MAP

2025.05.01 ካርዲናል ፈርናንደዝ፦ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዘይሕለል ሰራሕተይና እዮም ነይሮም 2025.05.01 ካርዲናል ፈርናንደዝ፦ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዘይሕለል ሰራሕተይና እዮም ነይሮም  (@Vatican Media)

ካርዲናል ፈርናንደዝ፦ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዘይሕለል ሰራሕተይና እዮም ነይሮም

ካርዲናል ፈርናንደዝ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ዕለት 1 ግንቦት መዓልቲ ሰራሕተይናታት ዝወዓለ ሻድሻይ መዓልቲ ታስዕቲ ጸሎትን ሓዘንን ምእንቲ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ዘስምዕዎ ስብከት፣ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ስራሕ ክብሪ ዝሃብሉ ኣተኩሮ የስተንትኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቫቲካን ከም ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ዕለት 1 ግንቦት ህዝባዊ በዓል ብምዃኑ ጉባኤ ካርዲናላት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመርጽ ዕጽው ጉባኤ ንምድላይ ዘካይዶ ዝነበረ ተኸታታሊ ሓፈሻዊ ኣኼባ ጉባኤ ካርዲናላት ከም ዘየካየደ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣባላት ጉባኤ ካርዲናላት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንሻድሻይ መዓልቲ ታስዕቲ ጸሎትን ሓዘንን ምእንቲ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝሓበሩን፣ ነቲ ቅዳሴ ዝመርሑ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቀድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ልሂቅ ህየንተ ኣርጀንቲናዊ ናይ ቀረባ ዓርኪ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኾኑ ካርዲናል ቪክቶር ማኑኤል ፈርናንደዝ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብታ ዝዓረፉላ ዕለት ኣትሒዞም "ምስ ክርስቶስ ኣብ ምሉእ ሓድነት ይርከቡ” እንክልብሉ ከም ዘበገሱ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ክብሪ ብስራሕ

ዕለት 1 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተይናታት እውን ምዃኑ ካርዲናል ፈርናንደዝ ኣስሚሮም፣ ንነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ “ስራሕ ክብሪ ወዲ ሰብ ዝገልጽን ዘደልድልን እዩ፣ ዓቕምታትና ከነማዕብል የኽእለና፣ ኣብ ርክባትና ክንዓቢ ይሕግዘና፣ ነዛ ዓለም ኣብ ምሕብሓብን ምምሕያሽን ተሓባበርቲ ኣምላኽ ምዃንና ብዕምቆት ክስምዓና የኽእለና” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ካርዲናል ፈርናንደዝ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ኣዘኻኺሮም፣ ሰብኣዊ ክብሪ ምድንፋዕ ማለት ሰባት “ኣብ ውሽጦም ዘሎ ኩሉ ሰናይ ከማዕብሉ፣ በቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ህያባት ኣቢሎም መነባብሮኦም ከካይዱ፣ ዓቕሞም ከማዕብሉ” ምኽኣል ማለት እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

'ብቕዓታዊ - መረጻ’ ዝብል ናይ ሓሶት ሓሳብ

ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ልዕሊ ብቕዓታዊ መረጻ (ስልጣነ - ብቕዓት) ዘቕረብዎ ነቐፌታ ዘኪሮም፣ እዚ ድማ “ኣብ ህይወት፣ ዝዕወቱ ሰባት ጥራይ እዮም ብቕዓት ዘለዎም ቢልካ ናብ ምሕሳብ” ዝመርሕ ምዃኑ ግምት ብምሃብ ዝቕረብዎ ነቐፌታ ምዃኑ ኣብሪሆም፣ ኣብ ቡኤኖስ ኣየርስ ዝፈልጦም ሓደ ኣቦ ኣብ መዓልቲ ካብ 12 ክሳብ 15 ሰዓታት ዝሰርሕ፣ ደቁ ንምምጋብ እኹል ገንዘብ ምእንቲ ክረክብ ከይርእዮም ዝመረጸ - ንጎሆ ደቁ ብድቃሶም ናብ ስራሕ ዝወፍርን ምሸት ድማ ምስ ደቀሱ ናብ ቤት ዝምለስን ዝነበረ። ሓደ ጽቡቕ ዝተኸድነ ሓላፊ መገዲ ነቶም ኣብ ጎደና ዝነበሩ “ኣቱም ሰነፋት ኪዱ ስርሑ” እንክብል ዓው ኢሉ ብንዕቐት ክዛረቦም እንክሎ ዝራኣይዎ ታሪኽ ዘኪሮም፣ "እዘን ቃላት እዚኣተን ኣዚየን ከም ዝተንከፈኦም ገሊጾም፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ብዘስካሕክሕ ደረጃ ዝትንልፍፉ ከንቱ ዝኾና ቃላት እውን ኣብ ካልእ ዝያዳ ውቁብ መደረታት እውን ክትሰምዖ ዝከኣል እዩ . . .

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓለም፣ “ብዙሕ ንብረት ዝወረሰ ሰብ ካብቲ ምሉእ ዕድሚኡ ቅሙጥ ንብረት ክህልዎ እውን ዘይከኣለ ኣበርቲዑ ዝሰርሐ ሰብ ዝያዳ ዝበቕዕ ተባህሊ ዝገለጸሉ እዩ፣ . . . ድኹማት ከማና ክብሪ የብሎምን ድዩ? እቶም ውሑድ ዕድላት ሒዞም ዝተወልዱ ንኽነብሩ ሓርኮትኮት ክብሉ ጥራይ ኣለዎም ማለት ድዩ?" ዝብል ሕቶታት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍራንቸስኮ ዘይሕለል ሰራሕተይና

ኣስዒቦም ካርዲናል ፈርናንደዝ ንር.ሊ.ጳ. “ንግሆ ንግሆ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ኣኼባታትን ምስ በጻሕትን፡ በዓላትን ኣብ ርክባትን ዘይቦክሩ . . . ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ምቁራጽ ይሰርሑ ከም ዝነበሩ ዘኪሮም፣ ቅድሚ ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዮም ኣርባዕተ መዓልቲ፣ ናብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ክበጽሑ ተራእዮም እዮም . . . ቅዱስ ኣቦና ሳሕቲ እዮም ዘዕርፉ ዝነበሩ። ድሮ ኣብ ቡኤኖስ ኣየርስ ዝነበሮም ባህርይ ድማ እዩ፣ “ናብ ቤት መግቢ፡ ናብ ትያትር፣ ንኽዛወሩ ወይ ፊልም ክርእዩ ወጺኦም ኣይፈልጡን፣ ምሉእ መዓልቲ ዕረፍቲ ወሲዶም ኣይፈልጡን . . .  “መዓልታዊ ስርሖም ንፍቕሪ ኣምላኽ ዘቕርብዎ ናይ ፍቕሪ መልሲ ገይሮም እዮም ዝነብርዎ ዝነበሩ” እንክብሉ ከም ዝዘከርዎም ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ ቅዱስ ዮሴፍ ዝውከፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ኣባላት ኩርያን ንዓና እውን ኣብ ኩርያ እንሰርሕ፣ ከም ክርስትያን መጠን ስራሕ ናይ ብስለትን ምልኣትን መንገዲ እዩ - ምስ በሉ - ኣብ መደምደምታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝጭነቑሉ እዋን ድዩ ሓደ ብርቱዕ ጉዳይ ከጋጥሞም እንከሎ “ኣብ ትሕቲ ቅዱስ ምስሊ እቲ ንማርያምን ኢየሱስን ንምሕብሓብ ኣዚዩ ዝጸዓረ ቅዱስ ቅዱስ ዮሴፍ ልመና ዝሓዘ ወረቐት የቐምጡ” ከም  ዝነበሩ ዘኪሮም፣ ሕጂ ንፍቑር ነፍሰሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መንግስተ ሰማይ ሕቕፎኡ ክጽግወም ንለምን” ከም ዝበሉ ዜናቭ ኣቲካን ኣፍሊጡ።

02 May 2025, 17:20