ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ረኺብና
ዕለት 8 ግንቦት ሰዓት 16፡45 ደቓይቕ ኣብ ዝተኻየደ ኣብ ካልኣይ ውዕሎ ዕጹው ጉባኤ መረጽቲ ካርዲናላት ኣብ ዘካየድዎ ድምጺ ናይ ምሃብ ስነ ስርዓት ሓድሽ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዝመረጹ ልክዕ ሰዓት 18፡00 ዝተፈነወ ጻዕዳ ትኪ ከም ዘረጋገጸን፣ እንሆ ድማ ቀዳሜ ዲያቆም ካርዲናል ማምበርቲ ካብ ማእከል ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ር.ሊ.ጳ. ረኺብና እንክብሉ ንመላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ከበስሩ እዮም።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓድሽ ጳጳስ ሮማ ከም ዝተመርጸ ንመእመናንን ንዓለምን ካብ ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ. ረኺብና እንክብሉ ቀዳሜ ዲያቆን ካርዲናል ምስ ኣበሰሩ ሓድሽ ር.ሊ.ጳ. ምስ ህዝቢ ክላለዩ እዮም።
ነቲ ዝወጸ ጻዕዳ ትኪ ዝረኣዩ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቡ ዝነበረ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ዝቑጸሩ ነጋድያንን በጻሕትን ድማ ብጣቕዒት ሓጎሶም ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ሓድሽ ር.ሊ.ጳ. ቅድሚ ምስ ህዝቢ ምልላዮም ኣብቲ ዕጽዉ ጉባኤ ኵሎም ካርዲናላት ሓደ ብሓደ ሰላም እናበሉ ኣኽብሮቶም ተኣዛዝነቶምን ብምርግጋጽ ድማ ኩሎም ብሓባር ጸሎት ኦ ጎይታ ነመስግነካ ዝብል ጸሎት ምስጋና ከም ዝደገሙ ኣመላኺቱ፣ እቶም ሓድሽ ዝተመርጹ ር.ሊ.ጳ. መን ምዃኖም ብቀድሜ ዲያቆን ካርዲናል ማምበርቲ ካብ ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ተበሰረ ሓድሽ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ዝተሓርዩ ንኹሉ ነቲ ኣብ ቕርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽበን ብዝተፈላለየ መራኸቡ ብዙሓንን ብቐጥታ ንዝከታተልን ኩሉ ቃል ሰላምታ ምስ ኣስምዑ ንሮማ መላእ ዓለም ቡራኬ ክህቡ እዮም።
08 May 2025, 19:17