ካርዲናል ፈርናንደዝ ኣርቲመ፡ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዓለም ንምንቃሕ ዝቐረበ ጻውዒት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካርዲናል ኣንኸል ፈርናንደዝ ኣርቲመ፡ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንሻምናይ መዓልቲ ታስዕቲ ጸሎትን ሓዘንን ምእንቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ግንቦት ምሸት ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፣ ብዛዕባ ኣብ ፍቕሪ ሱር ዝሰደደ ሓድሽ መነባብሮ፣ ነቲ ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ትንሳኤ ክርስቶስ ክምስክሩ ዝነበርዎ ሓጎስን ኣግራሞት ዘንጸባርቕ እዩ። እዚ ኣብነት እዚ እዩ ኩሎም ዝተጠመቑን ብፍላይ ድማ እቶም ጸዋዕታ ሰብ ውፉይ ህይወት ዝሓቁፉን ኣብታ ሎሚ “ምስ ጐይታ ክትራኸብ ኣዝያ ዘድልያ” ዓለም ክስዕብዎ ዘለዎም . . . ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ተሳትፎ ሰብ ውፉይ ህይወት፣ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን
ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ማሕበር ደናግል ንግስተ ሓዋርያት ጠቕላሊት ሓለቓን ናይ መላእ ማሕበራት ደናግል ላዕለዎት ኣሕሉቕ ዝሓቁፍ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር (UISG) ኣደ መንበር እናቴ መሪ ባሮን ንኣባላት ማሕበራት ደናግል ወኪለን ኣብ ዘስመዖኦ መደረ፣ ፍራንቸስኮ፣ "ትሑት፡ ርህሩህ ጓሳ፡ ደረት ኣልቦ ፍቕሪ ዝመልኦም" ከም ዝነበሩ ገሊጸን፡ “ተኣፋፍነት” ከም “ደረት” ዘይኮነስ ከም ምንጪ "ጸጋ" ክትሓቁፍ ከም እትኽእል ዘዘኻኸሩን ንደናግል ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት “ከም ክርስቶስ ተንበርኪኹ እግሪ ደቀ መዛሙርቱ ዝሃጸበ - ብትሕትና ከገልግላ ዘቕርብዎ ዝነበረ ጻውዒት ኣቃሊሐን፣ ፍራንቸስኮ ንደናግል ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ብኸመይ ይቕበሉን ዋጋ ይህቡን ከም ዝነበሩ ድማ ዘኪረን ምስጋና ከም ዘቕረባን “ኣብ ጉዕዞ ሲኖዶስ ንጡፋት ተሳተፍቲ” እውን ምዃነን ዘኪረን፣ “ነቲ ተልእኾ ንቕድሚት ከነስጉሞ ቃል ንኣቱ” ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን የመላክት።
ካብ ልማዳዊ ኣነባብራ ንምርሓቕ ዘተባብዑ
ቀጺሎም ናይ መላእ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ማሕበራት ዝሓቁፍ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ኣባ ማሪዮ ዛኖቲ፣ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ “ሰብኣውነትን ክርስቲያናዊ ሰብኣውነት ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወርሻ ምዃኑ ገሊጾም፣ ንቤተ ክርስቲያን “ካብ ርግጸይናነትን ብሃይውኖታውነት ዝተኸድነ ልምድታትን” ዝፈታተን ሓያል ቃላት “ዘቕረቡን” . . . ብወንጌላዊ ጽንዓት ምስ ቅዱሳት መጻሕፍትን ምስቲ መንፈስ ቅዱስ ዝሃቦ ናይ ነፍሲ ወከፍ ማሕበራት መንፈሳዊ ጸጋ ምትእስሳር ክህሉ ዝጸውዑን ድኽነት ከም ትንቢታዊ ምልክት ኣንጻር ስልጣንን ሃብትን ዘጒሉሑን ምዃኖም ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ርክብ ምስ ጎይታ ምድንፋዕ
“ስለ ምዉታት ምጽላይ እቲ ዝዓበየ ናይ ፍቕሪ ስራሕ እዩ” ናይ ቅዱስ ኣልፎንሶ ማርያ ደ ሊጉዎሪ ቃላት ኣቢሎም ስብከቶም ዘበገሱ ካርዲናል ፈርናንደዝ ኣርቲመ፣ ካብ ቅዱስ ዮሓንስ ማርያም ቪያኒ ዝተወስደ ቃል ወሲኾም፣ “ስለ ምዉታት ምጽላይ ነቶም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልየ ፍቕርካ ምግላጽ ማለት እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ብዛዕባ እቲ ካብ ሞት ዝተንሰአ ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ ከም ብሓድሽ ከም እተገልጸሎም ዘዘንትው ካብ ወንጌል ዮሓንስ ዝተወስደ ምንባብ መሰረት ገይሮም፣ ህላወ ካብ ሞት ዝተንሰአ ክርስቶስ ንህይወት “ቀጻሊ በዓል” ይገብሮ ዝብል ቅዱስ ኣታናሲዩዝ ዝበሎ ጠቒሶም፣ እዚ ብርሃን ለውጢ እዚ እዩ ንደቀ መዛሙርቲ ብዘይ ፍርሒ “ንማእሰርትን ኣሳዶን ክገጥሙ ዘኽኣሎም - ቢሎም - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሓደ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣
ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ብትብዓት ክምስክሩ ሓይሊ ካበይ ረኺቦም ኢለ ንርእሰይ እሓትት? እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ቅድሚ ዕንቅፋታትን ዓመጽን ወንጌል ንምእዋጅ ሓጐስን ትብዓትን ካበይ ረኺቦም?” እቲ መልሲ ንጹር እዩ፡ ነዚ ከረድእ ዝኽእል ህላወ ትንሳኤ ጎይታን ተግባር መንፈስ ቅዱስን ጥራይ እዩ። እምነቶም ካብ ሓያልን ውልቃውን ተመክሮ ኣብቲ ዝተሰቕለን ዝተንስኤን ክርስቶስ ዝተሰረተ ስለ ዝነበረ፡ ሎሚ እውን ልክዕ ከምቲ ሽዑ ዝነበሩ፣ ናይ ሎሚ ሰባት እውን ምስ ጎይታን ምስ ናይ ድሕነት መልእኽቱን ክራኸቡ ዓሚቕ ድሌት ኣለዎም "
እክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ከም ዝጠቐሱ የመላኽት።
ፍቕሪ ክርስቶስ
ቀጺሎም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2000 ዓ.ም. ኣብ ዝነበረ ዓመት ኢዮቤል ኣብቲ ንኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ዝተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል፣ ውፉይ ህይወት “ንብዘሎ ህዝቢ ክርስትያን ትንቢታዊ ህላወ እዩ፥ እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዘኪሮም፣ ኣብ ኩሉ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት፣ ብዘይ ዕቃበ፣ “ብስም ክርስቶስ፣ ንኣገልግሎት ድኻታትን ንዝተነገለሉን ንዝስደዱን ቀረባ ብምኻን ዝንበር ህይወት እዩ ቢሎም፣ ኩሎም ዝተጠመቑ ሰባት ናይ እግዚኣብሄር መሰኻኽር ክኾኑ ዝተጸውዑ ክኾኑ እንከለዉ፡ ጻውዒት ደቀ መዛሙርቲ ድማ እግዚኣብሔር ማእከል ዝገበረ ህይወት ዝነብሩ እያቶም ቢሎም፣
“እዚ ተልእኾ እዚ ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም እግዚኣብሔር ትኩረት ዘይወሃቦ ወይ ብቐሊሉ ዝዝንጋዕን ኣብ ዝመስለሉ ዘሎ እዋን ህጹጽ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን፥ “ብጀካ ፍቕሪ ክርስቶስ ካልእ ዋላ ሓንቲ ኣይምረጹ” ዝብል ለበዋ ቅዱስ በነዲክቶ ብምስዓብ!
ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ህላወ ኣብ ጽንኩር ህሞታት
በነዲክቶስ መበል 16፥ ውፉይ ህይወት ልክዕ ከምቶም "ነቲ ድሮ ኣብ ታሪኽና ዘሎ ሓድሽ ህይወት ዘስተውዕልን ዘበስርን መጋበርያ" ክኸውን ኣለዎ ዝበልዎ ብምዝኽካር፣ ሰብ ውፉይ ህይወት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን “ተኣማንነትን ብርሃንን ምልክታት ወንጌል” ክኾኑ ኣለዎም፣ ምስ ኣተሓሳስባ ዓለም ዝሰማምዑ ዘይኮነስ፣ ተወፋይነቶም ብቐጻሊ ዘሐድሱ። ዋላ’ውን ኩሉ ዝጠፍአን ዝፈሸለን ኣብ ዝመስለሉ እዋን፡ ናብቶም ናይ ጎይታ ምዃኑ ዘለለዩ ብሓጐስ ናይ ዝተመልኡ ደቀ መዛሙርቲ ህይወት ዝምስክሩ ክኾኑ ኣለዎም፣
“በዚ ኣገላልጻ እዚ፡ ሓጐስን ምግራምን እምነት ፋሲካ ንረክብ፡ እዚ ድማ ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ ልቢ ደቀ መዛሙርቲ ዝነበረ ምድንጋርን ተስፋ ምቑራጽን ረዳኢ ዘይብሉ ምስ ዝመስል ስምዒትን ኣዝዩ ዝጻረር እዩ። ህላወ ካብ ሞት ዝተንስአ ጎይታ ጥራይ እዩ ንኹሉ ዝቕይሮ፡ ጸልማት ብብርሃን ይሰዓር፤ ፍረ ዘይብሉ ስራሕ ከም ብሓድሽ ፍርያም ይኸውን፤ ድኻምን ምጥንጣንን ንሓድሽ ጸዓትን ንሱ ምሳና ከም ዘሎ ንርግጸይናነት ቦታ ይህብ . . .
ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ዓለም ምንቃሕ
ኣብ መደምደምታ ስብከቶም ካርዲናል ፈርናንደዝ ኣርቲመ፣ ደጊሞም ንር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ጠቒሶም፣ ኣብ ዓመት ሰብ ውፉይ ህይወት (2015 – 2016 ዓ.ም.)፣ ሰብ ውፉይ ህይወት፣ “ንዓለም ከንቅሑ” ዝዕደሙ፣ ኣብ ናይ ሎሚ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብፍላይ ድማ ኣብቶም ድኻታት፣ ዝተረሰዑ፣ ዝተገለሉ፣ “ኣብኦም ዘሎ” ክርስቶስ ከለልዩ ዝኽእሉ ክኾኑ ኣለዎም ቢሎም፣
"ማርያም ኣደ ቤተ ክርስቲያን፡ ሎሚ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕና፡ እቲ ካብ ሞት ዝተንሰኤ ጎይታ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምስና ስለ ዘሎ፣ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕና ብተስፋ ዝነብሩ ብምዃን ልኡካን መሰኻክር ወዳ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክንከውን ንኹላትና ጸጋ ተውህበና፣ ኣሜን!
ዝብል ጸሎት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።