ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ምስ መራሔ መግንስቲ ኣውስትራልያ ኣልባነዘ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ዕለት 19 ግንቦት ሶኑይ ድሕሪ ቀትሪ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ኣውስትራልያ መራሔ መንግስቲ አንቶንይ ኣልባነዘ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ መራሔ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ርክብ ምስ ሃገራትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ከም እተራኸቡን፣ "ኣብቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ኣብ ዝተኻየደ ምዉቕ ዘተ፣ "ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ኣውስትራልያን ዘሎ ሰናይ ክልተኣዊ ዝምድናታት" ከምኡ'ውን "ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ኣገልግሎት ሕብረተሰብ ብፍላይ ኣብ ትምህርታዊ ዓውዲ ንእትገብሮ ኣበርክቶ ካብ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ኣፍልጦን ምስጋናን ከም ዝቐረበ” ኣፍሊጡ።
ክልቲኦም ኣካላት፡ "ኣብ ማሕበረ - ፖለቲካዊ ኩነታት እታ ሃገር፡ ብፍላይ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝምልከቱ ኣርእስታት ኣማእኪሎም ከም እተምያየጡን፣ ኣብ ምክልኻል ከባቢ፡ ኵለንታዊ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለን ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ዘተኮረ" ሓሳብ ንሓሳብ ከም እተለዋወጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናንፍ ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።