ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ምስ ርእሰ ብሔር ኮሎምብያ ጉስታቮ ፔትሮ ተራኺቦም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ ንዝኣተው ንናይ ኮሎምቢያ ርእሰ ብሔር ጉስታቮ ፔትሮ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ምስ ናይ ሃገረ ኮሎምብያ ርእሰ ብሔር ጉስታቮ ፔትሮ ኡረጎ ዕለት 19 ግንቦት ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ግላዊ ርክብ ከም ዘካየዱ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ርእሰ ብሔር ጉስታቮ ፐትሪ ካብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ተሰናበቱ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ርክባት ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ከም እተራኸቡን፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ፡ "ኣብ መንጎ ቤተክርስትያንን መንግስትን ኮሎምቢያ ንመስርሕ ሰላምን ዕርቅን ዝድግፍ እወታውን ነባሪን ምትሕብባር" ከም ዝጎለሐን፡ ብተወሳኺ ኣብ ማሕበረ - ፖለቲካዊ ኩነታት ኮሎምብያ ምይይጥ ምክያዱን፣ ከምኡ እውን "ምስ ጸጥታን ስደትን ለውጢ ከባቢያዊ ኣየርን ዝተኣሳሰሩ ብድሆታት" ብፍላይ ኣቓልቦ ሂቦም ከም እተመያየጡ ኣፍሊጡ።
20 May 2025, 16:27