ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ምስ ምኽትል ርእሰ ብሔር ሕ.መ. ኣመሪካ ቫንስ ተራኺቦም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ንምኽትል ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጀምስ ደቪድ ቫንስ ዕለት 19 ግንቦት ንግሆ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ቤት ጽሕፈት ሓበሬታን ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒ፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ እውን ከም ዝሓበረ ኣፍሊጡ።
ምኽትል ርእሰ ብሔርን ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻእን ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ዕለት 18 ግንቦት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣግልግሎቶም ብወግዒ ንኸበገሱ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንሃገሮም ወኪሎም ከም እተሳተፉ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፡ ቫንስ ምስቶም ኣብ ኣመሪካ ዝተወልዱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ብሕታዊ ርክብ ድሕሪ ምክያዶም ምስ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን እውን ከም እተራኸቡ ኣፍሊጡ።
ምኽትል ርእሰ ብሔር ቫንስን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ናይ ቅድስቲ መንበር ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዘሎ ሰናይ ክልተኣዊ ዝምድና ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ እንከመላኽት፡ ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ቤተ ክርስቲያንን መንግስቲ ሕ.መ. ኣመሪካን ዘሎ ምትሕብባር፡ ምስ ሓያሎ “ምስ ዓቕለሲያዊ ሕይወትን ሃይማኖታዊ ናጽነትን ፍሉይ ኣገዳስነት ዘለዎም” ጉዳያት ኣማእኪሎም ከም እተመያየጡን፣ “ኣብ መወዳእታ ኣብ ገለ እዋናዊ ኣህጉራዊ ጉዳያት ሓሳብ ንሓሳብ ከም እተለዋወጡን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ሰብኣዊ ሕግን ኣህጉራዊ ሕግን ኣብ ጎንጺ ዝፍጠረሉ ከባቢታት ክኽበርን ኣብ መንጎ እቶም ዝምልከቶም ወገናት ኣብ ዘተ ዝተሰረተ ፍታሕ ክህሉን ዘተለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ” ኣረጋጊጹ።