MAP

2025.05.21 Udienza Generale

ር. ሊ. ጳ. ልዮን፦ 'ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከይዘከርና ኽንዛዝም ኣይንኽእልን ኢና'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ቕድሚ ሓደ ወርሒ ናብ ዘማያዊ ቤት እተሳገሩ በዓል ጥዑም ዝኽሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ “ከይዘከርናዮም ነዚ ጉባኤና እዚ ኽንዛዝም ኣይንኽእልን ኢና" ብምባል ተዘክሮኦም ገለጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 በዘን ቃላት እዚኣተን ኣቢሎም፣ ነቶም ኣብ ሰኑይ በዓለ ትንሳኤ ብዕለት 21 ሚያዝያ 2025፣ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝዓረፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብፍሉይ ዘኪሮም።

እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እተዛረብዎ ቃላት ኣብ መደምደምታ ናይቲ ሎሚ ዕለት 21 ግንቦት 2025 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ናይ ፈለማ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዩ ዝነበረ።

ነቶም ዝሓለፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምዝካር

እቶም ዝሓለፉ በዓል ጥዑም ዝኽሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ካብ ዝሞሩ ሓደ ወርሒ ኮይኑ ኣሎ፣ ሎሚ ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ኣብቲ ቦታ ዕረፍቶም ክኸውን ዝመረጽዎ ብዚሊካ ፍሉይ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክዓርግ እዩ።

ኣብ ርእሲ እዚውን ሎሚ ንግሆ ኣብታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝነብሩላ ዝነበሩ ቤተ ኣጋይሽ ቅድስቲ ማርታ ብካርዲናል ኮንራድ ክራጀቭስኪ ዝተመርሐ ምዕንቲ ዕረፍቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣሪጉ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ደድሕሪ ድሕሪ ሲመቶም ናብታ ብሸነኽ ደቡብ ሮሜ እትርከብ ቤተ-መቕደስ ኣጉስቲንያ ምስ በጽሑ ናብ ሃገረ ቫቲካን ቅድሚ ምምላሶም ኣብ ቅድሚ መቓብር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንምጽላይ ብባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ኣቢሎም ከም ዝሓለፉ ዝዝከር ኢዩ።

እቲ ቅዱስ ኣቦና ልዮን መበል 14 ሎሚ ኣብ ዝመሓላለፍዎ ቃል ምሕጽንታን ሰላምታን፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብ ማእከላይ ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ሰንበት በዓል ትንሳኤ ንኸተማ ሮማን ንዓለምን ብኸመይ ከም ዝባረኹ ውን ኣብ ዕለተ ሕርየቶም ውን ዘኪሮም ኢዮም።

ንሰብ ውፉይ ሕይወትን ስድራ ቤታትን መንእሰያትን ብሓጐስን ፈረ ብምፍራይን ንእምነቶም ክነብርዎ ኣተባብዑ

ኣብ መደምደምታ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ኢጣልያውያን ነጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕን እንተላይ ንካህናት "ተባዓት ሰበኽቲ ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ኪዀኑን፣ ህይወቶም ኣብ ኢየሱስ ኣብቲ ጽኑዕ ከውሒ ዝኾነ ቓሉ ኪሃንጹ" ተማሕጸንዎም።

"ተባዓት ሰበኽቲ ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ኽትኰኑ፣ ንህይወትኩም ኣብ ኢየሱስን ኣብቲ ጽኑዕ ከውሒ ዝኾነ ቓሉን ህነጹ።"

ብተመሳሳሊ ቅዱስ ኣቦና ንሰብ ውፉይ ሕየት ኣሕዋትን ኣሓትን "ፍቑራት ኣሕዋት ጐይታ ንመብጽዓኹም ፈርያም ምእንቲ ክገብሮ ብጸሎተይ አሰንየኩም ኣለኹ" ብምባል ኣተባብዕዎም።

"ፍቑራት ኣሓት ጐይታ ነቲ ዝኣተኹምዎ መብጽዓ ምእንቲ ኼፍርዮ ኣብ ጸሎተይ እዝክረኩም ኣሎኹ"።

ኣብ ርእሲ እዚ ውን ምእመናን "ንወንጌል ብተኣማንነት ክስዕብዎ ኣብ ስድራቤቶምን ኣብ ካልእ ቦታታትን እሙናት ክርስትያን ክዀኑ" ብምትብባዕ ቃል ምሕጽንታ ኣቕረቡሎም።

ኣብ መወዳእታ ድማ "ነፍሲ ወከፎም ንኣምላኽ ወትሩ ብሓጐስ ኬገልግልዎን ንብጻዮም ብመንፈስ ወንጌል ኬፍቅሩን" ብምልባው ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ።

23 May 2025, 10:21