሥርዓተ ጽንብል ወግዓዊ ምጅማር ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ብዘን ዝስዕባ ቃላት ኣቢሎም፣ ውንጌላዊ ልኡኽ ጳጳስ ወዲ ስደተኛታት ከምኡውን መበል 267 ጳጳስ ሮሜ ከም ምዃኖም የመልክቱ፦
"ወላ ሓንቲ ሰናይ እኳ ዘይብለይ ክንሰይ ተሐርየ፣ [ጐይታ] ዅላትና ከም ሓደ ስድራ ቤት ክንሓብር ይደሊ እዩ እሞ፣ ኣገልጋሊ እምነትኩምን ሓጐስኩምን ኪኸውን ምሳኻትኩም ከኣ ብመገዲ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪመላለስ ዚፈቱ ሓው ኰይነ ሕጂ ብፍርህን ራዕድን ናባኻትኩም እመጽእ አሎኹ።"
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ተራን ዓሚቝን ቃላት ነቲ ዘመን ጵጵስናኦም ዝመክትን፣ ብዛዕባ 'ካልእነት' ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ፍሉይ መሪሕነቶም ዘቕረብዎ መልእኽቲ ኢዩ ዝነበረ።
ኣብዛ ብውግእን ጽልእን ዓመጻን ምክፍፋልን እተበላሸወት ዓለም እቶም ንቅዱስ ጴጥሮስ ዝተክኡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ብትሕትና ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ወንጌል፣ ፍቕርን ሓድነትን ድንጋጽን ሕውነትን ማለት ከም ሓደ ስድራ ቤት ኪህልወና ኸም ዚደሊ ዝምስክር ኢዩ ዝነበረ።
ቃላቶም ነቲ ኣብ ልቢ ወድሰብ ዝጅምር ጽልእን ውግእን ንምስናፍ፣ ማለት ንሓውና ኣጽዋር ኣልዒሉ ወይ ከም ኣእማን ብዘቝስል ቓላት ብትዕቢት ንምውጋድ፣ ፍቕርን ምይይጥን ምርዳእን ንምምስካር ኢዮም ዝጽዕሩ ዝነበሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከም ዝገለጽዎ ኣገልግሎት ቅዱስ ጴጥሮስ ከም "ኣገልጋሊ ናይቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽ" ከም ምዃኑ ብምዝካር፣ ፍልይ ዝበለ ኣገባብ መሪሕነቶም ውን ኣመልከቱ።
ብፍቕርን ሕውነትን ንህይወትካ ንኻልኦት ናይ ምውፋይ ኣገልግሎት ኢዩ፣ "ቤተ-ክርስትያን ሮማ ኣብ ግብረ-ሰናይ ኢያ እትመርሕ፣ ናይ ሓቂ ስልጣና ኸኣ ናይ ክርስቶስ ፍቕራዊ ኣገልግሎት ኢዩ" ብምባል ውን ተዘክሮኦም ገለጹ።
"ንኻልኦት ብሓይሊ ብሃይማኖታዊ ፕሮፓጋንዳ ወይ ብማዓመጽ ምሓዝ ሕቶ ኣይኰነን" በሉ። ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ዚርከቡ ሰባት ነዚ ንምግባር ይፍተኑ እዮም፣ እዚ ኸኣ ብወለንታ ብመዋቕራት ብሃይማኖታዊ ንግዲ ከምኡውን ብስትራተጂታት እዩ ዝግበር።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ኣብ ክንዳኡስ ከም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኵሉ ሳዕን እንኮን ፍቕራዊ ሕቶ እዩ " በሉ።
ስለዚ ኸኣ ኢዩ "ቅዱስ ጴጥሮስ ብዘይ ምጕይታት ግዝኣታዊ ሓይልን ኣብ ልዕሊ እቶም ብሕድሪ እተዋህብዎ መጓሰ ክጓሲ ዝግብኦ።"
ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ብዝያዳ ኼፍቅር እዩ ተሓቲቱ ። "ንእምነት ኣሕዋቱን ኣሓቱን ዘገልግል፣ ምሳታቶምውን ዝጕዓዝ" ተባሂሉ ዝጽዋዕውን።
እዘን ቃላት እዚኣተን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብተደጋጋሚ ዘቕረብዎ ስእሊ ናይቲ ሕያዋይ ጓሳ ብእተወሰነ ደረጃ ይሕብራና ።
ምስሊ እቲ ክመርሕ ቀቅድሚ እቲ መጓሰ ዚኸይድ ጓሳ እዩ፣ ኣብ መንጎ እተን መጓሰ ጸብላል ዝብል ወይ እተፈልየ ኮይኑ ዘይስምዖ፣ በዚኸምዚ ዋላ ሓደ ምእንቲ ኸይጠፍእ ነቶም በቲ ጕዕዞ ኣዝዮም ዝደኸሙ ኸኣ ምእንቲ ኺእክቦም ብድሕሪ እተን መጓሰ ውን ዝጕዓዝ ኢዩ።
እቲ ሎሚ ኣብ መንበር ጴጥሮስ እተቐመጠ ልኡከ ወንጌላዊ ጳጳስ ንወንጌል ብፍቕሪ ኽንእውጅ "ኣብ እሽቶ ጕጅለ ጥራይ ከይንዕጾን ካብ ዓለም ውን ጸብለም ከም ዝበልና ኰይኑ ኸይስምዓና" ጻውዒት ኣቕረበልና።
ቤተ-ክርስትያን ወትሩ ምሕረት ዘድልዮም ይቕረ እተባህሉ ሓጥኣን ህዝቢ ዝሓዘት ማሕበር ኢያ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዮም ካብ ዝዀነ ይኹን ናይ ጸብለልትነት ሕልኽላኻት ክርሕቑ ዘለዎም፣ ናይቲ መገዲ ድኽመት ዝመረጸን ንዓና ንምድሓን ኣብ መስቀል ሞት ብምቕባል ገዛእ ርእሱ ዘዋረዱን ኣምላኽ ሰዓብቲ ኢዮም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 "ምልክት ሓድነትን ሕብረትን እዚ ኸኣ ነታ ዕርቀ ሰላም ዝገብረት ዓለም ማይ ብሑቝ ዝኹኑ" ምእንቲ ክኾኑ "ፍቕሪ ኣምላኽ ንዅሉ ከነወፊ ተጸዊዕና ኣለና" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ብወግዒ ኣገልግሎቶም ኣብ ዝጅምሩሉ ዘለዉ እዋን፣ ነቲ ሎሚ ዘሎ ሕቶታትን ህውከትን ብድሆታትን ንኽንቃለስ ኣርሒቕና ክንጥምት ጻውዒት የቕርቡልና ኣለዉ።