MAP

A mourner reacts besides the bodies of members of the Al-Arabeed family killed in Israeli strikes, at Al Shifa hospital, in Gaza City A mourner reacts besides the bodies of members of the Al-Arabeed family killed in Israeli strikes, at Al Shifa hospital, in Gaza City 

ር. ሊ. ጳ. ልዮን ኣብ ዩክረይን ሰላም ንኽሰፍን፣ ኣብ ቃዛ ውግእ ደው ንኽብል ጻውዒት ኣቕሪቦም

ኣብ መደምደምታ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነቲ ኣብ ዩክረይን ሰላም ንኽሰፍን ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ደጊሞም አሐደስዎ፣ ኣብ ቃዛ ውግእ ደው ከብልን ከምኡውን እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ሓራ ንኽወጹን፣ ንቘልዑ ህጻናትን ንምዕቋብ ድማ ሓድሽ ጻዕርታት ክግበር ጻውዒት ኣቕረቡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቃዛ ኵሎም እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሰባት ሓራ ንምውጻእን፣ ሰብኣዊ ሕጊ ምሉእ ብምሉእ ንምኽባርን፣ ሓያል ምሕጽንታ ኣመሓላሊፎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ "ካብ ገማግም ቃዛ ናብ ሰማይ ኣውያት እቶም ንሬሳታት ደቆም ንምግናዝ ዘይከኣሉ፣ ከምኡውን ሒደት ምግብን ማይን ድሕንነትን ዘለዎ መዕቈቢ ንምርካብ ብቐጻሊ ሃሰስ ዝብሉ ዘለዉ ኣዴታትን ኣቦታትን" ይስማዕ ኣሎ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘቕረብዎ ቃል ምሕጽንታ፣ ኣብቲ ኣብ ቃዛ ዝርከብ ናይ ረድኤት ቦታታት መግቢ ንምርካብ ዝተረኽቡ ዳርጋ 50 ዝዀኑ ሰባት ድሕሪ ምቝሳሎም ሓደ መዓልቲ ጸኒሖም፣ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክስቶስ ነዚ ምሕጽንታ እዚ ኣካፈሉ። ቅድሚ ኽልተ ሰሙን ሰራዊት እስራኤል በቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ወተሃደራት ፍልስጥኤም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ካብ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ኣትሒዞም፣ ኣብቲ ውግእ ዝቕጽለሉ ዘሎ ከባቢታት ዓብዪን ሓድሽን መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ክፍንዉ ይርከቡ ኣለዉ።

ካብ ቃዛ እተመዛበሉ ፍልስጤማውያን ኣብ ጥቃ ቃዛ አብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ኣብ ትሕቲ ቴንዳታት ኣጽሊሎም ይርከቡ
ካብ ቃዛ እተመዛበሉ ፍልስጤማውያን ኣብ ጥቃ ቃዛ አብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ኣብ ትሕቲ ቴንዳታት ኣጽሊሎም ይርከቡ   (MAHMOUD ISSA)

ኣብ ዩክረይን ሰላም ንኽሰፍን ዝቕረብዎ ምሕጽንታ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ሎሚ ረቡዕ፣ ኣብ ዩክረይን ሰላም ንኽሰፍን ጻውዒት ብምቕራብ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ሓሳባቶም ናብቶም "ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን መሰረታዊ ትሕተ ቅርጽን ዝወርድ ሓድሽን መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕን ምስ እተተንከፉ ህዝቢ ዩክረይን" ዘለዎም ቅርበት ገለጹ።

ኣብዚ ቐረባ መዓልትታት ሃገረ ዩክረይን ብቐዳምነት ንሲቭላዊ ዕላማ ዝዓለመ፣ ካብ ሩስያ ብዝፍኖ ብነፈርትን ሚሳይልን መጥቃዕቲ ወሪድዋ ይርከብ ኣሎ። ሃገረ ሩስያ ብ2022 ነታ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ካብ እትወርራ ንነጀው፣ ኣብ ከተማታት ዩክረይን ብነፈርቲ ዚፍኖ መጥቃዕቲ እቲ ዝዓበየ ሸፈነ ዘለዎ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።

ከተማ ኪይቭ ድሕሪ ደብዳብ ሩስያ
ከተማ ኪይቭ ድሕሪ ደብዳብ ሩስያ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘካፈልዎ ቃል ምሕጽንታ፣ ንዅሎም እቶም ግዳያት ብፍላይ ከኣ ንቘልዑን ንስድራ ቤታትን ዘለዎም ቅርበት ብምግላጽ፣ ኣብ ጸሎቶም ከም ዝዝክርዎም ቃል ኣተው፣ ነቲ "ውግእ ደው ንምባልን ንምዝርራብን፣ ንሰላምን ዝግበር ዝዀነ ይኹን ተበግሶ ንምድጋፍን" ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ውን ደጊሞም አሐደስዎ።

ንዅሎም ምእመናን ድማ "ኣብ ዩክረይን ሰላም ንኽሰፍንን ሰባት ብሰንኪ ውግእ ኣብ ዝሳቐዩሉ ዘበለ ምእንቲ ሰላም ንኽጽልዩን" ጻውዒት ኣቕረበሎም።

28 May 2025, 18:06