ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ንላሳልያውያን ኣሃው፣ ሓጎስን ፍረ ዘለዎን መንገድታት ቅድስና ኣነቓቕሑ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ላሳልያዊ ጸዋዕታ ክዓቢ፣ ክተባባዕን ክድንፍዕን - ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ትምህርትኹምን ኪኖኡን- ከምኡ'ውን ምስ ኩሎም ካልኦት ቅርጻዊ ባእታታት ብምትሕብባር፡ ኣብቶም ዝሳተፉ መንእሰያት ሓጎስን ፍረ ዘለዎን መንገዲ ቅድስና ኣብ ምልዕዓል ኣበርክቶ ክትገብሩ ተስፋ እገብር።"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ነዚ ምትብባዕ እዚ ንደ ላ ሳል ኣሕዋት (ኣሕው ኣብያተ ትምህርቲ ክርስትያን) ዕለት 15 ግንቦት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፣ ኣሕዋት ላሳልያን ብስም መስራቲኦም ቅዱስ ጆን ባፕቲስት ደ ላ ሳል ዝጽውዑ ኮይኖም ንመንእሰያት ብፍላይ ድማ ንድኻታት ሰብኣውን ክርስትያናውን ትምህርቲ ንምሃብ ተልእኾ ዘለዎ ማሕበር ኣሃው እዩ። ንትምህርቲ ጥራይ ዝውፈዩ ኣሃው ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት፣ ኣብ ዓለም ንትምህርቲ ብዝገብርዎ ጻዕርታት ዝፍለጡ ምዃኖም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮም መበል 14 ኣብ መደረኦም፣ "ድሕሪ ሰለስተ ዘመናት ህላወኹም ንሓድሽነት ናይቲ ሃብታምን ርሑቕ ዝኸይድን ትምህርታዊ ክውንነት ከመይ ጌሩ ከም ዝስከም ምርኣይ ዘገርም እዩ፣ በዚ ኣቢሉ ድማ ክሳብ ሎምን ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለምን ብውዕዉዕ ስምዒትን ብተኣማንነትን መንፈስ መስዋእትን መንእሰያት ንምሕናጽ ርእስኹም ተወፍዩ" ከም ዝበሉን፣ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ቅዱስ ኣቦና ናብ ክልተ መዳያት ታሪኽ ኣሕዋት፣ "ንህሉው ህሞት ዘለዎም ኣቓልቦን ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ዘሎ ኣገልግሎታውን ወንጌላውን ሸነኽ ትምህርትን” ዘቕንዐ ምዃኑ ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
መስራቲ ናብ ስራሕ ኣትዩ ንቕድሚት ዘሰጋገሪ ህያብ
ቅዱስ ኣቦና ብኡ ንብኡ መስራቲኦም ንብድሆታት ከም ምልክት ካብ እግዚኣብሔር ከም ዝተቐበሎ እዚ ድማ ናብ ዕዮ ከም ዝደረኾ ኣስተብሂሎም፣ እዚ ኪኖ ናይ ገዛእ ርእሱን ዕላማን ትጽቢታትን፣ ደ ላ ሳል "ንሓድሽ ስርዓተ ትምህርቲ ህይወት" ከም ዝሃበ ዘኪሮም፣ ጸገማት ምስ ዝፍጠሩ፣ ኣብ ክንዲ ተስፋ ዝቖርጽ፣ እቲ ቅዱስ ፈጠራዊ መልሲ ክደልን ኣብ ሓድሽን መብዛሕትኡ ግዜ ዘይተዳህሰሰን መንገድታት ንቕድሚት ክኸይድን ክድርኾ ከም ዝገብሮ ኣስተብሂሉ። እዚ ኩሉ፡ "ንዓና እውን" ጠቓሚ ሕቶታት የቕርብ - ቢሎም - "ሎሚ ኣብ ዓለም መንእሰያት እንታይ ዓይነት ህጹጽ ብድሆታት ይገጥሞም ኣሎ? እንታይ ዓይነት ክብርታት ክስፍሕ ኣለዎ? ኣብ ምንታይ ጸጋታት ክንጽጋዕ ንኽእል?"
ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ከበድቲ ብድሆታት ምቕያር
ንሓያሎ ፍሉያት ጸገማት እንከጒልሑ፣ "ብዛዕባ እቲ ደጋውነት፡ ብውልቃውነትን ስምዒታዊ ዘይምርግጋእን እናተለለየ ዝኸይድ ዘሎ ሰፊሕ ተዛምዶኣዊ ቅድታት ዘተኣታትዎ ተነጽሎ ሕሰቡ፤ ብዛዕባ ምስፋሕ ብኣንጻራውነት ዝደኸመ ኣተሓሳስባታት፤ ብዛዕባ ዓብላልነት ናይ ኣነባብራን ህርመትን እኹል ቦታ ንመመያን ኣስተንትኖን ዘተን ዘይብሉ - ኣብ ቤት ትምህርቲ፣ ኣብ ስድራቤት፣ ከምኡ'ውን ኣብ ገለ እዋናት።" ኣብ መንጎ መዛኑ እውን ከይተረፈ - ምስቲ ውጽኢት ዝኾነ ጽምዋ" ዝብሉ ዘርዚሮም፣ እዚ ክውንነታት እዚ ኣዝዩ ዘሰክፍ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ንሕና እውን ከም ቅዱስ ጆን ባፕቲስት ደ ላ ሳል፣ "ሓደስቲ መንገድታት ንምድህሳስ፣ ሓደስቲ መሳርሒታት ንምምዕባል፣ ከምኡ'ውን ልቢ ተማሃሮ ንምትንካፍ ዝቕጽሉ ሓደስቲ ቋንቋታት ንምቕባል፣ ብመሰረት ንድፊ እግዚኣብሄር፣ ኣብ ህይወት ዝበለጸ ክህቡ ምእንቲ፣ ንነፍሲ ወከፍ ዕንቅፋት ብትብዓት ክገጥምዎ ክንሕግዞምን ከነተባብዖምን፣ ናብ ናይ መበገሲ መንገዲ ክንቅይሮም ንኽእል ኢና" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ በዚ መንጽር ኣብ ኣብያተ ትምህርቶም ኣብ ምቛም መምህራንን ንህንጸት ትምህርታዊ ማሕበረሰባትን ዓቢ ኣቓልቦ ዝህብሉ ብምዃኖም ድማ ቅዱስነቶም ከም ዝነኣዱ ኣፍሊጡ።
ምምሃር ከም ኣገልግሎት ዝነብር ዝነበረ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ካልእ መዳይ ናይቲ ናይ ላሳል ክውንነት እውን ኣንከጒልሑ፣ እዚ ማለት "ትምህርቲ ከም ኣገልግሎትን ተልእኾን እዩ ዝነብር ነይሩ፣ ከም ሓደ ዓይነት ቅድስና ኣብ ቤተ ክርስቲያን፣
ቅዱስ ጆን ባፕቲስት ደ ላ ሳል ኣብ መንጎ መምህራን ክርስትያናዊ ኣብያተ - ትምህርቲ ካህናት ክህልዎ ኣይደልን ኢዩ ነይሩ፣ የግዳስ ኵሉ ጻዕርታትኩም ብሓገዝ ኣምላኽ ተማሃሮኹም ናብ ትምህርቲ ምእንቲ ኽትመርሑ 'ኣሕዋት ' ጥራይ እዩ ዝደልይ ዝነበረ፣ . . .
“ቅዱስ ጆን ባፕቲስት ደ ላ ሳል፡ ‘መሰውኢኻ እትምህረሉ ክፍሊ እዩ’ ምባል ይፈቱ ነይሩ።”
ምስ በሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን ኣስዒቦም፣ ከምኡ ብምግባሩ ድማ "ኣብታ ኣብ ዘመኑ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ክሳዕ ሕጂ ዘይተፈልጠ ሓቂ ኢዩ ዘስፍሕ ዝነበረ - ብመሰረት እቲ ብትምህርቲ ኣቢልካ ወንጌል ናይ ምስባኽን ብወንጌላውነት ናይ ምምሃርን መሰረታዊ ስርዓት ተራ መምህራንን ምሁራትን ኣብ ውሽጢ እቲ ማሕበረሰብ ናይ ሓቂ ኣገልግሎት የዋፍር ነይሩ።"
"እቲ ራብዓይ ናይ ምምሃር መብጽዓ ንማሕበረሰብ ንምግልጋል ከምኡውን ክቡር ናይ ግብረ - ሰናይ ዕዮ እትቕበልዎ ናብ ቤት ትምህርቲ ናይ ምስሓብ ክእለት ክሳዕ ሕጂ ከምቲ ሰነዳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘጕልሖ፣ ሓደ ኻብቲ ዅላትና ኣብ ጥምቀት እተቐበልናዮ ባህ ዘብልን ብሉጽን መግለጺታት ናይቲ ካህናትን ትንቢታውን ንጉሳውን መብጽዓ ኢዩ። "
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣሃው ኣባላት ሰብ ውፍሁ ህይወት ማሕበር ላሳል፣ ኣብ ትካላቶም ትምህርቶም፡ "ብቕጻሊ ጉዕዞ ቅድስትና ኣቢሎም፡ ነቲ ንኹሎም - ነፍሲ ወከፎም ከከም ኩነታቶምን ተራኦምን፣ ብዘይ ኣፈላላይ - ከም ህያዋን ኣባላት መጠን፣ ንዕብየት ቤተ ክርስቲያንን ጸዋዕታ ቅድስናን ኣበርክቶ ክገብሩ ዝላቦ ኣገልግሎት ጥምቀት ብትንቢታዊ መንገዲ ዘርእዩ ምዃኖም ኣመስጊኖም። ንኣሕዋት ኣብያተ ትምህርቲ ክርስትና ስለቲ ዝገብርዎ ኩሉ ብምምስጋን መደረኦም ምስ ዛዘሙ፣ "ምእንታኹም እጽሊ፣ ሓዋርያዊ በረኸተይ ድማ እመሓላልፈልኩም፣ እዚ ድማ ብሓጎስ ንመላእ ስድራቤት ላሳልያን ዝበጽሕ እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።