MAP

ር.ሊ.ጳ. ሊዮነ መበል 14 ር.ሊ.ጳ. ሊዮነ መበል 14  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ሊዮነ መበል 14

ዕለት 8 ግንቦት ሰዓት 16፡45 ደቓይቕ ኣብ ዝተኻየደ ኣብ ካልኣይ ውዕሎ ዕጹው ጉባኤ መረጽቲ ካርዲናላት ኣብ ዘካየድዎ ድምጺ ናይ ምሃብ ስነ ስርዓት ሓድሽ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዝመረጹ ልክዕ ሰዓት 18፡00 ዝተፈነወ ጻዕዳ ትኪ ከም ዘረጋገጸን፣ እንሆ ድማ ቀዳሜ ዲያቆም ካርዲናል ማምበርቲ ካብ ማእከል ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ር.ሊ.ጳ. ረኺብና እንክብሉ ንመላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣበሲሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ሰላም ምስ ኩላትኩም ይኹን!" - ቀዳሞት ቃላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮነ መበል 14። ዕጹው ጉባኤ ካርዲናላት ንሮበርት ፍራንሲስ ካርዲናል ፕረቮስት መበል 267 ጳጳስ ሮማ ክኾኑ መሪጾም። ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ዝጽበዩ ዝነበሩ ህዝቢ ብካርዲናል ቀዳሜ ዲያቆን ዶሚኒክ ማምበርቲ ሓድሽ ር.ሊ.ጳጳሳት

ሓጎስ እበስረኩም ኣለኹ፤

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣለዉና።

ሓድሽ ናይ ቅድስቲ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ር.ሊ.ጳ. ንኽኾኑ ዝተመርጹ ካርዲናል ሮበርት ፕሮቮስት ናይ ር.ሊ.ጵጵስና መጸውዕ ስሞም ሊዮነ መበል 14 ክኸውን ድማ መሪጾም ኣለዉ።

ር.ሊ.ጳ. ሊዮነ መበል 14 - ካልኣይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ኣሜሪካ

ቀዳማይ ኣባል ማሕበር ኣጎስቲኒያኑም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሮበርት ፕረቮስት - ሕጂ ሊዮነ መበል 14 - ድሕሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ካብ ኣሜሪካ ዝመጹ ካልኣይ ናይ ሮማ ጳጳስ እዮም። 

08 May 2025, 21:10