ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14፡ 'እምነትን ጸሎትን መኣዛ ህይወት እያቶም!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ሰራሕተይናታት ኩርያ ሮማናን ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቫቲካንን መዓልታዊ ህይወቶምን ኣገልግሎትምን ብእምነትን ጸሎትን ከመቅርዎ ተላብዮም፣ ነፍሲ ወከፍ ሰራሕተይና ቅድስቲ መንበርን ኩርያ ሮማና - ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ኣባይቲ ጽሕፈትን ቤት ምሕደራ ሃገረ ቫቲካንን ሰራሕተይናታት ብዕለታዊ ዕዮኦም ኣቢሎም ኣብ ዕዮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዝተሓባበሩ ኣገንዚቦም፣ "ነፍሲ ወከፎም መዓልታዊ ዕዮኦም ብተወፋይነት ብምፍጻም ኣበርክቶ ከም ዝገብሩን እዚ ድማ ብእምነትን ዝስነይ ክኸውን ከም ዘለዉ ኣመላኺቶም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ “ናብ ኵርያ ሮማና ዝመጻእኩ ብፍቕሪ እንዝክሮም ነፍሰ ሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ክልተ ዓመት ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ኮይነ ንኸገልግል ምስ ጸውዕውዑኒ እዩ፥ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ፔሩ ናይ ሰበኻ ቺክላዮ ጳጳስ ከም ዝነበሩን ካብታ ሰበኻ ናብ ሮማ ከም ዝመጹ እውን ከም ዘዘኻኸሩ ኣፍሊጡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳጳሳት ይመጹን ይኸዱን፣ ኵርያ ሮማና ግን ዝቕጽል እዩ
“እዚ ኹሉ ለውጢ እዚ ድማ፣ ስምኦን ጴጥሮስ ንየሱስ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጢቤርያዶስ፡ 'ጎይታይ ኩሉ ትፈልጥ ኢኻ፤ ከም ዘፍቅረካ ትፈልጥ ኢኻ” ከም ዝበሎ በዚ መንፈስ እዚ ዝነብርዎ ኣገልግሎት ድማ ምዃኑ ገሊጾም። "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ይመጹን ይኸዱን፤ እቲ ኩርያ ግን ዝቕጽል እዩ . . . እዚ እውን ንኹላትና ዝምልከት እዩ፣
"ኩርያ ታሪኻዊ ዝኽሪ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣገልግሎት ጳጳሳት ዝዕቅብን ዘመሓላልፍን ሓዋርያዊ ትካል ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን እዩ፡" እዚ ክስትውዓል ኣለዎ እንክብሉ ከም ዘተሓሳሰቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣
እቲ ትካል ህያው ባእታ ብምዃኑ ድማ፡ ናብ ሕሉፍ ዝቐንዐ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንህሉው ዝምግብን ንመጻኢ ዝመርሕን እዩ” እንክብሉ ኣረጋጊጾም፣ "ብዘይ ዝኽሪ መንገዲ ይጠፍኣካ፡ ጉዕዞኻ ድም ትርጉሙ ይስእን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ጎይታ ስለ ዝሃበና ጸዋዕታ ቀጻሊ ምስጋና
ኣብ ሮማዊ ኩርያ ምስራሕ ማለት ዝኽሪ ሓዋርያዊ መንበረ ጵጵስና ህያው ንኽኸውን ምሕጋዝ ማለት እዩ፣ ኣገልግሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዝበለጸ መንገዲ ምእንቲ ክፍጸም። ብተመሳሳሊ ድማ ብዛዕባ ኣገልግሎት መንግስቲ ከተማ ቫቲካን እውን ከምኡ ክበሃል ይከኣል . . ."ተመኩሮ ተልእኾ ወንጌል ኣካል ህይወተይ እዩ - ከምቲ ንኹሎም ክርስትያም ዝኸውን ከም ዝተጠመቐ ሰብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ከም ሓደ ኣባል ማሕበር ሰብ ውፉይ ህይወት ኣጎስጢኖሳውን፡ ኣብ ፔሩ ልኡኽ ወንጌል ስለ ዝነበርኩ። ኣብ መንጎ ህዝቢ ፔሩ እዩ እቲ ናይ ጉስነት ጸዋዕታይ ዝበሰለ - ቢሎም - "ንጐይታ ስለ እዚ ኩሉ ህያብ እዚ ፈጺመ ኣመስጊነ ኣይጸግቦን . . “ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እምነትን ጸሎትን መኣዛ ህይወት እያቶም
ኣብዚ ኣብ ሮማዊ ኩርያ ንቤተ ክርስቲያን ንምግልጋል ዝተቐበልዎ ጸዋዕታ ሓድሽ ተልእኾ ምዃኑ ገሊጾም፡ "እዚ ድማ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብምዃን ምሳኻትኩም ዝተኻፈልክዎ ኣገልግሎት እዩ ቢሎም። ሎሚ ድማ በቲ ዝተዋህበኒ ሓድሽ ጽዋዕታ ዝቕጽሎ ኣገልግሎት እዩ . . . "ዕለት 8 ግንቦት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይነ ምስ ተሓረኹ ኣብታ ዕለት እቲኣ ምሸት ካብ ማእከል ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይነ ከም ዝበልክዎ፣ 'ወትሩ ወንጌላዊትን፡ ዘራኽብ ድልድልን፡ ዘተ እትሃንጽ፡ ኩሉ ግዜ ንምቕባል ክፍትቲ ዝኾነት ቤተክርስትያን ክንከውን ኣሎና . . . ንኹሉ ሰብ ብኽፉት ኣእዳው - ንኹሉ ሓልዮትናን ቅርበትናን ህላወና፡ ዘተናን ዘድልዮ - ቢሎም - ጐይታ ነዚ ዕማም እዚ ንጴጥሮስን ተኸተልቱን ኣሕሊፉ ሂብዎም ኣሎ፡ "ኩላትኩም ድማ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ፡ ኣብዚ ዓቢ ስራሕ ተሓባበሩ። "ነፍሲ ወከፍኩም መዓልታዊ ዕዮኹም ብተወፋይነት ብምፍጻም ኣበርክቶ እትግበሩ ኢኻትኩም፣ እዚ ድማ ብእምነትን ብጸሎትን ዝፍጸም እዩ። ልክዕ ጨው ንመግቢ መኣዛ ከም ዝህቦ እምነት ጸሎትን ድማ ንህይወት የማእዝዎ . . . ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
መዓልታዊ ኩነታትና
"ኩላትና ኣብቲ ዓቢ ዕላማ ሓድነትን ፍቕርን ክንተሓባበር እንተኾይንና፡ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ካብ ሃዋህው ስራሕ ጀሚርና ኣብ መዓልታዊ ኩነታት ብዘለና ባህርያት ኣቢልና ክንተሓባበር ንጽዓር" ምስ በሉ፣ "ነፍሲ ወከፍና ኣብ ልዕሊ መሳርሕትና ብዘለና ኣረኣእያ ሃነጽቲ ሓድነት ክንከውን ንኽእል ኢና፣ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝመሃሩና ብትዕግስትን ብትሕትናን ንነብስና ኣብ ጫማ ካልኦት ብምእታው” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
በረኸት ብርኽቲ ኣደ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ንሰራሕተይናታት ቫቲካን ካብ ልቦም ብምምስጋን፣ ኣብዚ ንማርያም ዝተወከፍ ወርሒ ግንቦት፡ "ንድንግል ማርያም ብሓባር ክንጽውዕን፡ ንሳ ንሮማዊ ኩርያን ከተማ ቫቲካንን ሰራሕተይናታትን፡ ከምኡ'ውን ንስድራቤትኩም - ብፍላይ ድማ ንህጻናት፡ ንኣረጋውያንን ነቶም ዝሓመሙ ወይ ዝሳቐዩን ከተተባብዕን ክትባርኽን" ብሓባር ሰላም ለኪ ጸሎት ንድገም - ቢሎም - ድሕሪ እቲ ጸሎት ሓዋርያዊ ቡራኬ ከም ሂቦም ከም እተፋነዉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።