MAP

2025.05.08 ንቤተ ክርስቲያን ዝመርሕ ገዛእ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ምሃብ 2025.05.08 ንቤተ ክርስቲያን ዝመርሕ ገዛእ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ምሃብ  ርእሰ ዓንቀጽ

ንቤተ ክርስቲያን ዝመርሕ ገዛእ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ምሃብ

ናይ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዕለት 8 ግንቦት ድሕሪ ሕርየት ሓድሽ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14፣ ኣብ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን፣ “ናይ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ኣገልግሎት ኣብቲ ንቤተ-ክርስትያን ዝመርሓ ክርስቶስ ከም ትውክልቲ ገይርካ ብእምነት ምቕባል ዘለዎ መንፈሳዊ ኣገዳስነት የስተንትኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕጽው ጉባኤ ካርዲናላት ተካኢ ጴጥሮስ ሓርዮም፣ ሃገረ ስብከት ሮማ ጳጳሳ ረኺባ፣ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ድማ ጓሳ ረኺባ። ቅዱስ ኣቦና ሕርየትኩም ስለ ዝተቐበልክምዎ ድማ  የቐንየልና። "ሕራይ" ስለ ዝበልኩምን ትውክልትኹም ናብቲ ንቤተ-ክርስትያን ዝመርሕ ስለ ዝገበርኩም ነመስግነኩም።

ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተዛረቦ ቃላት ናብ ኣእምሮይ ይመጽእ - ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1968 ዓ.ም. ንተማሃሮ ተቕዋም ሎምባርዲያ ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን፣ "ብዙሓት "ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓያልን ወሳንን ስጕምቲ ኺውሰዱ ትጽቢት ይገብሩ እዮም። እንተዀነ ግን እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብቲ ንቤተ-ክርስትያኑ ኻብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ዝከናኸና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበሮ ትውክልቲ ሓሊፉ ካልእ መገዲ ክስዕብ ከም ዘይብሉ ኢየ ዝኣምን። ነቲ ማዕበል ዜህድኦ ንሱ እዩ። ጐይታ ክንደይ ሳዕ እዩ "ብኣምላኽ እመኑ። ብኣምላኽ እመን ብኣይ እውን እመን!'" እንክብል ዝመዓደ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ትእዛዝ ጐይታ ዝፍጽሙን ንርእሶም – ብዘይ ጭንቀት ወይ ብዘይግቡእ ስክፍታ – ኣብቲ ምስጢራዊ ስራሕ፣ ኢየሱስ ንቤተ ክርስቲያኑ ዝገበሮ ዘይርአ ግን ከኣ ርጉጽ ሓገዝ ክውከል ኣለዎ። ዘይጽምሉ ወይ ዘይሓልፍ ምጽባይ ኣይኰነን፣ ብንቑሕ ጸሎት ኢና እንጽበ። ኢየሱስ ባዕሉ ምሉእ ብምሉእ ስጕምቲ ምእንቲ ኺወስድ ከምዚ ዓይነት ኵነታት እዩ መሪጹልና። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እውን ብጸሎት ኪሕገዝ ኣለዎ።

ዓለም ብውግእን ብዓመጻን ትናወጽ ኣላ። ሰላም ኪወሃበና ንጸሊ። እምበኣር ምስ ጴጥሮስን ምእንቲ ጴጥሮስን ንጸሊ። ንሕና እውን ብኣኦም ኣብ እምነት ጸኒዕና ኣብቲ ነቲ ቁስሊ ደቂ ሰብ ናቱ ገይሩ ካብ ዕጸ መስቀል ዝነገሰ ክንውከል ንመሃር፣ እንክብል ኣንድረያ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝም።

(Andrea Tornielli)

09 May 2025, 16:47