MAP

2025.05.22 Partecipanti all'Assemblea Generale delle Pontificie Opere Missionarie 2025.05.22 Partecipanti all'Assemblea Generale delle Pontificie Opere Missionarie  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14 ፦ 'ክርስቶስ መድሓኒና እዩ፣ ብእኡ ኸኣ ሓደ ስድራ ቤት ኢና'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ኣገዳሲ ዓለምለኻዊ ጻዕርታት ናይ ጳጳሳዊ ማሕበር ተልእኾ ዘለዎ ምስጋና ገሊጾም፣ እዚ ጻዕርታት እዚ ኣብ መንጎ ዅሎም እቶም እተጠምቁ ዝካየድ ተልእኾን ሓላፍነት ንምንቕቓሕን ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን ገና ኣብ ብጽሕና ዘይበጽሓትሉ ቦታታት ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ንምድጋፍን ዘኽእል 'ቐንዲ መገዲ' ምዃኑ ድማ ኣድናቖቶም ገለጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሓሙስ ንግሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓፈሻዊ ጉባኤ ጳጳሳዊ ማሕበራት ተልእኾ ኣብ እተኻየደሉ ከምዚ ዝስዕብ ክብሉ ሓሳባቶም ኣካፈሉል፦

"ሎሚ ልክዕ ከምቲ ድሕሪ ጴንጠቆስጠ ኣብ ዝነበረ መዓልትታት እታ ብመንፈስ ቅዱስ እትምራሕ ዝነበረት ቤተ-ክርስትያን ስም ኢየሱስ ኣብ እትእውጀሉ ዝነበረት እዋን ከምኡውን ኣብቲ ዘድሕን ሓቂ ወንጌል ካብ እምነት እተወልደ ድሕነት ክትሰብኽ ከላ ብእምነትን ብሓጐስን ብትብዓትን ኣብ ታሪኽ ጕዕዞኣ ክትቕጽል ትርከብ ኣላ። ጳጳሳዊ ማሕበር ተልኾ ኣገዳሲ ኣካል ናይዚ ጕዕዞ ብምዃን ዓብዪ ጻዕሪ ኢዩ ዝገብር ዘሎ።"

ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም ድማ ከምዚ በሉ - "ንሃገራዊ ኣወሃሃዲ ኣብቲ ልኡካነ ወንጌል ዝሰርሑሉ ዘለዉ ቦታ ንምትሕብባርን ነቲ ናይ ተልእኾ መንፈስ ኣብቲ ከባቢ ህያው ንምግባርን ዝገብርዎ ዕዮ ብምጥቃስ፣ ንምእመናን መሰረታዊ ኣገዳስነት ናይቲ ተልእኾኦም ኣፍልጦ ንኽህቡሉ ከምኡውን ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን ጌና ኣብ ጅማሬ እትርከበሉ ዘላ ቦታታት ንዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንኽድግፉን በዚ መገዲ እዚ ክሕግዝዎምን እሓቶም ኣለኹ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ተጋባእቲ ጳጳሳዊ ማሕበር ተልኾ ወንጌል
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ተጋባእቲ ጳጳሳዊ ማሕበር ተልኾ ወንጌል   (@Vatican Media)

ቅዱስነቶም ነቲ ከም ልኡኽ ወንጌል ዀይኖም ዘሕለፍዎ ግዜ ብምዝካር፣ ነቶም ልዕሊ 120 ሃገራት ዚውክሉ ልኡካነ ወንጌል ስለቲ ኣብ መላእ ዓለም ንቤተ-ክርስትያን ብምግልጋል ዝገብርዎ ዝለዉ ተበግሶታት ነኣድዎ።

'ብብሕተይ ክምስክር እኽእል እየ'

"መጀመርታ ንዓኻትኩምን ንብጾትኩምን ስለቲ ንዕዮ ወንጌላውነት ቤተ-ክርስትያን ኣድላዪ ዝዀነ ወፈያኹም ዘሎኒ ምስጋና ብምግላጽ ኢየ ክጅምሮ ዝደሊ፣ ከመይሲ ካብቲ ኣብ ፔሩ ዘሕለፍክዎ ዓመታት ጕስነት ክምስክር እኽእል ኢየ።"

"ማሕበር ተልእኾ ወንጌል ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን ጌና ኣብ ጅማሬ እትርከበሉ ዘላ ከባቢ ንዝርከቡ ዅሎም እተጠምቁ ምእመናን ናይ ተልእኾ ወንጌላውነት ሓላፍነት ከም ዝበራበሩን ከም ዝድግፉን ምግባር ውጽኢታዊ ኢዩ" ውን በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ተጋባእቲ ህያብ እንክቕበሉ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ተጋባእቲ ህያብ እንክቕበሉ   (@Vatican Media)

ኣብዚ ውዳቤ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ማሕበር ተለኾ ስብከተ ወንጌል ኣቓልቦ ኸም ዝስሕብ እውን ገበሩ፣ እዚ ማሕበር እዚ ኸኣ "ነቲ ናይ ጕስነትን መምሃራንን ውጥናት ሓደስቲ ኣብያተ-ክርስትያን ምህናጽ፣ ኣብ ተልኾ ወንጌላውነትን ክንክን ጥዕናን ትምህርታዊ ኣገልግሎታትን" ከምኡውን እቲ ንቘልዑን ህጻናትን መሰረታዊ ኣድላይነታቶምን ውሕስነቶምን ኣብ ምክንኻን፣ ክርስትና ናይ ምስፍሕፋሕ ውጥናት ዝድግፍ ማሕበር ቅዱስ ህጻንነት ጐይታን ኢዩ።

ብተመሳሳሊ መንገዲ ማሕበር ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያ "ንጸዋዕታ ናይ ልኡካነ ወንጌል ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ንምምዕባል ክሕግዝ" ከምኡውን ማሕበር ልኡካነ ወንጌል "ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወት ሰብኡትን ኣንስትን ከምኡውን ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ ንዕዮ ተልእኾ ወንጌል ናይ ቤተ-ክርስትያን ክዓዩ ከም ዝቘመ" ጠቐሱ።

ዓለምና መልእኽቲ ወንጌል ፍቕሪ ኣምላኽ ክትሰምዕ የድልያ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ሓዋርያዊ ቅንኣት ምድንፋዕ "ከምቲ ብካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እተሓስበ ኣገዳሲ መዳያት ተሓድሶ ቤተ-ክርስትያን ኰይኑ ኣሎ፣ ኣብዚ ግዜና ድማ ዝያዳ ህጹጽ ኩነታት ኰይኑ ይርከብ ኣሎ" ብምባል ውን ኣጕልሑ።

"እዛ ብውግእን ብዓመጽን ምጕዳል ፍትሕን ዝቘሰለት ዓለምና፣ ነቲ ወንጌል ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽ ዚገልጾ መልእኽቲ ኽትሰምዕን፣ ጸጋ ክርስቶስ ዘለዎ ናይ ዕርቂ ሓይልን ከተስተማቕሮ የድልያ ኣሎ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንጳጳሳዊ ማሕበር ተልእኾ ተቐቢሎም ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንጳጳሳዊ ማሕበር ተልእኾ ተቐቢሎም ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን   (@Vatican Media)

በዚ መዳይ እዚ ቤተ - ክርስትያን "ንዓለም ኣእዳዋ ክትዝርግሕን ቃል ኣምላኽ ክትሰብኽን ልእኽቲ ቤተ - ክርስትያን" ተባሂላ ተጸዊዓ ኣላ ። ንደቂ ሰብ ከኣ ናይ ስኒትን ሓድነትን ማይ ብሑቝ ክትከውን ኣለዋ" ክብሉ ተላበዉ።

ንክርስቶስ ናብ ኵሎም ሰባት ምብጻሕ ህጹጽ ኩነታት ኢዩ

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከምዚ በሉ - "ንዅሎም ህዝብታት አረ እኳ ደኣ ንዅሉ ፍጥነት፣ ነቲ ወንጌል ዝህቦ ተስፋ ናይ ሓቀይናን ነባርን ሰላም ከነብጽሓሎም ኣሎና፣ ከመይሲ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝበልዎ "ጐይታ 'ብናይ መስቀሉ ደም ሰላም ብምግባር' ንዓለምን ነቲ ዘየቋርጽ ግጭታታን ስዒርዎም ኢዩ።"

ስለዚ ድማ "ኣብ ኵሎም እተጠምቁ ዘበሉ ምእመናን መንፈስ ደቀ መዛሙርቲ ንምስራጽ ንክርስቶስ ናብ ኵሎም ሰባት ንኸብጽሑ ንድርኽን ኣሎና" ብምባል ሓሳባቶም ኣካፈሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ተጋባእትን ንመሻርኽቶምን ኣብታ ኻብ ካልአይቲ ኽሳዕ መወዳእታ ሰንበት ናይ ጥቅምቲ እትርከብ ሰንበት ልኡካነ ወንጌል ዓለም ንምድንፋዕ ኣብ ዓዓመት ዝገበርዎ ጻዕሪ ዘለዎም ምጋና ገለጸሎም፣ እዚ ድማ ነተን ኣብ ትሕቲ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን ንምሕታት ኣብ ዝገበርክዎ ጻዕሪ ብዙሕ ሓጊዙኒ ኢዩ" ክብሉ ውን ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ተጋባእቲ ጳጵሳዊ ማሕበር ተልኾ ወንጌል
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ተጋባእቲ ጳጵሳዊ ማሕበር ተልኾ ወንጌል   (@Vatican Media)

ኣብ ክርስቶስ ኩልና ሓደ ስድራ ቤት ኣምላኽ ኢና!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ዝካፈልዎም ሓሳባት ቅድሚ ምዝዛሞም፣ ብዛዕባ ኽልተ ፍሉይ መዳያት መንነት ሕብረተሰባት ማለት ብዛዕባ ሓድነትን ኣድማሳውነትን ከስተንትኑ መረጹ።

"ከምቲ እዞም ማሕበራት ኣብቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን፣ ጉባኤ ጳጳሳት ተልእኾ ወንጌላዊ ኣገልግሎት  ንምክፋል ቈራጽነት ዝገበረ ኣብ ውሽጢ ኣባላትኩም ነቲ ቤተ-ክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ ህያው ዝዀነትሉ ፍጹም ሕብረትን ስኒትን፣ ናይ ቅድስቲ ስላሴ ንኽንነብር ዘኽእለና ናይ ማሕበር ኣመንቲ ኣተሓሳስባ ኸተማዕብሉንን ከተደንፍዑን ተጸዊዕኩም ኢኹም" በሉ።

ብሓቂ ድማ "ኵሉ ነገር ኣብ ስላሴ እዩ ሓድነት ዚረክብ" ብምባል መስከሩሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን በዚ ኣተሓሳስባ እዚ ከምዚ በሉ - "እዚ ስፍሓት ክርስትያናዊ ህይወትናን ተልእኾናን ኣብ ልበይ ኢዩ ዘሎ፣ ከምቲ ኣብ ቃላት ሰይንት ኦጐስጢኖስ ተገሊጹ ዘሎ ከኣ ጭርሖ ናይ ዘመነ ኣገልግሎት ጵጵስናይ ክኸውን መሪጸዪ ኣሎኹ - ኣብኡ ኩልና ሓደ ኢና ። ክርስቶስ መድሓኒና እዩ፣ ንሕና ኸኣ ካብ እተፈላለየ ቛንቋታትን ባህልታትን ተመክሮን ወጻኢ ዝኹኑ ሓደ ስድራ ቤት ኣምላኽ ኢና።"

ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ምፍላጥ ዚርከብ ሃብቲ

እቲ ቅዱስ ኣቦ ከም ዝገለጽዎ ነቲ ከም ኣባላት ኣካል ክርስቶስ መጠን ዘሎና ርክብን ዘሎና ሞሳን ብባህርያዊ መገዲ "ነቲ ናይ ቤተ - ክርስትያን ተልእኾ ወንጌላውነት ኣብ ኣድማሳዊ ስፍሓት ይኸፍተልና ኢዩ" ከምኡውን "ነቲ ሓለፍ ዝበለ ሃብቲ ፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍ ህዝብን ዓሌትን ንምክፋል ቍምስናታትና ሰበኻታትናን ሃገራትናን ጸቢብ ዝኾነ ቦታ ሰጊርና ብምኻድ ንስብከተ ወንጌል የለዓዕለና ። "

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እዛ ቅድስቲ ዓመት ኢዮቤል ንዅላትና "ናይ ተስፋ ነጋድያን" ክንከውን ብድሆ ኸም እተቕርበልና ብምዝኽኻር ደምደሙ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቶም ገጋሳት መወልቶምን "ኣገዳሲ ዕዮኦምን" ናብ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቅድሚ ምውፋይ "ኣብ መንጎ ዅሎም ህዝብታት ተልእኾ ወንጌላ ተስፋ" ኪዀኑ ኣተባብዕዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ተጋባእቲ ክፋነውዎም ከለዉ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ተጋባእቲ ክፋነውዎም ከለዉ   (@Vatican Media)
23 May 2025, 13:14