MAP

ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ኣብ ሮማ ናብ ዝርከቡ ኣውጉስጢኖሳውያን ኣሕዋቶም ሃንደበታዊ ምብጻሕ ኣካይዶ

ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ዕለት 13 ግንቦት ጥቓ ሃገረ ቫቲካን ናብ ዝርከብ ናይ ማሕበር ኣጎስጢኖሳውያን ኩርያ (ላዕለዋይ ቤት ምሕደራ ህንጻ) ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ምሕራዮም ካርዲናል እንከለዉ ዝገብርዎ ዝነበረ ምብጻሕ ኣካይዶም ናይ ምሳሕ መኣዲ ከም እተቛደሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 13 ግንቦት ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ፣ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ኣብ ከባቢ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ናይ ኣጎስጢኖሳውያን ማሕበር ላዕለዋይ ቤት ምሕደራ ህንጻ ብምኻድ ምስ ኣሕዋቶም ኣጎስጢኖሳውያን ከም እተራኸቡን ከምቲ ካርዲናል እንከለዉ ዝገብርዎ ዝነበረ ድማ ኣብኡ ምሳሕ ከም እተቛደሱ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ን12 ዓመታት ማለት ካብ 2001 ክሳብ 2013 ዓ.ም. ናይ ማሕበር ኣጎስጢኖሳውያን ዓቢይ ሓለቓ ኣብ ዝነበርሉ ኣዋን መንበሮም ናብ ዝነበረ ሕንጻ ላዕለዋይ ቤት ምሕደራ ማሕበር ኣጎስጢኖሳውያን ብሕታዊ ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ናይ ማሕበር ኣጎስጢኖሳውያን መመሓድሪ ሕጊ ከም ዘመልክቶ ድማ፣

“እቲ ቀንዲ ዝተኣኻኸብኩምሉ ምኽንያት፣ ኣብ ሓደ ቤት ብስኒት፣ ሓደ ልብን ሓደ መንፈስን ኮይንኩም ናብ ኣምላኽ ኣቕኒዕኩም ንኽትነብሩ እዩ” ዝብል ምዕዳን ዝምስክር ምብጻሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ከባቢ ሰዓት 15፡00 ካብቲ ህንጻ ላዕለዋይ ቤት ምሕደራ ማሕበር ኣጎስጢኖሳውያን ተፋንዮም ናብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ምምላሶም ድማ ነቶም ኣብ መገዲ ተኣኪቦም ንዝነበሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምመናንን በጻሕትን ድማ ምዉቕ ሰላምታ እናቕረቡ ናብ መንበሮም ሃገረ ቫቲካን ከም እተመልሱ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ድሕሪ እዚ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ፣ናይ ማሕበር ኣጎስጢኖሳውያን ዓቢይ ሓለቃ ኣባ ኣለኻንድሮ ሞራል ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ ቅዱስ ኣቦና ቅድሚ ምሳሕ ኣብቲ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉ ሓቢሮም፣ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ቅድሚ ምሕራዮም ካርዲናል እንከለዉ ዘካይድዎ ዝነበረ ልሙድ ምብጻሕ ምዃኑ ድማ ገሊጾም፣ ንኸመስጉኑ ዘካየድዎ ምብጻሕ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ቅዱስነቶም ምስቶም ኣብቲ ሕንጻ ላዕለዋይ ቤት ምሕደራ ማሕበር ኣጎስጢኖሳውያን ምስ ዝቕመጡ ኣጎስጢኖሳውያን ኣሕዋቶምን ስራሕተይናታትን ተመሃሮ ካህናት ኣባላት ማሕበር ኣጎስጢኖሳውያን ተራኺቦም ሰላምታ እውን ከም እተለዋወጡ ሓቢሮም።

14 May 2025, 16:51