ካርዲናል ማምበርቲ: ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብኹሉ ሓይሎም ንተልእኾኦም እሙን!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ብፍቕሪ ጐይታ እተተንከፉ፣ ካሳብ መወዳታ ንተልእኾኦም እሙን ዝነበሩ፣ እንክብሉ፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 21፡ 1 – 19 ዝተወስደ ብዛዕባ እቲ ካብ ሞት ዝተንሰኤ ጎይታ ምስ ገሊኦም ሃዋርያት ኣብ ባሕሪ ገሊላ ኸም እተራኸበ፣ ንጴጥሮስ ዝህቦ ሕድሪ ኸምኡውን "ስዓበኒ" ዝብል ትእዛዙን ዘዘንትው መሰረት ገይሮም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣
ናይ ወንጌል ሓሴት ምእዋጅ
ካርዲናል ማምበርቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል ብፍላይ ነታ ካብ ዕለት 7 ግንቦት ኣትሒዛ እግዚኣብሔር ሓድሽ ተኻኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ክህበና እትጽሊ ዘላ ቤተ - ክርስትያን ግቡእ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ ኣብ ርእሲ እዚ ካብ ግብረ ሓዋርያት ምዕ. 5፣ 27 – 32፣ 40 – 41 ዝተስደ ቀዳማይ ምንባብ። ጴጥሮስን ካልኦትን "ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዝግባእ” ዝበልዎ ቃል መሰረት ገይሮም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ በዘን ቃላት እዚኣተን ኣቢሎም፣ ነቶም ሓያላት ብኸመይ ከም ዘጠንቀቕዎምን ንዅሎም ደቅሰባት ናይ ወንጌል ሓሴትን ናይ ኣቦ ምሕረትን ክርቶስ መድሕንን ከም ዝኣወጁ ዘኪሮም፣
"ብትምህርትታቶምን ብመገሻታታቶምን ብመርሓ ፍጻሜታቶምን ብኣነባብራኦምን ኣቢሎም ነዚ ዘበሰሩ እዮም፣ . . . ተባዕ ክሳዕ መወዳእታ ህይወቶም ንህዝቢ ኣምላኽ ንምግልጋል ድሕር ዘይበሉ!
እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ጴጥሮስ ትሑት ፍቕሪ
ካርዲናል ማምበርቲ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16፣ “ኢየሱስ በታ ስምዖን ክህቦ ኣኽእሎቱ ብዝኾነ ፍቕሪ ይዓግብ . . . ዝበለዎ ጠቒሶም፣ ኣተሓሒዞም እዚ መለኮታዊ ምርዳእ እዚ እዩ ነቲ ጥልመት ዜምጽኦ ስቓይ ዚፈልጥ ወደ መዝሙር ተስፋ ዚህቦ። ካብታ ህሞት እቲኣ ኣትሒዙ ጴጥሮስ "ንድኽመቱ ኣጸቢቑ እናፈለጠ" ንጐይታ ሰዓበ . . . ቢሎም ኣስዒቦም ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ር.ሊ.ጵጵስናኦም፣ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ልበይ ነቲ ኣብ መንጎ ኢየሱስን ጴጥሮስን እተገብረ ዘተ እዝክር” ከም ዝበሉ ድማ ዘኪሮም፣ እዚ እውን ይብሉ ካርዲናል ማምበርቲ ወሲኾም፣ ተልእኾ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኢየሱስ ኣብ ምፍቃር ዝጸንዓ ተልእኾ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
እቲ ኣገዳሲ ሸነኽ ኣምልኾ
ካብ ራእይ ዮሓንስ ምዕ. 5፡ 11 – 14 ዝተወስደ ካልኣይ ምንበብ መሰረት ገይሮም ድማ፣ “እቲ እተሐርደ ገንሸል፡ ንሱ ስልጣንን ሃብትን ጥበብን ሓይልን ክብርን ግርማን ውዳሴን ኪወስድ ብቑዕ እዩ” ዝብል ጥቕሲ ብፍሉይ ኣስሚሮም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ስግደትን ኣምልኾን ኣገዳሲ ናይ ቤተክርስቲያን ኩላዊ ተልእኾን ህይወት ምእመናንን እዩ" ብምባል ብዙሕ ግዜ ኣጕሊሖም ኢዮም። ፍራንቸስኮ ኣብ 2024 ዓ.ም. ኣብ በዓለ ግልጸት ኣብ ዘስሞዎ ስብከት፣ “ናይ ኣምልኾን ስግደትን ልምዲ ኣጥፊና፣ ናይ ምምላኽ ክእለት እውን ኣጥፊና ዘሎና ንመስል - ቢሎም - ጽባቐ ጸሎትን ኣምልኾን ዳግማይ ክንረክብ ይግባእ እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ መደምደምታ ካርዲናል ማምበርቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያን ጠበቓ ሮማውያን ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ፊት 126 ሳዕ ተረኺቦም ዘቕረብዎ ጸሎትን ነቲ ቅዱስ ምስሊ እናጠመቱ ድማ ንዅሉ ነገራት ብኸመይ ከም ዝፈጸምዎ ዘኪሮም፣ "ሕጂ ኣብ ጥቓ እቲ ዝፈትውዎ ቅዱስ ምስሊ ቅርያቶም ከም ዝዓረፈ ኣዘኻኺሮም ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።