ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14፦ 'እዚ ዘሎኒን ነቲ ኣነ ዝኾንክዎን ሒደት አወፍየልኩም ኣሎኹ'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
“ንድምጺ ኻልኦትን ልዕሊ ዅሉ ድማ ንድምጺ ኣምላኽ ክንሰምዕ ኣሎና ።” ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
እዚ ሓሳብ እዚ ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራን፣ ካቴድራል ጳጳስ ሮማ ትማሊ ሰንበት ምሸት ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ሓሳብ ኢዩ ዝነበረ።
ቅዱስ ኣቦና ናብ ካቴድራል ሰበኻ ሮሜ ቕድሚ ምኻዶም፣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ከተማ ሮማ ብምልጋስ፣ ኣብኡ ብከንቲባ ከተማ ሮማ ሮበርቶ ጉልተሪ ሥርዓተ ተቕባልን ሰላምታን ቀረበሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኽቡር ከንቲባን ነቶም ኣብኡ እተረኽቡ ሰበ-ስልጣንን ስለቲ ዝገበሩሎም ምዉቕ ተቕባል ኣመስገንዎም፣ "ከተማ ሮማ ወትሩ በቲ ካብ ወንጌል ህይወት ዝህብ ደም ዝቐድሑ ሰብኣውነትን ሥልጣኔን ወትሩ ክትልለ ኢያ" ዝብል ተስፋ ድማ ገለጹ።
ኣብ መጀመርታ እቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ላተራን ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ንካርዲናላትን ጳጳሳትን፣ ነቶም "ፍቑራት ካህናትን" ከምኡውን ነቶም ፍቑራን እሙናን ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ፣ "ሮማ ወራሲት ናይቲ ጴጥሮስን ጳውሎስን ከምኡ ውን ማእለያ ዘይብሎም ሰማእታትን ዝመስከርዎ ዓብዪ ታሪኽ እያ፣ በቲ ኣብ ገጽ እዛ ካተድራል እዚኣ እተጻሕፈ ምሉእ ብምሉእ እተገልጸ ድማ ፍሉይ ተልእኾ ኣለዋ፦ እዛ ኣደ ዅለን ኣብያተ-ክርስትያን ዝዀነት ማተር ኦምኒዩም ኤክለስያሩም ክትከውን ክኢላ ኢያ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ብዛዕባ ስፍሓት ኣደነት ቤተ ክርስትያንን ብዛዕባ እቲ መለለዪ ባህርያታ ዝኾነ ማለት ብዛዕባ ለውሃትን ድልውነታ ንመስዋእቲ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ንኽንሕግዝ ዜኽእለና ጥራይ ዘይኰነስ መብዛሕትኡ ግዜ ቕድሚ ምግላጹ ዜድልየናን ዝጽበየናን ነገራት ክንሓስብ ይዕድሙና ነበሩ።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ኣስዒቦም "እዚ ባህርያት እዚ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኣምላኽን፣ ኣብዛ ዓባይ ስድራ ቤት ሰበኻናን ማለት ኣብ መንጎ እሙናንን ካህናትን ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብ ውሽጠይ ኪዓቢ ተስፋ እገብር " ክብሉ ውን ኣረጋገጹ ።
ድምጺ ኣምላኽ ምስማዕ
ቅዱስ ኣቦና ካብቲ እቶም ቀዳሞት ክርስትያን ንወንጌል ንምእዋጅ፣ ነታ ኣረማዊት ዓለም ናይ ምኽፋት ብድሆ ብኸመይ ከም ዘጋጠሞም ዝገልጽ፣ ካብ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ተበጊሶም "ኣብ ብምሉኡ እዚ መስርሕ ወንጌላውነት፣ እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ምስማዕ ድምጺ ኣምላኽ ከም ምዃኑ ኣጕልሑ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ልዕሊ ዅሉ 'ኣብ ብርኪ' ማለት ኣብ ጸሎትን ንስሓን ኣብ ዝገበርናዮ ቘራጽነትን ከም ዚህነጽ የዘኻክረና" ክብሉ ውን መስከሩ።
"በዚ መሰረት እዚ ጥራይ እዩ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ድምጺ እቲ 'ኣባ ኣቦ' ኢሉ ዚጭድር መንፈስ ኣብ ውሽጡ ኺስምዕ ዚኽእል፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ንኻልኦት ከም ኣሕዋቱን ኣሓቱን ገይሩ ዚሰምዖምን ክርድኦምን ዝኽዕል።"
ብመንፈስ ምምራሕ
ቅዱስ ኣቦ ወሲኾም ከምዚ በሉ - "ወንጌል ኣብ ናይ ህይወት ውሳነታት በይንና ከም ዘይኰንና ብምንጋር እውን ነዚ መልእኽቲ እዚ የጽኖዖን የረጋግጾን ኢዩ” በሉ።
መንፈስ ቅዱስ ይድግፈናን 'ብምምሃርን' ብዛዕባ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበሎ ኩሉ 'ብምዝኽኻርን' ክንስዕቦ ዘሎና መገዲ የርእየና ኢዩ።
ቅድሚ ዅሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ መንፈስ ቅዱስ ንቃላት ጐይታ ኣብ ውሽጥና ኣዕሚቝና ብምቕራጽ ኢዩ ዝምህረና፣ እዚ ድማ ብመሰረት እቲ ኣብ ጽላት እምኒ እተጻሕፈ ናይ ሕጊ ምስሊ ዘይኰነስ ኣብ ልብና ኢዩ ዝገብሮ ።
"ብሓቂ ድማ ኸምዚ ኢዩ - ንወንጌል ክንእውጅ ዝያዳ ክእለት ኣሎና፣ ሓይሊ መንፈስ ብውሽጥና ንኸጽርየና፣ ንቓላትና ተራን ቅኑዕን ንኽገብሮ፣ ንባህግታትና ሓቀይናን ንጹህን፣ ከምኡውን ንተግባራትና ለጋስ ንኽገብሮ ብምፍቃድ፣ ብእኡ ንኽንስዓርን ንኽንልወጥን ዝያዳ ክእለት ኣሎና።"
እታ ኻልአይቲ ግሲ ኸኣ "ንምዝኽኻር "፣ ቅዱስ ኣቦና ከም ዝገለጽዎ ብኻልእ ኣበሃህላ ኣቓልቦ ልቢ ናብቲ ሕጂ እንነብረሉን እተመሃርናዮን ንምግባር ብዝያዳ ናብ ትርጕሙ ንምእታውን ብጽባቐኡ ንምሕጓስን እዩ" ክብሉ ውን ስብከቶም ዛዘሙ።