ር. ሊ. ጳ. ልዮን፦ ርሕራሐ ጕዳይ ሰብኣውነት ደኣ እምበር ሃይማኖታዊ ጕዳይ ኣይኰነን
ኣባ ተወልደ መባራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ወንጌል ዝርከብ ምሳሌ ናይቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ብምስትንታን፣ ነቲ ንዓመተ ኢዮቤል እተወሰነ ተኸታታሊ ኣስተምህሮታት ብምቕጻል፣ ነቲ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ዚርከብ "ምሁርን ብግቡእ እተሰናደወ መምህር ሕግን" ዘለዎም ተመኩሮ ኣካፈሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ምስኪን መንእሰይ እዚ ኣብ ገዛእ ርእሱ እምብዛ ኸም ዜተኵርን፣ ንኻልኦት ዕሽሽ ከም ዚበለን ገለጹ ።
እቲ መምህር ሕጊ ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብኸመይ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪወርስ ከም ዝኽእል ሓተቶ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ኣስተንትኖኦም፣ እቲ መንእሰይ ንኢየሱስ እታ "ብጻየይ" እትብል ቃል ክገልጸሉ ምስ ሓተቶ፣ ብድሕሪ እዛ ሕቶ እዚኣ ድማ "ዓሚቝ ቈላሕታ" ከም ዘድሊ ገለጸሉ።
ንመን እየ ዘፍቅር?
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ፣ ነቲ እቲ መንእሰይ ዝሓተቶ ሓተቶ ምሉእ ብምሉእ፣ እቲ ከፍቅሮ ዘሎኒ መን ምዃኑ ዝገልጽ ምሳልያዊ ዛንታ ኣዘንተወ። ንመን እየ ዘፍቅር ? ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እቲ ቐዳማይ ብሱል ከም ዘይኰነ እንክገልጹ፣ እቲ ኻልኣይ ግን ብዛዕባ ትርጕም ህይወት እተረድአ በጽሒ ከም ምንባሩ ገለጹ። እቲ ቐዳማይ ዘይንጡፍ ኪኸውን ከሎ፣ እቲ ኻልኣይ ግን ስጕምቲ ክወስድ ዝሓትት ኢዩ ዝነበረ በሉ።
ብድሕሪ እዚ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ብዛዕባ እቲ ሓደ ሰብኣይ ካብ ኢየሩሳሌም ብመንገዲ ሓደ ኸረን ኣቢሉ፣ ናብታ ኣብ ጽፍሒ ባሕሪ እትርከብ ያሪኮ ዝተሰምየት ከተማ ንዝጕዓዘሉ ዝነበረ መገዲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዚገልጽ ምሳሌ ኣካፈሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነዚ ጕዕዞ እዚ "ኣጸጋምን ሓደገኛን መገዲ" ክብሉ ብምጽዋዕ፣ ምስ ህይወት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣመሳሲሎምዎ ይርከቡ።
እቲ ምስኪን ሰብኣይ ኣብ ጕዕዞኡ ተጐዲኡ ተረፈ፣ ከምኡውን ዝሞተ መሲሎም ሓዲጎምዎ ኸዱ። “እዚ ኵነታት እዚ ንዓና ውን ዘጋጥመናን፣ እንተላይ እቶም እንኣምኖም ሰባት ዉን ከይተረፉ ጐዲኦምና ኣብ ቃልዕ መገዲ ምስ ዚሓድጉና" ኼጋጥመና ዝኽእል ኩነታት እዩ።
ሃይማኖታዊ ጕዳይ ኣይኰነን
እንተዀነ ግን እዚ ኩነት እዚ ብሓቂ መንነትና ኽንፈልጥ ዝኸእለና ኢዩ፣ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ድማ ኢና ምስ ካልኦት እንራኸብ። ምስ እተሸገሩ ሰባት ክንራኸብ ከለና "ክንከናኸኖም ወይ ብኻልእ መገዲ ኽንጥምቶም" ዚብል ምርጫ እዩ ዜጋጥመና።
ኣብቲ ምሳልያዊ ዛንታ ክልተ ሰባት፣ ማለት ሓደ ኻህንን ሓደ ሌዋውን ደው ኢሎም፣ ነቲ እተጐድአ ሰብ ክከናኸንዎ እናተጸበና፣ ዕሽሽ ኪብልዎ መረጹ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኸም ዝገለጽዎ፣ እዚ ጉዳይ እዚ "ሃይማኖታዊ ልምዲ ንብሕቱ፣ ብኡንብኡ ናብ ድንጋጽ ኣይመርሕን እዩ።" ርሕራሐ መለለዪ ሃይማኖት ዘይኰነስ መለለዪ ሰብኣውነት እዩ። ደቅሰብ ሃይማኖቶም ብዘየገድስ ርሕሩሓት ክዀኑ ኢዮም ዝተጸውዑ።
እቲ ካህንን እቲ ሌዋውን ንዅላትና ወኪሎም ናብ ቤቶም ንኽምለሱ ተሃዊኾም ኢዮም ዝሓለፍዎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ጕዕዞኦም ቀዳምነት ከም ዚወሃቦ ዝኣምኑ ሰባት፣ ምእንቲ ካልኦት ደው ክብሉ ፍቓደኛታት ስለ ዘይኰኑ" እዚ ሃታሃታ እዚ ንዓና ውን ርሕሩሓት ንኸይንኸውን ክዓግተና ዝከኣል ኢዩ።
ርሕራሐ = ንሓደጋ ምግላጽ ኢዩ
ሓደ ሳምራዊ ጥራይ፣ ሓደ ብሕዝባዊ ባህሊ ዝተገለለ ሰብ፣ ነቲ ዝተጐድአ ሰብኣይ ንምሕጋዝ ደው በለ። እዚ ሳምራዊ ብሃይማኖታዊ ብቕዓቱ ዘይኰነስ "ኣብ ቅድሚ እቲ ሓገዙ ዘድልዮ ሰብ ደው ዝበለ ሰብ" ስለ ዝዀነ እዩ ዝሓገዞ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ርሕራሐ ብጭቡጥ ተግባራት ከም እትግለጽ ውን ኣጕልሑ፣ ከመይሲ ንሓደ ሰብ ንምሕጋዝ "ኣብ ርሑቕ ክትጸንሕ ኣይትኽእልን ኢኻ" ውን በሉ። ርሕሩሕ ምእንቲ ኽትከውን ኣብቲ ጕዳይ ኢድካ ብምእታው "ክትረስሕ ምናልባት እውን ንሓደጋ ክትቃላዕ" ድልው ክትከውን ኣሎካ።
እቲ ሳምራዊ ነቲ ዝተጐድአ ሰብኣይ ብኣካላዊ መዳይ ስለ ዝተኸናኸኖ ርሕራሐ ዜርኢ ኣብነት ኮነ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ብሓቂ ንሰብ ምሕጋዝ ክበሃል ከሎ ክብደት ናይ ካልእ ስቓይ ክስምዓካ ፍቓደኛ ምዃን ማለት ምዃኑ ውን ኣጕልሑ። ብሓቂ ኽንድንግጸሎም እንኽእል ንሕና ንባዕልና ዝቘሰልና ምዃንና ምስ እንፈልጥ ጥራይ ከም ምዃኑ ውን ገለጹ።