ር.ሊ.ጳ.፦ ኩሉ ዝተጠመቐ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ምልክት ተስፋ ክኸውን ዝተጸውዐ ምዃኑ ክስምዖ ይግባእ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ቅድስቲ መንበር ተፈላጥነት ዘለዎም ልኡካነ መንግስታት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ምስ ሓያሎ ካብ ኣፍሪቃ ዝመጹ ነጋዲያን ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዘሳተፈ ዘካየድዎ መዓልቲ ኢዮቤል፡ ዕለት 26 ግንቦት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ካርዲናል ኣረንዘ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም እተዛዘመን፣ ኣብ መዛዘሚ እቲ መበል 62 መዓልቲ ኣፍሪቃ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ብዘይ ዕላዊ መደብ ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ተረኺቦም ነቶም ልኡኻት ሰላምታ ብምቕራብ መተባብዒ ቃል ከም ለጊሶም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፣ ቅዱስ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. "ንኹላትና ዘነቓቕሕን ተስፋ ክንደሊ ዝዕድምን፡ ግን ከኣ ምልክት ተስፋ ክንከውን ዝጽውዓና እዩ" ምስ በሉ ኣስዒቦም፣
"ዅላትናን ነፍሲ ወከፍናን ዝተጠመቐ ሰብ ኵሉ ሎሚ ኣብ ዓለም ምልክት ተስፋ ክኸውን ብእግዚኣብሔር ዝተጸውዐ ኮይኑ ክስምዖ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ" ከም ዝበሉን፣ እምነት ንክርስትና ሓይሊ ከም ዝህብን፡ ሰንበት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ግዜ ንግደት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍን መዓልታዊን" ሕይወት እምነትና "ብርሃን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወትና ክንርእን እምነትና ክንነብርን ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ክንርዳእን የኽእለና ኢሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 እምነት "ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ክህበና ብዝኽእል ተስፋ ክንመልእ" የኽእለና። "ኩላትና ብሓባር ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ተጠርኒፍና ንኣምላኽና ከነመስግኖ፡ ኩሉ ዘለናን ኩሉ ዘለናዮን ህያብ ኣምላኽ ምዃኑ ክንፈልጥን፡ ነቶም ህያባት ድማ ኣብ ኣገልግሎት ካልኦት ከነቐምጦምን" ዝብል ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ ብድሕሪ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡካነ መንግስታት ሃገራት ኣፍሪቃን ካልኦት ኣፍሪቃውያን ነጋድያን ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ገዛእ ርእሶም እምነት ብምንባሮም ኣመስጊኖም።
እቶም ነጋዲያን ብናይ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ጉዳያት ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ልሂቅ ህየንተ ካርዲናል ፍራንሲስ ኣሪንዘ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፎርቱናቱስ ንዋቹክዉ፣ ናይ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ - ፍልጠትን ስነ ማሕበራዊ ዓቢይ ሓለቓ ካርዲናል ፒተር ቱርክሶን ዝተሰነዩ ከም ዝነበሩን ቅዱስ ኣቦና ኣብ መወዳእታ ነቶም ነጋድያን ንጸሎት ዓዲሞም፣ "ጎይታ ኢየሱስ የቐንየልና ስምካ ድማ ይምስገን" እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዛዚሞም ከም እተፋነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።