MAP

ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14፣ ኣብ ከተማ ሮማ መንበር ከንቲባ ምብጻሕ ኣካይዶም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣብ ሮማ ፊት ካምፒዶግሊዮ መንበር ከንቲባ ሮማ ኣብ ዘሎ ቅርዓት Aracoeli - ታቦተ ሰማይ ዕለት 25 ግንቦት ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ከንቲባ ከተማ ሮማ ሮበርቶ ጓልቲየሪ ከም ኣተራኸቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰንበት ዕለት 25 ግንቦት ድሕሪ ቀትሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ናብ ካቴድራል ሮማ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን ኣብ ካምፒዶሊዮ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ከንቲባ ከተማ ሮማ ሮበርቶ ጓልቲየሪ ከም እተራኸቡን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘስምዕዎ ሓጺር መደረ ንከንቲባ ሮማ ጓልቲየሪን ኣብቲ ቦታ ንዝተረኽቡ በርገሳውያን ሰበስልጣንን ንዝገበሩሎም ምዉቕ ኣቀባብላ ብምምስጋን፣ "ሮማ ወትሩ በቶም ካብ ወንጌል ብዝምንጭዉ ክርብርታት ሰብኣውነትን ስልጣነን እትልለ ከተማ” ክትከውም ተላብዮም፣ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ንምእመናኑ “ምሳኹምን ናኣኻትኩምን ጳጳስ እየ ከም ዝበሎ፣ ነዚ ሓሳብ እዚ መሰረት ብምግባር ድማ ምሳኹምን ንካኽትኩምን ሮማዊ እየ” ቢሎም፣ ንከተማ ሮማ ቤት ምሕደራ ኣባላትን ኩሎም ሮማውያንን ኣብ ምስፋሕ ወንጌል ምስኦም ክሓብሩ ከም ዝዓደሙን፣ “ቤተ ክርስቲያን ካብ ኽልተ ሽሕ ዓመታት ኣትሒዛ ኣብ ሮማ ሓዋርያ ጉስነት ትፍጽም፡ ወንጌል ክርስቶስ እናኣበሰረት ኣብ ግብረ ሰናይ ገዝእ ርእሳ ተወፍይ” ቢሎም፣ “መንእሰያት ምምሃር፡ ንዝሳቐዩ ምሕብሓብ፡ ንድኻታት ምግልጋልን ብፍላይ ነቶም ስኡናትን ድኹማትን ቀረባ ምዃንን  ስነ - ጥበብ ምድንፋዕን ኩሎም መግለጺታት ናይቲ ኩሉ ግዜ ክንድግፎ ዝግበኣና ሓልዮት ሰብኣዊ ክብርታት እትምስክር እያ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ መደምደምታ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14፣ “ኣብዚ ቅዱስ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ካብ ነፍሲ ወከፍ ክፋል ዓለም ንዝመጹ ነጋድያን ኣብ ምእንጋድ ከተማ ሮማ ስለ እተሳልጦ ኣገልግሎት፣ “ልባዊ ምስጋናይ ከቕርብ እፈቱ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

26 May 2025, 15:55