MAP

2024.05.18 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ሰላም እንተደሊኹም ናይ ሰላም ትካላት ኣዳልዉ 2024.05.18 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ሰላም እንተደሊኹም ናይ ሰላም ትካላት ኣዳልዉ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ሰላም እንተደሊኹም ናይ ሰላም ትካላት ኣዳልዉ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኢጣልያ መድረኽ ሰላም ቨሮና እተሳተፉ ዕለት 30 ግንቦት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ወንጌልን ማሕበራዊ ሰረተ - እምነት ቤተ - ክርስትያን ንማሕበረሰብ ክርስቲያን ቀጻሊ ምንጪ ደገፍን ንዅሎም እቶም ሰላም ንምህናጽ ቈራጽነት ዝገበሩ ድማ ቡሶላ ምዃኑ ገሊጾም።

ስምዖን ተ. ኣርኣይ - ሃገረ ቫቲካን

ዓርቢ ዕለት 30 ግንቦት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣብ መድርኽ ሰላም ቨሮና ዝተሳተፉ ልዕሊ 300 ተወከልቲ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱን፣ ነፍሰ ሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ እተገብረ ፍጻመ ምስታፎም ዝዝከር ኮይኑ፣ እቲ ናይ ቨሮና መድረኽ ሰላም ብዛዕባ ማሕበራዊ ሰረተ - እምነት ቤተ-  ክርስትያን ንምምይያጥን እማመታት ንምቕራብን ዳግማይ ንምብጋስን ዝዓለመ ምንባሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ምስ ግዳያት ደው ምባል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ነቶም ተጋባእያን ናይ ሰላም መድረኽ ቨሮና ተቐቢሎም፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ 2024 ዓ.ም. መድርኽ ቨሮና ተረኺቦም፣ “ሰላም ምህናጽ ኣብ ጎድኒ ግዳያት ደው ብምባልን ንነገራት ብኣረኣእያኦም ብምምልካት ኢዩ ዝጅምር" እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣቃሊሖም፣ "እዚ ሜላ እዚ ንልብን ኣቀራርባን ኣተሓሳስባን ኣጽዋር ዘፍትሕ ከምኡውን ነቲ ዝቐትልን ኣብ ጓሓፋይ - ተጠቂምካ ምድርባይ ዝብል ባህሊ እተመስረተ ኣገባብ ምጕዳል ፍትሒ ንምዅናን ኣድላዪ ኢዩ” ቢሎም፣ ነቲ ኣብ ቓዛ ብዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣባላት ስድራቤቶም እተቐተልዎም እስራኤላውንን ፍልስጥኤማውያንን ቅርበቶም ገሊጾም፣ እዞም ፍልስጥኤማውያንን እስራኤላውያንን፡ "ሕጂ ኣዕሩኽትን ተሓባበርትን ዝኾኑ፣ እቲ ዚገብርዎ ንጥፈታት "ምስክርን ምልክት ተስፋን ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 "ናብ ሰላም ንምብጻሕ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሓባራዊ ጥቕሚ ኣፍልጦ ኽህቡሉ ዝኽእሉ ዝተሃነጹን ንኻልኦት ንምክንኻን ዝቖሙን ኣልባብን ኣእምሮን ዝጠልብ ኢዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ እቶም ኣብ ናይ ቨሮና ናይ ሰላም መድረኽ ፍጻመታት ዝሳተፉ ሰባት ዝገብርዎ ቘራጽነት "ጠቓሚ ኢዩ፣ ከመይሲ ውጥናቶምን ጭቡጥ ተግባራቶምን ተስፋ ዘሕድር ስለ ዝኾነ" ከም ዝብሉ ኣፍሊጡ።

መንእሰያት ኣብ ህንጸት ሰላም ምምሃር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ነቲ ኣብ ዓለምናን ኣብ ሕብረተሰብናን ዝረአ ዘሎ ዓመጽ ዘሕድረሎም ሓዘን ገሊጾም፣ “ብፍላይ ብጽቡቕ ኣብነታት ኣቢሎም ንመንእሰያት ፣ ናይ ህይወት ባህልን ዘተን ከምኡውን ሓባራዊ ምክብባር ክምስክሩ" ኣድላዪ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ እቶም ምጕዳል ፍትሕን ዓመጻን ምስ ኣጋጠሞም "ሕነ ንኽፈድዩ ዝድርኾም ፈተና ዝብድሁ ኣብቲ ዘይጎነጻዊ መጋበርያ ሰላም ዝያዳ ትውክልቲ ዝገብሩ እሙናት ወኪላት ይዀኑ . . . ዘይጎነጻዊ ቃልሲ፡ “ከም ኣገባብን ቅዲን፡ ንውሳኔታትና፡ ዝምድናታትናን ተግባራትናን መለለዪ ክኸውን ኣለዎ” ምስ በሉ፣ ወንጌልን ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን “ኣብዚ ጻዕሪ ንክርስትያን ቀጻሊ ምንጪ ደገፍ” ከምኡ’ውን ህንጸት ሰላም “ንኹሉ ብሓላፍነት ዝተዋህቦ ዕማም” ስለዝኾነ “ንኹሉ ቡሶላ እዩ” ከምዝ በሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ተቕዋማት ሰላም ምድላው

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. "ሰላም እንተድኣ ደሊኹም ናይ ሰላም ትካላት ኣዳልዉ " - ፖለቲካዊ ትካላት ጥራይ ዘይኰነስ ትምህርታውን ቍጠባውን ማሕበራውን ትካላት እውን ኣዳልዉ፡ ኣብ ውሽጢ ታሪኽ ከም ማይ ብሑቝ ሓድነትን ሕብረትን ሕውነትን ክትኾኑ ቃል ክትኣትዉን ኣብኡ ኽትጥርነፉን እተባብዓኩም፣ እዚ ኸኣ ሳላ እታ 'ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብና ዝፈሰሰት' ፍቕሪ ኣምላኽ ብርግጽ ዝከኣል ምዃኑ ብምትእምማን” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

31 May 2025, 17:03