ር. ሊ. ጳ. ኣብ ጸሎት ንግሥተ ሰማይ፦ 'ብሓጐስን እምነትን ንመላለስ'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ጸሎት ንግሥተ ሰማይ፣ ካብ ሓዋርያዊ መስኮስ ኣብ ዝለገስዎ ናይ መጀመርታ ኣስተንትኖኦም፣ ኣምላኽ ብኢዱ ሒዙ ከም ዝታትየና ኣዘኻኸሩ፣ ክንርበሽ ክንጭነቕን ዘይኰነስ ብእምነትን ብሓጐስ ክንመላለስ ድማ ጻውዒት ኣቕረቡ።
ቅዱስ ኣቦና ንምእመናን ዘለዎም ምስጋና ብምግላጽ ድማ ኣስተንትኖኦም ጀመሩ። ከምዚ ብምባል ድማ ኣመስገንዎም - "ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኣገልግሎተይ ኣብ መንጎኹም ጀሚረ ይርከብ ኣሎኹ፣ ቅድሚ ዅሉ ድማ ስለቲ ዘርኣኹምኒ ፍቕርን ቅርበትን ከመስግነኩም እደሊ፣ ብጸሎትኩምን ቅርበትኩምን ድማ ክትድግፉኒ እምሕጸነኩም።"
ኣብ ብርታዐና ኽንውከል የብልናን
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ "ኣብ ኵሉ እቲ ጐይታ ዘቕርበልና ጸዋዕታ፣ ማለት ኣብ ጕዕዞ ህይወትና ዀነ፣ ኣብ ጕዕዞ እምነትና ሓድሓደ ግዜ ብቕዓት ዘይብልና ዀይኑ ይስምዓና እዩ" በሉ።
ይኹን እምበር ካብቲ ናይ ዕለተ ሰንበት ንባብ ቅዱስ ወንጌል፣ እንካብ ወንጌል ዮሓንስ ብምጥቃስ ከምዚ በሉ - "መንፈስ ቅዱስ ከም ዝመርሓናን ኵሉ ሠናይ ዘበለ ከም ዝምህረናን ርግጸኛታት ኴንና ኣብ ምሕረት ናይቲ ዝሓረየና ጐይታ ደኣ እምበር ኣብ ብርታዔና ክንውከል ከም ዘይብልና ኢዩ ዝነግረና" ክብሉ ውን ተላበዉ።
ቅዱስ ኣቦና ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ጐይታ ኣብ መንጎ ጭንቀትን ረበሻን እውን ከይተረፈ ምጽንናዕን ሰላምን ከም ዝህብ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእሙናን ኣዘኻኸርዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ "ጐይታ ባዕሉ ነቶም ኣብ ድሮ ሞት ጐይታኦም ዚጭነቑን ዝርበሹን ዝነበሩ ሓዋርያት” ከመይ ገይሮም ንመንግሥቲ ኣምላኽ ኪምስክሩ ኸም ዝኽእሉ ከም ዘተሓሳሰቦም ውን ኣመልከቱ፣ ከምዚ ድማ በሉ፦ "ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንውህበት መንፈስ ቅዱስ ኣተስፈዎም 'እቲ ዜፍቅረኒ ቓለይ ኪሕሉ እዩ፣ ኣቦይ እውን ኬፍቅሮ እዩ፣ ናብኡ ኽንመጽእን፣ ኣባኡ ድማ ማሕደርና ክንገር ኢና' በሎም" ክብሉ ውን ኣስተንተኑ።
ልብኹም ኣይሸበር
በዚ ኸምዚ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርቶስ፣ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ኻብ ኵሉ ጭንቀትን ረበሻን ሓራ እንከውጽኦም "ልብኹም ኣይሸበር ኣይትፍርሁ" ብምባል ድማ ኣጸናኒዕዎም እዩ።
በዚ መዳይ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ኣስተንትኖኦም "ኣብ ፍቕሩ እንተ ጸኒዕና ንሱ ባዕሉ ኣባና እዩ ዚነብር፣ ህይወትና ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ትኸውን" በሉ፣ እዛ ፍቕሪ እዚኣ ኸኣ "ኣተሓሳስባናን ምርጫናን ብምቕራጽ" ናብ ኵሉ መዳያት ህላወና ከም እነማዕዱ እያ እትገብረና በሉ።
ኣምላኽ ብኢድ ኢሑዙ ይመርሓና
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ኣምላኽ ኣባና ምንባሩ ብልክዕ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ውን ሓሳብ ኣቕረቡ፣ "እቲ ብኢድና ሒዙ ዝመርሓና ኣብ መዓልታዊ ህይወትና እውን እንተ ዀነ ህላወን ቅርበትን ኣምላኽ ዝርእየና መንበሪኡ ውን ዚገብረና" መንፈስ ቅዱስ እዩ፣ ክብሉ ውን መስከሩ።
ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ኸምዚ በሉ - "ንጸዋዕታናን ነቲ ብሕድሪ እተዋህበና ተልእኾን ሰባትን፣ ነቲ እንፍጽሞ መብጽዓታትን ከምኡውን ነቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን እንገብሮ ኣገልግሎትን ክንርኢ ኸለና፣ ነፍሲ ወከፍና ብምትእምማን ከምዚ ኽንብል ንኽእል ኢና - ተነቃፊ እኳ እንተ ዀንኩ ጐይታ ግን ብሰብኣውነተይ ኣይሓፍርን ኢዩ”።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም "ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ጐይታ ኣባይ ክንብር እዩ ዝመጽእ። ብመንፈሱ የሰንየኒ የብርሃለይ ንኻልኦትን ንማሕበረሰብን ንዓለምን ከም ዘፍቅር ድማ ይገብረኒ።"
'ብሓጐስ እምነት ንመላለስ'
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መወዳእታ፣ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው "ብሓጐስ እምነት ንመላለስ" ከምኡውን "ንፍቕሩ ኣብ ኵሉ ንመስክር" ክብሉ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።