ር.ሊ.ጳ. ሊዮስ መበል 14 ኣብ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ፡ ዳግማይ ውግእ ኣይሃሉ!”
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ዕለት 11 ግንቦት ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ደሕሪ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፣ ቅድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘቕብዎ ዝነበረ ጻውዒት ሰላም ኣቃሊሖም።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኣብዚ ናይ ሎሚ መዓታዊ ዝኾነ እናተኾላለፈ ዝካየድ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ዝረኣየሉ ኩነታት” ምህላዊ ገሊጾም፣“ድሕሪ ደጊም ኲናት ኣይሃይሉ! ‘ እንክብሉ ዘቕረብዎ ዝነበረ ጻውዒት ሰላም አቃልሕ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣውያት ንዩክሬንን ቓዛን
ኣስዒቦም “ቅድሚ 80 ዓመት፡ ዕለት 8 ግንቦት ዝተዛዘመ ልዕሊ "60 ሚልዮን ሞት ዘስዓበን ዘስካሕክሕ ካልኣይ ኩናት ዓለም ዘጋጠመ ዘይተኣደነ መዓት" ዘኪሮም፣ ናብቲ ሎሚ ንዓለም ዘሳቕያ ዘሎ ዘመናዊ ውግኣት ኣቕኒዖም፣ "ስቓይ ናይቲ ፍቑር ህዝቢ ዩክሬን ኣብ ልበይ እዩ . . . ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ ሓቀይናን ፍትሓውን ነባሪን ሰላም ንምብጻሕ ኩሉ ጻዕሪ ክግበር" ተማሕጺኖም፣ "ኩሎም እሱራት ይፈትሑ፡ እቶም ናብ ሩሲያ ዝተወስዱ ሕጻናት ዩክሬይን ድማ ናብ ስድርኦም ይምለሱ" እንክብሉ ጻውዒት ምስ ኣቕረቡ፣ ናብቲ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ዕንወት ዘስዕብ ዘሎ ውግእ ኣቕኒዖም፣ "በቲ ኣብቲ ከባቢ ዝረኣይ ዘሎ ስቓይ ኣዚየ እሳቐ፣ እቲ ውግእ ብቕጽበት ደው ይበል፣ ነቲ ኣብ ከቢድ ጸገም ዝርከብ ሰላማዊ ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ክቐርብን ኩሎም ጅሆ ዝተታሕዙ ድማ ክፍትሑ እምሕጸን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ተስፋን ልባዊ ጻውዒትን
ብድሕሪ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ህንድን ፓኪስታንን ዝተበገሰ ግጭት ደው ንምባል ዝተበፍጽሐ ስምምዕ ብሓጎስ ተቐቢሎም፣ "ብዝቕጽል ዘተ፣ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ነባሪ ስምምዕ ክብጻሕ ከምዝኽእል እውን ተስፋ ከም ዘለዎም” ገሊጾም፣ ኣስዒቦም “ኣብ ዓለም ካልእ ብዝሕ ግጭታት” ምህላዉ ዘኪሮም፣ ኣብ መወዳእታ ነቲ “ልባዊ ጻውዒቶም" ማርያም ንግስቲ ሰላም "ንጎይታ ኢየሱስ ከተቕርቦን ናይ ሰላም ተኣምር ከተጸግወና" ነማላድነታ ሕድሪ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።