MAP

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንካርዲናላት 'ኣብ ክርስቶስ ዘሎና ዜሐጕስ እምነት ንመስክር'

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብቲ ትማሊ ዓርቢ ዕለት 9 ግንቦት 2025፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኮይኖም ድሕሪ ምምራጾም፣ ኣብ ቤት ጸሎት ሲስቲና ምስ መረጽቲ ካርዲናላትን ካልኦት ኣባኡ እተረኽቡ ካርዲናላትን ኣብ ዘዕረግዎ፣ ናይ መጀመርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ኣብ ዝለገስዎ ስበከት ቃል ኣምላኽ፣ "ብዛዕባ እቲ ኣብ ክርስቶስ መድሓኒና ዘሎና ሓጐስ ክንምስክር ተጸዊዕና ኣሎና..." ክብሉ ኣስተንትኖኦም ፈለሙ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እዞም ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስብከቶም፣ ወትሩ ምስ ክርስቶስ ብሕታዊ ርክብ ንምምዕባል  ፍሉይ ጻውዒት ኣቕረቡ፣ ብዘይ እምነት ህይወት ትርጕም ከም ዘይብላ ድማ ኣትሪሮም ተዛረቡ ።

ይኹን እምበር እዞም ትውልደ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝኾኑ ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ብሒደት ቃላት ቋንቋ እንግሊዝኛ ኢዮም ስብከቶም ዝጀመርዎ፣ ኣብኡ ኸኣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ መረጽቲ ካርዲናላት ስለቲ ኣብ ቅዱስነቶም ዘንበርዎ እምንቶን ትውክልትን ኣመስገንዎም።

"ነተን 'ዘደንቕ ተግባራት ገይሩልውይ ኢዩ እሞ፣ ንጐይታ ሓድሽ መዝሙር ክዝምር እየ' ዚብላ ቓላት ካብ መዝሙር ዳዊት ክደግመን ፍቐዱለይ፣ ንበይነይ ጥራይ ዘይኰነስ ምስ ኵላትኩም ኮይነ እውን ክዝምረን ምደለኹ” በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም "ሎሚ ንግሆ ነዚ መሥዋዕተ ቅድሴ ከነዕርግ እንከሎና፣ ካርዲናላት ኣሕዋተይ ብዛዕባ እቲ ጐይታ ዝገበሮ ዜደንቕ ነገራት፣ ማለት ብዛዕባ እቲ ጐይታ ብኣገልግሎት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣቢሉ ኣብ ኵላትና ዘፍስሶ ዘሎ በረኸት ከተስተንትኑ እዕድመኩም ኣለኹ” ክብሉ ውን ዓደምዎም።

"ነዚ መስቀል እዚ ኽጾሮን፣ ነዚ ተልእኾ እዚ ኽፍጽምን መሪጽኩምኒ ኣሎኹም ፣ ከም ቤተ-ክርስትያን፡ ከም ማሕበር ኣዕሩኽ ኢየሱስ፡ ከም ኣመንቲ ነቲ ሓድሽ ብስራት ብምእዋጅን ወንጌል ንምስባኽን ምሳይ ክትጕዓዙ ክንዲ ዝኾንኩም ኣብ ነፍሲ ወከፍኩም ክውከል እኽል ኢየ" ክብሉ ውን ተማሕጸንዎም።

ክርስቶስ ሰብኣዊ ቅድስና ኣርኣየና

ካብዚ ብምቕጻል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ስብከቶም ብቋንቋ ጣልያን ቀጸሉ፣ ስብከቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝነበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘተኰረ ኢዩ ዝነበረ። እዚ ድማ ነቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ወንጌል "ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ " ብምባል ንእተዛረቦ ቓላት ብምስትንታን ኢዮም ዝቐጸልዎ። ነዚ ጽኑዕ እምነት ጐይታን፡ ህያው ዝኾነ ውርሻን ንምግላጽ ድማ፣ “ቤተክርስቲያን ብሰንሰለታዊ ቅብብል ሓውርያት ኣቢላ፣ ነዚ ውርሻ እዚ ንኽልተ ሽሕ ዓመታት ዝኣክል ዓቂባቶን፡ ኣዕሚቛ መርሚራቶን ከምኡውን ናብቶም ናይ መጻኢ ወለዶታት ውን ኣመሓላሊፋቶን ኢያ" ክብሉ ውን ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ጴጥሮስ ምስ ክርስቶስ ዝነበሮ ርክብ ብምስትንታን ድማ፣ እቲ መድሓኒና ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ንገጽ ኣቦ ከርእየና ከም ዝኽለል ኣዘኻኸሩ።

"ኣባኡ ኣምላኽ ንርእሱ ኣብ ቅድሚ ኹልና ደቂ ሰባት ንኽውፈን ክቐርበናን ኢሉ፣ ብኣማኒ የዒንቲ ከም ህጻንን፣ ብህያው ዝኾነ ኣእምሮ ከም በጽሕን ከምኡ ውን ብእኹል ቁመና ሰብን ኣብ መወዳእታ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ድሕሪ ትንሳኤኡ ብዝኸበረ ስጋኡ ተራእዮም" ብምባል ኣጉልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ በዚ ኸምዚ "ኵላትና ክንመስሎ እንኽእል ኣርኣያ ሰብኣዊ ቅድስናን፣ ካብ ኵሉ ዓቕምናን ክእለትናን ዝበልጽ ዘለኣለማዊ ዕላማናን ኣርኣየና" በሉ።

ውህበትን መገድን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ቅዱስ ጴጥሮስ በቲ ዝሃቦ መልሲ "ውህበት ኣምላኽ" ከምኡውን "በቲ ውህበት እቲ ምእንቲ ኺልወጥ ክስዕቦ ዘለዎ መገዲ" ምዃኑ ተረዲእዎ እዩ፣ "ንጥቕሚ ደቂ ሰብን  ንቤተ ክርስትያን እተዋህበ ዘይነጻጸል መዳያት ድሕነት ድም እዩ"በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 በዚ ውህበት እዚ ብምድናቕ "ወንጌል ንነፍሲ ወከፍ ፍጡር ምእንቲ ክእንውጅ፣ ኣብ ማህጸን ኣዴታትና ቕድሚ ምፍጣርና ብእኡ እተሓረና፣ ኣብ ማይ ጥምቀት ከም ብሓድሽ እተወለድና፣ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ዝኾነን ዘይግብኣናን ክንሱ ነዚ ተልእኾ እዚ ኣወፍዩና ይርከብ ኣሎ" በሉ።

ንቤተ-ክርስትያን እሙን ክኸውን ጸውዓኒ

እዞም ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ኣምላኽ በቲ ቅድሚ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ እተኻየደ ምርጫ መበል 267 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምዃን ንቅዱስ ጴጥሮስ ክትክኡ ከም ዝጸውዖም ብምዝካር "ምእንቲ እታ ምስጢራዊት ኣካል ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ቢሉ፣ እሙን ኣመሓዳሪኣ ምእንቲ ክኸውን ነዚ መዝገብ ውህበት እዚ ብሕድሪ ኣወፈየኒ " ብምባል ውን ተዘክሮኦም ገለጹ።

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ 'ሰባት ንወዲ ሰብ መን ኢዩ ይብሉ?"' ንዝብል ሕቶ መልሲ ብምሃብ ናይ እምነት መግለጺ ኣውጽኣ ክብሉ ውን ኣስተምሩሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኸም ዝገለጽዎ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ ግምት ዘይኣቱ ኣይኰነትን የግዳስ "ኣገዳሲ መዳይ ኣገልግሎትና ኢያ፣ ማለት ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ብኹሉ ዓቕማን ድኽመታታን ሕቶታታን  ከምኡ ውን ርድኢታታት እተመልክት" ኢያ ክብሉ ውን ኣተሓሳሰቡ።

ክልተ እተፈላለየ ኣረኣእያ

ቅዱስ ኣቦና ልዮን "ብዛዕባ እዚ እነስተንትነሉ ዘለና ርድኢት እንተ ሓሲብናሉ ክልተ እተፈላለየ ኣረኣእያ ዘለዎ ኽልተ መልስታት ክንረክብ ንኽእል ኢና " በሉ ።

ቀዳማይ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን  "ንህላዌ ንነጽግን ዘወግድን" ምስ ዝከውን፣ ብሰንኪ እቲ "ጽኑዕ ስነ ምግባራዊ ጠለባቱ" እውን ከይተረፈ "ንኢየሱስ ኻብ ምንጻግን ካብ ምውጋድን ድሕር ኣይብልን እዩ" ከም ዚብል ጌሩ ንመልሲ ዓለም ከም ዘቕረበ ገለጹ።

ነቲ ኢየሱስ ዝሓተቶ ሕቶ ካልኣይ መልሲ እውን ኣሎ፣ እዚ ኸኣ እቶም ንዕኡ "ኸም ቅኑዕ ተባዕ ሰብ" ገይሮም ዚርእይዎ ዝነበሩ ተራ ሰባት ዚህብዎ ምላሽ ኢዩ ዝነበረ። ንዓታቶም ግና "ንሱ ሰብ ጥራይ እዩ፣ ስለዚ ኣብ ግዜ ሓደጋ ሕማማቱ ንሳቶም እውን ጠንጢኖምዎ ኸዱ።"

ምስክርነት ንምስባኽ ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነሉ ተልኾ ወንጌላውነት የድሊ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ከም ዝገለጽዎ እዚ ኽልተ ኣረኣእያታት እዚ፣ ሎሚ ውን ኣገዳስነት ኣለዎ፣ ከመይሲ ዋላ እውን ሓደ እንተ ዀነ ኣብ ከናፍር ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ብቐሊሉ ኽንረኽቦ እንኽእል ሓሳባት ከም ምዃኑ ኣፍልጦ ሃቡሉ ።

"ሎሚ እውን እንተ ዀነ ክርስትያናዊ እምነት ንድኹማትን፣ ንመስተውዓልቲ ድማ ትርጕም ኣልቦ ጌርካ ከም ዝርአ ብዙሕ ኵነታት ኣሎ።  ከም ተክኖሎጅን ገንዘብን ኣሳልጦን ሓይልን ተድላን ዝኣመሰለ ኻልእ ኩነታትን ብዝያዳ ዝምረጸሉ ቦታታት ውን ኣሎ።"

እዚ ሓሳባት እዚ "ወንጌል ንምስባኽን ንሓቂ ንምምስካርን ቀሊል ኣብ ዘይኰነሉ፣ ኣብኡ ኸኣ ኣመንቲ ዝሽረፉሉን ተቓውሞ ዝገጥሞምን፣  ዝነዓቑሉን ወይ ዕሽሽ ዝበሃሉሉ ቦታ ከም ምዃኑ ዘገርም ኣይኮነን" ብምባል ውን ኣጕልሐ።

"እንተዀነ ግን በዚ ምኽንያት እዚ ልኡካነ ወንጌል ኮይና ክንከደሉ ዘለኦና ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነሉ ቦታታት እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታታት ኢዩ" በሉ።

ጕድለት እምነት ብትርጕም ኣልቦነት ህይወት ምስ ዝስነ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ "ጕድለት እምነት መብዛሕትኡ ግዜ ትርጕም ህይወት ምስኣን፡ ምሕረት ዘይምግባር፡ ዘስካሕክሕ ምጥሓስ ሰብኣዊ ክብሪ፡ ናይ ስድራቤት ቅልውላው ከምኡውን ንሕብረተሰብና ዘሳቕዮ ብዙሕ ካልእ በሰላታትን ዘኸትል ኢዩ" ብምባል ውን ኣጕልሑ።

ሎሚ እውን እንተ ዀነ "ጌይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርቶስ ከም ሰብ ጌርካ ዚርአ እኳ እንተ ዀነ፣ ከም ክኢላ መራሒ ወይ ልዕለ-ሰብ ከም ዝዀነ ጌርካ ዚረኣየሉ ብዙሕ ኵነታት ውን ኣሎ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እዚ ነገር እዚ "ኣብቶም ዘይኣመንቲ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብቶም ብዙሓት እተጠምቁ ክርስትያን ምእመናን እውን" ከም ዜጋጥም ኣፍልጦ ብምሃብ "ኣልቦ ኣምላኽ ኣብ ዘለዎ ደረጃ ማሕበረሰብ እዮም ዝነብሩ" ብምባል ውን ኣጠንቀቑ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ "እዛ ዓለም እዚኣ ብሕድሪ እተዋህበና ዓለም ኢያ፣ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዙሕ ግዜ ዝመሃሩና ኸኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክርስቶስ መድሓኒ ዘሎና ሓጐስ ዝመልኦ እምነት ክንምስክር ጻውዒት ኣቕረቡልና" ብምባል ውን ኣረጋገጹ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ውን "ስለዚ ንሕናውን ምስ ጴጥሮስ ኴንና 'ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ' ኢልና ክንእውጅ ኣሎና" በሉ።

መዓልታዊ ጕዕዞ ተሓድሶ

ቅድሚ ኹሉ ኣብቲ ምስ ጐይታ ዘሎና ብሕታዊ ርክብ ኣብቲ "መዓልታዊ ናይ ምሕዳስ ጕዕዞ" ዘሎና ቘራጽነት ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ውን ተማሕጸኑ።

ድሕርዚ ከም ቤተ-ክርስትያን መጠን ንሕናውን ከምኡ ኽንገብር ከም ዘሎና ኣዘኻኸርዎም - "ንጐይታ ብዘሎና ተኣማንነት፣ ሓቢርና ብምምልላስን ነቲ ብስራት ከነብጽሕ ኢና" ውን በሉ።

"ከም ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ መጠን፣ ከም ጳጳስ ናይ ሮሜ መጠን ተልእኾይ ኣብ ዝጅምረሉ ዘለኹ እዋን መጀመርታ ንገዛእ ርእሰይ ከምዚ እብል ኣለኹ" በሉ። ብመሰረት እቲ ቅዱስ ኢግናጽዮስ በዓል ኣንጾክያ ዝበሎ "ኣብ ልዕሊ ኣድማሳዊ ቤተ-ክርስትያን፣ ኣብ ተልእኾ ግብረ-ሰናይ ንምምራሕ" ብምባል ንእተዛረቦ ውሩይ መግለጺኡ ድማ ብምዝካር ከማኡ ከም ዝገብሩ ገለጹ።

"እቲ ብሰንሰለት ተኣሲሩ ናብዛ ኸተማ እዚኣ ማለት ናብቲ ኣንጠልጢሉ ዝነበረ መስዋዕቱ ተሳሒቡ ዝመጸ ቅዱስ ኢግናጽዩስ፣ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ክርስትያን ምእመናን 'ሽዑ ዓለም ንስጋይ ምስ ዘይትርእዮ ብሓቂ ወደ መዝሙር ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸውን እየ' ኢሉ ኸም ዝጸሓፈሎም ውን ዘከሩ።"

ንክርስቶስ ዚኸውን ቦታ ንምድላው ናብ ህዳጋት ምኻድ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ ስብከቶም "ኢግናሽየስ ኣብቲ ናይ መስዋዕትነቱ ሜዳ ብኣራዊት ብዛዕባ ምብምልዑ እዩ ዚዛረብ ዝነበረ ፣ ከምኡ ድማ ኰነ "ብምባል ኣነጺሮም ገለጹ፣" እንተዀነ ግን ቃላቱ ብሓፈሻ ንዅሎም እቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ብስልጣን ዚጥቀሙ ሰባት ኣገዳሲ ቓል ኪዳን እዩ ዜመልክት" ውን በሉ ።

ብፍላይ ከኣ እዚ ቓል ኪዳን እዚ "ንክርስቶስ ምእንቲ ከነብር፣ ኢየሱስ ምእንቲ ኽፍለጥን ክኽበርን ገዛእ ርእሱ ትሕት ምእንቲ ክብልን፣  ኵሉ ሰብ ንኽፈልጦን ንኸፍቅሮን ዝከኣሎ ዅሉ ንምግባር" ዝበሎ ከም ምዃኑ ውን ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 "ኣምላኽ በታ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደ ቤተ-ክርስትያን ብፍቕሪ ተደሪኻ እተማልደልና፣ ሎሚ ዀነ ወትሩ ነዚ ጸጋ እዚ ይሃበና" ኢሎም ብምጽላይ ስብከቶም ዛዘሙ።

መስዋዕተ ቅዳሴ ምእንቲ ቤተ ክርስቲያን ዕለት 09 ግንቦት 2025 ዓ.ም.
10 May 2025, 18:08