እናቴ መርለት ጸሓፊት ላዕለዋይ ቤትሕፈት ቅድስቲ መንበር ንሰብ ውፉይ ሕይወት ክኾና ተመዛ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንኽብርቲ እናቴ ቲዝያና መርለት ንጠቕላሌት ሓለቓ ማሕበር ደናግል ድኻታት ኣሓት ፍራንቸስካውያን ዝነበራ፣ ዋና ጸሓፊት ናይቲ ብዛዕባ ሰብ ውፉይ ሕይወት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ሾምወን።
እዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ገዳማትን ዝከታተል ሓደ ክፋላ ናይ ኩርያ ሮማና ኢዩ።
ኣብ ትሕቲ እተን ኣብ ወርሒ ጥሪ ነዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ክመርሓ እተመዛ ክብርቲ እናቴ ሲሞና ብራምቢላ ኮይነን ከም ዋና ጸሓፊት ናይዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ኮይነን ድማ ከገልግላ ኢየን።
ካብ 2023 ክሳዕ 2025 ክብርቲ እናቴ ብራምቢላ ጸሓፊ ናይዚ ሕጂ ክብርቲ እናቴ መርለት እሓርያሉ መዝነት ናይዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ከገልግላ ጸንሓ።
ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀል ፈርናንደዝ ኣርቲም ምኽትል ህየንተ ናይዚ ብዛዕባ ጉዳያት ሰብ ውፉይ ሕይወት ዝኸታተል ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኮይኖም የገልግሉ ኣለዉ።
ታሪኽ ህይወት
ክብርቲ እናቴ ቲዝያና መርለት ብዕለት 30 መስከረም 1959 ኣብታ ኣብ ማእከላይ ኢጣልያ እትርከብ ፒኔቶ እትበሃል ከተማ ተወልዳ። ብ1986 ዓ.ም. ናብ ማሕበር ደናግል ድኻታት ኣሓት ፍራንቸስካውያን ብመታው ድማ ናይ መጀመርታ መብጽዓ ፈጸማ። ብ1984 ዓ.ም. ብሕጊ ቀዳማይ መዓርግ ተቐበላ፣ ብ1992 ዓ.ም. ከኣ ካብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ላተራን ብሕገ ቀኖና ናይ ሊቅነት መዓርግ ረከባ።
ካብ 2004 ክሳዕ 2013 ጠቕላሊት ሓለቓ ማሕበረን ኰይነን ኣገልገላ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኣንቶንያኑም ፕሮፌሰር ኰይነን ከገልግላ ብምጽናሕ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ሕብረት ላዕለዎት ጠበቓ ሕገ ቀኖና ቀኖና ዀይነን ከገልግላ ውን ጸንሓ ።
ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘገልግላ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ
ክብርቲ እናቴ መርለቲ ንክብርቲ እናቴ ኣሌሳንድራ ስመሪሊ ኣብቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምሉእ ሰብኣዊ ዕቤት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ኣብ ውሽጢ ኩርያ ሮማ ከም ዋና ጸሓፊት ኮይነትን ዘገልግላ ዘለዋ ስዒበን ሰልሰይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ምሕደራ ዘከባ ዘለዋ ኢየን።
ኣብቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ ቅዋም ስብኩ ወንጌለ፣ ምእመናን እንተላይ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ቕድሚ ሕጂ ንካርዲናላትን ሊቀ-ጳጳሳትን ጥራይ ተሓዚኡ ዝነበረ ግደ መሪሖም ኣመሓደርቲ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም ዝብል ተበግሶ ኣብ ግብሪ ዘውዕል ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብሚእታዊት ክርአ እንከሎ ኣብ ቅድስቲ መንበር ኣብ ምሕደራ ሃገረ ቫቲካንን ዘገልግላ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ካብ 19.2% ናብ 23.4% ደዪቡ ይርከብ ኣሎ ።