MAP

2025.05.17 ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ንጳጳሳዊ ማሕበር ምእተ ዓመት፣ 'ንድኻታት ድምጺ ሃቡ!' 2025.05.17 ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ንጳጳሳዊ ማሕበር ምእተ ዓመት፣ 'ንድኻታት ድምጺ ሃቡ!'  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ንጳጳሳዊ ማሕበር ምእተ ዓመት፣ 'ንድኻታት ድምጺ ሃቡ!'

ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ዕለት 17 ግንቦት ኣብ ሃገረ ቫቲካን “ንጳጳሳዊ ማሕበር ምእተ ዓመት” ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፣ እቲ ማሕበር ንማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ምስ “ህዝቢ ኣምላኽ፡ ኣብዚ ዓቢ ማሕበራዊ ናዕቢ ዝረኣየሉ እዋን፣ ብትኩር ምስማዕን ንኹሉ ብክፉት ዘተን” ንማሕበራዊ ትምህርቲ ዘማዕብል ክኸውን የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ጳጳሳዊ ማሕበር ምእተ ዓመት ካብ ዕለት 15 - 17 ግንቦት 2025 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ድሕሪ ዘካየዶ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ መዛዘሚ፣ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14  ኣብ  ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፣

እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ፣“ምብዳህ ውልትውናን (ቀጽራውነት) ዳግመ ህንጸት ዓለማዊ ምሕደራን፡ ስነ -ምግባራዊ መሰረታት” ብዝብል ርእስቲ ዝተመርሐ ምንባሩ ብምዝኽኻር፣ እዚ ኣርእስቲ ድማ ምስ ሕመረት ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ምትእስሳር ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ዘተ ድልድላት ምህናጽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14፣ ንኣባላት እቲ ማሕበር ምእተ ዓመት፣  ኣብታ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ዝተሓረዩላ ምሸት ዕለት 8 ግንቦት 2025 ዓ.ም. ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዝበልዎ፣ በገባብ ዘተን ሰላምን ናይ መራኸቢ ድልድም ብምህናጽ ንዅሎም ኣህዛብ ናብ ሓደ ህዝቢ ንምምጻእ ወትሩ ክዓዩ ተላብዮም፣ "እዚ ብሃንደበት ዝግበር ወይ ዝመጽእ ለውጢ  ዘይኰነስ፣ ናይ ክብርን ናጽነት ጥመረት ዝሓትት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እዋን ብዝሓ-ቅልውላው

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘስምዕዎ መደረ፣ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 13 ዘኪሮም፣ ኣብቲ ዝነበሩሉ ግዜ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ "ማሕበራዊ ዘተ ብምድንፋዕ ንሰላም ኣበርክቶ ኽገብሩ" ከም ዝደለዩ ኣነጺሮም፣ ዘሎናሉ ግዜ እውን ካብቲ ግዜ እቲ ዝተፈልየ ኸም ዘይኰነ ገሊጾም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እውን እዚ ግዜና እዚ ውግእ ቅልውላው ከባቢያዊ ኣየር እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ዘይማዕርነት በስገዳድ ዘጋጥም ጸኣት ስደት ከምኡውን ምግሃስ መሰላት ዝመልኦ ምዃኑ ብምሕባር፣ ነዚ እውን "እዋን ብዙሕ ቅልውላው" እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ እውን ኣመላኺቶም፣ ኣብ መንጎ እዚ ሰብኣውን ኣከባብያውን ማሕበራውን ብድሆታት እዚ ማሕበራዊ ሰረተ - እምነት ቤተ - ክርስትያን "ስነ - ፍልጠትን ሕልናን ናብ ዘተ ዘእቱ ናይ ትርጕም መፍትሕ ዘቕርብ ኢዩ" ምስ በሉ፣ ቅዱስነቶም ንኣባላት እቲ ትካል ብዛዕባ ጸገማት ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ ሰባት ዝህብዎ ምላሽ ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ ሎሚ ዓለም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣብ መልእኽቶም፣ ኣብዚ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ስነ ኣሃዛዊ ሰውራ “ብሃያሲ ኣተሓሳስባ ናይ ምምሃር ተልእኾ ዳግማይ ምርካብን ምግላጽን ምዅስኳስን” ከምዘድሊ ኣስሚሮም፣ ዘተ ክጎድል ዘይምፍቃድን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ሃምነናዊ መግለጽታትን ዘስፍሕ ዘይርትዓዊ ድምጺ ኸይንሰምዕ ኣጠንቂቖም፣ ነዚ ንምግባር፡ “መጽናዕትን ሃናጺ ኣስተንትኖን፣ ከምኡውን ምስ ድኻታት ምርኻብን ምስማዕን ኣገዳሲ እዩ” ከም ዝበሉ ዚሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ድኻታት “መብዛሕትኡ ግዜ ዝንጸጉን ዕሽሽ ዝበህሉን፡ ንዓለም ብዓይኒ ኣምላኽ ንምርኣይ ወሳኒ” ዝኾነ ኣረኣእያታት ስለዘቕርቡ፣ ንቤተክርስትያንን ንሰብኣውነትን ሃብቲ ምዃኖም ብኣጽንዖት ኣተሓሳሲቦም፣ “ንድኻታት ድምጺ ሃቡ - ድምጺ ድኻታት ኩኑ” እንክብሉ ኣስሚሮም፣ ጳጳሳዊ ማሕበር ምእተ ዓመት፣ ምስ “ህዝቢ ኣምላኽ፡ ኣብዚ ዓቢ ማሕበራዊ ናዕቢ ዝረኣየሉ እዋን፡ ብትኩር ምስማዕን ንኹሉ ክፉት ብዝኾነ ዘተን” ብምትሕብባር ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምምዕባል ክሕግዝ “ብንጥፈትን መሃዝነትን ክሳተፍ” ዓዲሞም ዘስምዕዎ መደረ ከም ዛዘሙ ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ንጳጳሳዊ ማሕበር ምእተ ዓመት፣ 'ንድኻታት ድምጺ ሃቡ!'
17 May 2025, 16:38