ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ዕለት 18 ግንቦት ናይ ተኸታሊ ጴጥሮስ ስልጣኖን ብወግዒ ክጅምሩ እዮም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ሓድሽ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ብወግዒ ዘበገስሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ዕለት 18 ግንቦት ብቆጻጽራ ሮማ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 10፡00 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ኣፍሊጡ።
መርሓ ፍጻሜታት ናይ ዝቕጽል ሰለስተ ሰሙን
ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣስዒቡ ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ናይዚ ሰሙን እዚ ምርሓ ፍጻሜታት፥
- ዕለት 10 ግንቦት - ርክብ ምስ ካርዲናላት፣
- ዕለት 11 ግንቦት - ካብ ማእከል ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣስተንትኖ ጸሎት ንግስተ ሰማይ ክልግሱን ጸሎተ ንግስተ ሰማይ መሪሖም ክደግሙን እዮም።
- ዕለት 12 ግንቦት – ርክብ ምስ ኣህጉራዊ ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓን።
- ዕለት 16 ግንቦት – ኣብ ቅድስቲ መንበር ተፈላጥነት ምስ ዘለዎም ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ክራኸቡ እዮም።
- ዕለት 18 ግንቦት ሰንበት - ሰዓት 10፡00 ኣብ ቅርዓት ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ብወግዒ ንምጅማር መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም።
- ዕለት 20 ግንቦት ሰሉስ - ኣብ ክፍለ ከተማ ሮማ ፎሪ ለ ሙራ ናይ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ መንበሮም ወግዕ ክርከቡ እዮም
- ዕለት 21 ግንቦት ረቡዕ - ቀዳማይ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ክልግሱ እዮም
- ዕለት 24 ግንቦት ቀዳም - ምስ ሰራሕተይናታት ኩሪያ ሮማናን ሃገረ ቫቲካንን ክራኸቡ እዮም
- ዕለት 25 ግንቦት ሰንበት - ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሃዋርያዊ መንበር መስኮት ኮይኖም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ኣስተንትኖ ጸሎት ንግስተ ሰማይ ክልግሱን ብሓባር መሪሖም ጸሎት ንግስተ ሰማይ ክደግሙ እዮም - ናይ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ መንበር ጳጳስ ዘሮሜን ናይ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ መንበር ጳጳስ ብወግዒ ክርከቡ ምዃኖም ዕለት 9 ግንቦት 2025 ዓ.ም. ዝወጸ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን የመላኽት።
ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ኣስዒቡ፣ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ኩሎም ሓለፍትን ኣባላትን ሓዋርያውያን ኣባይቲ ጽሕፈት ኩርያ ሮማናን ኣበ መናብርትን ዋና ጸሓፍትን ጳጳሳውያን ሽማግለን donec aliter provideatur - ክሳብ ዝተፈልየ ውሳኔ ዘይተዋህበ ኣብ ሓላፍነቶም ክጸንሑ ከም ዝወሰኑን፣ ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 "ሓደስቲ ኣካላት ክመርጹን ወይ እቶም ኣብ ሓላፍነቶም ዘለዎ ክቕጽሉን” ውሳኔ ቅድሚ ምሃቦም ‘ንእተወሰነ እዋን ከስተንትኑን ጸሎትን ምይይጥን ናይ ምክያድ ር.ሊ.ጳጳሳዊ መሰሎምን ስልጣኖምን ምዃኑ የዘኻኽር።