ሓድሽ መጽሓፈ ቅዳሴ ሥርዓተ ግዕዝ ኤርትራን ኢትርዮጵያን ተመሪቝ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብቲ ወከልቲ ጉባኤ ጳጳሳት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተረኽቡሉን፣ ካህናት ሰብ ውፉይ ሕይወት ግዳማውያንን ገዳማውያትን ምእመናንን ከምኡውን ኣባላት መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካንን ዝተሳተፍዎ ሥርዓተ ምርቓ ሓዲስ ሕታም መጽሓፈ ቅዳሴ ብፁዕ ካርዲናል ክላውድዮ ጉጀሮቲ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምስራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ዋና ጸሓፊ ናይዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈትን ተረኺቦም።
እቲ ኣብ ማእከል ስፍራ ኣታኽልቲ ሃገረ ቫቲካን ዚርከብ ጳጳሳዊ ኮሌጅ ኢትዮጵያ ድማ፣ ነቲ ምብራቓውያ ካቶሊካውያን ኣብያተ-ክርስትያን ኢትዮጵያን ኤርትን ዝተሰናደውዎ ሓድሽ ሕታም ብቋንቋ ግዕዝ ሥርዓተ ምርቓ የአንጊዱ።
እዚ ሓድሽ ሕታም መጽሓፈ ቅዳሴ ንሥርዓተ ቅዳሴ ግዕዝ፣ ዝኸውን መምርሒታትን ጽሑፋትን ዝሓዘን፣ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምብራቓዊ ኣብያተ-ክርስትያን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ተሓቲሙ ንእምእመናን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘገልግል ናይ ሓባር ሊጡርጊያዊ መጽሓፍ ከም ምዃኑ ክሳዕ ክንደይ ኣድላይነት ከም ዘለዎ ብፁዕ ካርዲናል ጉጀሮቲ ገሊጾም። ቋንቋ ግዕዝ ኣብ ኣብያተ-ክርስትያን ኢትዮጵያን ኤርትርያን፣ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ከም ጥንታዊ ቛንቋ ሥርዓተ ኣምልኾ ዀይኑ ዘገልግል ዘሎ ቋንቋ ኢዩ።
ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምሥራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ክላውድዮ ጉጀሮቲ፣ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ መዕዳን፣ እዚ ሓድሽ መጽሓፈ ቅዳሴ ንህዝቢ ኤርትን ኢትዮጵያን "ንጸሎት ዘገልግል ቅዱስ መሳርሒ" ከም ዝኸውን ገለጹ።
ቤት ጽሕፈት ሥርዓተ ኣምልኾ ናይዚ ብዛዕባ ጉዳያት ምሥራቓውያን ኣብያተ ክርስትያን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ንሓያሎ ዓመታት፣ ንምብራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያን ዜገልግል ጽሑፋት ከም ዘዳለወ ውን ኣዘኻኸሩ። ብፁዕ ካርዲናል ኣስዒቦም እዚ ልምዲ እዚ "ምንጪ ናይቲ ብህይወት ናይ ምንባርን፣ ሱር ህላወ ህዝቢ ዝዀነ ራእይን ኢዩ" ቢሎም ብምጽዋዕ "ኣኽሊል ዝደፍአ" ክብሪ ዝግብኦ ዓወት ከም ምዃኑ ገለጹ።
ብፁዕ ካርዲናል ጉጀሮቲ ወሲኾም ኸምዚ በሉ - "ንሓደ ህዝቢ ማለት ካብ ዜማታቶምን ከምኡውን ካብቲ ንምድርን ንሰማይን ሓድነት ከም ዚህልዎም ዚገብር ሉጡርጊያዊ ምንቅስቓሳቶምን እምነቶም እንተ እንተ ኣሊኻዮም፣ ህላወ ወድሰብ ኣመና ዘሕዝንን ኣዝዩ ድኻን ምስኪንን ይኸውን፣ እዚ ድማ ባህርያዊ ድኽነት ከም ዘይኰነ ኩሉ ሰብ ክርድኦ ዝከኣል እዩ ።" ህዝብታት ኤርትርያን ኢትዮጵያን በዚ መጽሓፍ እዚ ኣቢሎም እቲ መለኮታዊ ፍቕራዊ ኣምላኽ ክሳዕ ሕጂ የንቀሳቕሶም ከም ዘሎን፣ ሓልዮት እኖና ድንግል ማርያም እውን ምሳኦም ከም ዘሎ ዘመልክት ኢዩ።"
ንመጀመርታ ግዜ እዚ ሓዲስ ሕታም መጽሓፈ ቅዳሴ ነቲ ግዕዛዊ ሥርዓተ ዜማታት ዘመልክት ምልክታት ዜማ ኣተኣታትዩ ይርከብ፣ ህብስተ ቍርባን ድማ ወትሩ ሓድሽ ዝበዅዐን ክኸውን ከም ዘለዎ ጻውዒት የቕርብ፣ እዚ ድማ ነቲ ሓድሽን ህያውን ዝኾነ ስጋ ክርስቶስ ዘመልክት ምሳሌ ኢዩ።
ናይ ኤርትርያን ኢትዮጵያን ካቶሊካውያን ኣብያተ-ክርስትያን ነቲ ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትን እተገብረ ምትሕብባር ንምምልካት፣ ሓደ ኻብቲ እንኮ ኣብነታት ዝዀነ ኣብዚ ሕትመት መጽሓፈ ቅዳሴ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐ ኮሚተ ሊጡርጊያ ንምቋምን ንምውህሃድን ዝገበሮ ተበግሶ ኢዩ ዝነበረ።
ጳጳስ ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ዓዲ ግራት ብፁዕ ኣቡነ ተስፋሰላሴ መዲን፣ ነዚ ሓዲስ መጽሓፈ ቅዳሴ ከም ምንጪ ሓድነት ናይተን ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትን ዘለዋ ኣብያተ - ክርስትያን ኰይኑ ከም ዘገልግል ብምግላጽ ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐበልዎ።
እዚ ድማ "መሥዋዕተ ቅዳሴ ብመንፈስ ሓድነት ኣብ ክዓርገሉ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝኾነ እዋን፣ ውሽጣዊ ሓድነትን ሓጐስን ብርታዐን ተስፋን ዝኸውን ኢዩ" ክብሉ ውን ገለጹ።
ብፁዕ ኣቡነ ተስፋሰላሴ መዲን ኣስዒቦም "እተፈላለየ መንነትና ኣምላኽ ዝሃበና ጸጋ ኢዩ" ውን በሉ። "ኣብ ኣብያተ-ክርስትያንና በበይኑ ዝዓይነቱ ፍልልይ ኣሎና፣ እቲ እነዕርጐ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኸኣ ብመሰረት እዚ ሓድሽ ዝተሓትመ መጽሓፈ ቅዳሴ ኣብ ኤጳርናታትና ብተኣማንነት ክንትግብሮ ተስፋ እንገብር፣ እዚ መጽሓፍ እዚ ድማ ቅዱስ መሳርሒ ዀይኑ ከገልግል ኢዩ" ክብሉ ኣመልከቱ።
ብፁዕ ኣቡነ ተስፋሰላሴ ብድሕር’ዚ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገብርዎ ዝርርብ፣ ፖለቲካዊ ዕንቅፋት እኳ እንተ ሃለወና፣ ሓድነት ካቶሊካውያን ኤርትርያንን ኢትዮጵያውያንን ዘጉልሕ መጽሓፍ ኢዩ ክብሉ ውን መስከሩ።
"ምክፍፋላት የብልና" ውን በሉ። "ሥርዓተ ቅዳሴናን፣ ውርሻታትናን ሥርዓተ ኣምልኾኣዊ ታሪኽናን ፈጺሙ ተኸፋፊሉ ኣይፈልጥን እዩ" ውን በሉ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ዝተኻየደ ሥርዓተ መርቓ፣ ብፁዕ ካርዲናል ጉጀሮቲ፣ ነቲ ሓድሽ ዝተሓትመ መጽሓፈ ቅዳሴ ንወከልቲ ካቶሊካውያን ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝኾኑ ጳጳሳት ብወግዒ ኣቕረበሎም።
ሓደ ኻብዚኣቶም ተወካሊ ጉባኤ ጳጳሳት ኤርትራ ኮይኖም ኣብቲ ሥርዓተ ምርቓ እተሳተፉ፣ ብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ ጳጳስ ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረን ውን ብወግዒ ነዚ መጽሓፈ ቅዳሴ ካብ ኢድ ብፁዕ ካርዲናል ጉጀሮቲ ተቐበሉ።
ብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ ኣብቲ ዝለገስዎ ቃል ምስጋና "እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኽሳዕ ሕጂ ብእተፈላለየ መገድታት ሥርዓተ ኣምልኾና ክንፍጽም ስለ ዝጸናሕና፣ ምንጪ ሕብረት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክትከውን እያ" ክብሉ ውን ዘለዎም ሰናይ ምንዮት ገለጹ። “ካብ ሕጂ ንደሓር ኵላትና ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኽንስዕብ ተስፋ ንገብር" ክብሉ ውን ተማሕጸኑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ኣብቲ ብዕለት 14 ግንቦት 2025 ምስ ተሳተፍቲ ኢዮቤል ተስፋ ዘምሥራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፣ ነቲ ናይቶም ምስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ሕብረት ዘለዎም ምስራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ሥርዓተ ኣምልኾ ዘለዎም ኣድናቖት ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝለግስዎ ቃለ ምዕዳን "ቤተ ክርስትያን ትደልየኩም ኢያ" በሉ ። "እቲ ሎሚ ክርስትያናዊ ምብራቕ ኬቕርበልና ዚኽእል ኣበርክቶ ኣዝዩ ብዙሕን ኣገዳን እዩ" ክብሉ ውን መስከሩ።