ር. ሊ. ጳ. ልዮን ናብ ቃዛ 'ረድኤት ኪኣቱ ፍቐደሉ፣ ውግእ ኣቋርጹ' ክብሉ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ሎሚ ዕለት 21 ግንቦት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንመጀመርታ ግዜ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ነቶም ካብ ኢጣልያውያ ዝመጹ ነጋድያንን መፈሳውያን በጻሕትን ኣብ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ "ኣብ ገማግም ጋዛ ዘሎ ዅነታት ብዝያዳ ዜጨንቕን ዜሳቕን እናዀነ ይኸይድ ኣሎ" ብምዝኽኻር፣
"ክቡር ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤት ናብ ቃዛ ክኣቱ ከምኡውን ነቲ ብቘልዑን ብዕድመ ዝደፍኡን ሕሙማትን ዝኽፈል ዝለኦ ከቢድ ዋጋ ውግእ መወዳእታ ኽገብረሉ ንዘቕረብክዎ ምሕጽንታ አሐድሶ ኣሎኹ" ክብሉ ትማሕጸኑ።
እቲ ኣብ ቃዛ ዘጋጠመ ናይ ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ህጹጽ ኵነታት ኣብ ሓደ ነጥበ - መቐይሮ በጺሑ ኣሎ። ከም ሓቁ እኳ ደኣስ ብው. ሕ. ሃ. ዚድገፍ ስሙር ኩነታ ጸጥታን ረድኤት ምግብን ክበጽሖም ከም ዘለዎን፣ ኣብቲ ከባቢ ጥሜት ኣንጠልጢሉ ኸም ዘሎ ውን ኣጠንቀቑ ።
ብመሰረት ትካላት ተድኤት ዝሃብዎ ጸብጻባት፣ እቲ ብዕለት 20 ግንቦት 2025 ብእስራኤል እተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣብ ቃዛ ዘጋጠመ ናይ ሰብኣዊ ቅልውላው እናገደደ ይኸይድ ስለዘሎ፣ ብሰንኪ እቲ ኻብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ኣትሒዙ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዝቐተለ ወተሃደራዊ ንጥፈታት፣ ብዙሓት ፍልስጥኤማውያን እንተላይ ቈልዑን ህጻናትን ይሞቱ ኣለዉ።
እስራኤል እተወሰኑ ናይ ረድኤት ዓበይቲ ማካይን ናብ ቃዛ ኽኣትዋ እኳ እንተ ፈቐደት፣ እስራኤል ወተሃደራዊ ወፈራኣ ደው ከተብልን ረድኤት ንኸይትህብን ብምዕጋታ ኣህጉራዊ ነቐፌታ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
ኣብ ርእሲ እዚውን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃዛ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዕንወት ኣባይቲ ኸም ዘተሓሳሰቦም ገሊጹ ኣሎ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘቕረቦ ቃል ምሕጽንታ ነቲ ቕድሚ ሓደ ወርሒ ብዕልት 21 ሚያዝያ 2025 ካብ ድኻም እዛ ዓለም ዝዓረፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እውን ብፍሉይ መገዲ ዘኪሮም።