MAP

2025.05.08 ታሪኽ ህይወት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14፡ ሮበርት ፍራንሲስ ፕሪቮስት 2025.05.08 ታሪኽ ህይወት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14፡ ሮበርት ፍራንሲስ ፕሪቮስት   (@Vatican Media)

ታሪኽ ህይወት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14፡ ሮበርት ፍራንሲስ ፕሪቮስት

ካርዲናል ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኰይኖም ቕድሚ ምምራጾም፣ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ጳጳሳት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኮይኖም ከገልግሉ ጸንሑ። ካብዚ ብምቕጻል ታሪኽ ህይወት ናይቶም መበል 267 ጳጳስ ሮማ ኮይኖም ተመሪጾም ዘለዉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቕርበልኩም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ሊዮን መበል 14 ፋልማይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ማሕበር ካህናት ኣጐስጢኖሳውያን ዝመጹ ኮይኖም፣ ድሕሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከኣ ካልኣይ ካብ ክፍሊ ዓለም ኣመሪካ ዝመጹ ናይ ሮማ ጳጳስ ኢዮም። ይኹን እምበር እዞም ወዲ 69 ዓመት ዝዕድሚኦም ሮበርት ፍራንሲስ ፕሪቮስት፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ካህናት ኣጐስጢኖሳውያን ኮይኖም ንኽልተ ተኸታታሊ ግዜያት ቅድሚ ምምራጾም፣ ናብ ሃገረ ፔሩ ተላኢኾም ኣብ ተልኾ ስብከተ ወንጌል ዘገልገሉ ኢዮም።

እቶም ቀዳማይ ኣጎስጢኖሳዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

እዞም ሓድሽ ናይ ሮማ ጳጳስ ብዕለት 14 መስከረም 1955፣ ኣብ ቺካጎ ኢልዮንስ ካብ ፈረሳዉን ኢጣልያውን መበቆል ዘለዎም ሉዊ ማሪየስ ፕረቮስትን ከምኡውን ካብ እስጳይናዊ መበቆል ዘለዋ ሚልድረድ ማርቲነዝ ተወልዱ ። ሉዊ ማርቲንን፡ ጆን ጆሴፍን ዚበሃሉ ኽልተ ኣሕዋት እውን ኣለውዎም።

ግዜ ህጻንነቶምን ጉብዝናኦምን ምስ ስድራቤቶም ድሕሪ ምሕላፍ፣  ንፈለማ ግዜ ናብ ንኡስ ዘርኣ ክህነት ማሕበር ካህናት ኣጐስጢኖሳውያን ኣተዉ፣ ብድሕሪ እዚ ከኣ፣ ብ1977 ዓ.ም. ኣብቲ ኣብ ፐንሲልቫኒያ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ሥነ ቀመርን ፍልስፍናን ተማሂሮም ናይ መጀመርያ መዓርግ ረኸቡ።

ፕረቮስት ብዕለት 1 መስከረም ናይታ ዓመት እቲኣ፣ ኣብታ ኣብ ክፍለ ሃገር ሰንት ሉዊስ ዝርከብ ማሕበር ካህናት ኣጐስጢኖሳውያን ዞባዊ ማሕበር ቅድስተ ማርያም ዘሰናይ ምክር ኣብ ተመኵሮ ኣተዉ፣ ኣባኡ ድማ ቀዳማይ መብጽዓ ሰብውፉይ ሕይወት ብዕለት 2 መስከረም 1978 ፈጸሙ። ብዕለት 29 ነሓሰ 1981 ድማ ብዓቢይ መብጽዓ ብምአፋይ ምሉእ ኣባል ማሕበር ካህናት ኣጐስጢኖሳውያን ኮኑ።

እቶም ናይ መጻኢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ፕረቮስት፡  ኣብቲ ኣብ ከተማ ቺካጎ ዝርከብ ካቶሊካዊ ተቕዋም ሥነ መለኮት ብምእታው፣ ናይ ቲዮሎጊያ ትምህርቲ ተኸታተሉ። ወዲ 27 ዓመት ምስ ኰኑ፣ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኲኖ (ኣንጀሊኩም) ሕገ ቀኖና ቤተክርስቲያን ከጽንዑ በቶም ላዕለዎት ኣሕሉቖም ተላእኩ።

ብዕለት 19 ሰነ 1982 ኣብ ሮማ በቶም ህየንተ ኣቦ-መንበር ናይቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ቤት ጽሕፈት ንዘይክርስቲያናዊ ማሕበረሰብ ዝነበረ፣ ድሒሩ ድማ ጳጳሳዊት ቤት ምኽሪ ናይቲ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ዝግበር ዝርርባት እተሰምየ ዝነበሩ፣ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ዣን ጃዶት ኣብ ገዳም ደብረ ቅድስቲ ሞኒካ ዝተሰምየ ተቕዋም ማሕበር ኣጐስጢኖሳውያን መዓርገ ክህነት ተቐበሉ።

ፕሪቮስት ብ1984 ካልኣይ መዓርግ ትምህርቶም ረኽቡ ከምኡውን ንዓመታኡ ናይ ሊቅነት መዓርግ ንምቕባል ዘድሊ ክልሰ-ሓሳባዊ ጽሑፎም ንምድላው፣ ናብቲ ኣጐስጢኖሳውያን ልኡካነ ወንጌል ዝርከቡሉ ኣብ ቹሉካናስ ፒዩራ ፔሩ ዝርከብ ማሕበሮም (1985-1986) ተላእኩ። ብ1987 ነቲ ንሊቕነት ዘሰናድዉዎ ዝነበሩ ክልሰ ሓሳባዊ ጽሑፎም ብዛዕባ "ተራ ዞባዊ ሓለቓ ማሕበር ኣብ ማሕበር ቅዱስ ኣጐስጢኖስ" ብምስንዳው ናይ ሊቅነት መዓርጐም ጨበጡ፣ ኣባኡ ድማ ኣወሃሃዲ ሥነ መዕበያን ከምኡ ውን ኣሃሃዲ ናይቲ ኣጐስጢኖሳዊ ክፍሊ ማሕበር “እግዝእትነ ዘሰናይ ምክር” ዝተሰምየ ዞባ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ኮይኖም፣ ኣብ ኦሊምፒአ ፊልድስ ኢሊኖይስ (ሕ.መ.ኣ.) ኣገልገሉ።

ተልኾ ስብከተ ወንጌል ኣብ ፔሩ

ንዓመታኡ ኣብቲ ኣብ ፔሩ ትሩኺዮ ዝርከብ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ተጸምበሩ፣ ከም ኣወሃሃዲ ናይቲ ካብ ሰበኻ ጉባኤ ቹሉካናስ፡ ኢኲቶስ፡ ከምኡውን ኣፑሪማክ ዝመጹ ናይ ምሕበር ኣጎስጢኖሳውያን ተመከርቲ ብሕብረት ዝካየድ ዝነበረ ውጥን ከካይዱ ጀመሩ።

ንኣስታት 11 ዓመታት ዝኣክል ድማ ከም ሓለቓ ናይ ማሕበር ኮይኖም ኣገልገሉ (1988–1992)፣ ከም ኣወሃሃዲ ስነ መዕበያን (1988–1998)፣ ከምኡ ውን ከም መምህረ ገዳምን (1992–1998)፣ ስዒቡ ድማ ኣብ ሰበኻ ጉባኤ ትሩሂሎ ከም ዳይና መንፈሳዊ ቤትፍርዲ (1989–1998) ከምኡውን መምህር ሕገ ቀኖናን፡ ሥነ ኣበውን፡ ግብረ ገብነትን ኮይኖም ኣብቲ "ቅዱስ ካርሎስን ቅዱስ ማርሰሎን" እተሰምየ ዓበይቲ ዘርኣ ክህነት ኣገልገሉ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብታ ደሓር ደብረ ቅድስቲ ሪታ እተሰምየት ቁምስና፣  ኣብ ሓደ ድኻ ኸተማ እትርከብ ዝነበረት ቤተክርስቲያን ቅድስተ ማርያም ኣደ ቤተ-ክርስትያን ናይ ሓዋርያዊ ጉስነት ተልእኾ ተዋህቦም (1988-1999)። ካብ 1992 ክሳዕ 1999 ድማ ቆሞስ ደብረ ቅድስተ ማርያም ዘሞንሰራት ኮይኖም ኣገልገሉ።

ብ1999 ኣብቲ ኣብ ቺካጎ ዝርከብ ክፍለ ማሕበር ኣጐስጢኖሳውያን "ኣደ ጽቡቕ ምኽሪ" ዝተሰምየ ዞባዊ ሓለቓ ኮይኖም ተመርጹ፣ ድሕሪ ኽልተ ዓመትን መንፈቕን ከኣ ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበር ኣጐስጢኖሳውያን፣  ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበርን ኮይኖም ከገልግሉ ተመርጹ፣ ብ2007 ድማ ንኻልኣይ ግዜ ተመርጹ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ናብቲ ኣብ ቺካጎ ዝርከብ ዞባዊ ማሕበር ኣጐስጢኖሳውያን ተመልሱ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዕለት 3 ሕዳር 2014 ክሳብ ናብ ሮማ ዝጽውዕዎም፣ አወሃሃዲ ሥነ መዕበያ ኣብ ገዳም ቅዱስ ኣጐስጢኖስ፣ ቀዳማይ ኣማኻሪን፣ ምኽትል ሓለቓ ዞባዊ ማሕበርን ዝኣመሰሉ መዝነታት ተቐቢሎም ኣገልገሉ።

ብዕለት 7 ሕዳር ብመርሕነት ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መበር ዝነብሩ ብፁዕ ኣቡነ ጄይምስ ፓትሪክ፣ እቶም ቅድሚ ወርሒ ኣቢሎም ኣብ ሲመተ ጵጵስና ዘደየብዎም፣ ናብ ሰበኻኦም ኣተዉ፣ ብዕለት 7 ሕዳር ኣብ በዓለ ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ ድማ፣ ኣብ ካቴድራል ቅድስተ ማርያም ኣተዉ።

እቲ ናይ ኤጲስቆጶሳዊ ጭርሖኦም ድማ "ብሳላኡ ኵልና ሓደ ኢና" ዝብል ኰይኑ፣ ካብ ቃላት ቅዱስ ኣጐስጢኖስ እተውሰደ፣ ከምኡ ውን ኣብ መዝሙር 127 ዝርከብ ሓሳባት ዝገልጽን ኮይኑ ንሕና ክርስቲያን ብዙሓት ክነስና በቲ ሓደ ክርስቶስ ግና ሓደ ኢና ዝብል ነበረ።

ጳጳስ ቺክሊዮ ፔሩ ካብ 2015 ክሳዕ 2023

ብዕለት 26 መስከረም 2015 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ጳጳስ ቺክሊዮ ዀይኖም መንበሮም ተቐበሉ ። ኣብ ወርሒ መጋቢት 2018 ካልኣይ ምክትል ኣቦ መንበር ናይ ሃገረ ፔሩ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኮይኖም ተመርጹ፣ ኣብኡ ድማ ኣባል ቤት ምኽሪ ቝጠባን፣ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ባህልን ትምህርትን ኰይኖም ኣገልገሉ።

ብ2019 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣባል ቅዱስ ጉባኤ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ካህናት ዝሓሊ ማሕበር ክኾኑ መዘዝዎም (13 ሓምለ 2019)፣ ከምኡውን ብ2020 ዓ.ም. ኣባል ቅዱስ ጉባኤ ጳጳሳት (21 ሕዳር) ክኾኑ ውን ተምርጹ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ብዕለት 15 ሚያዝያ 2020 እውን ሓዋርያዊ ህየንተ ናይ ሰበኻ ካላኦ ፔሩ ዀይኖም ተሸሙ።

ምምሕዳር ኣቡናት

ብዕለት 30 ጥሪ 2023 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ጳጳሳት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ኣቦ መንበር ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ላቲን ኣመሪካ ኮይኖም ከገልግሉ ናብ ሮሜ ጸውዕዎም፣ በዚ ኸምዚ ድማ ናብ መዓርግ ሊቀ-ጳጳሳት ደየቡ።

ብ2024 ካርዲናል ተሾሙ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ዓመት እቲኣ፣ ብዕለት 30 መስከረም ንመዓርግ ካርዲናልነት መዘዝዎም፣ ናብ ዳያቆናዊ ደረጃ ካርዲናላት ቅድስቲ ሞኒካ ውን መደብዎም ። ብዕለት 28 ጥሪ 2024 ድማ ብወግዒ ስልጣኖም ተቐበሉ ።

ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ጳጳሳት ዝሃሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብምዃን ድማ ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዚ ቀረባ እዋና ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ጕዕዞታት ውን ተሳተፉ ከምኡውን ኣብቲ ካብ ዕለት 4 ክሳዕ ዕለት 29 ጥቅምቲ 2023 ከምኡውን ካብ ዕለት 2 ክሳዕ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2024፣ ኣብ እተኻየደ ስሩዕ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብዛዕባ ሲኖዳውነት ናይ መጀመርታን ካልኣይን ጉባኤታት ተኻፈሉ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ብዕለት 4 ጥቅምቲ 2023፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣባል ናይቶም ብዛዕባ ጉያት ኣንቀጽ እምነት ዝሓልን፡ ብዛዕባ ጉዳያት ምሥራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዝሓልን፣ ብዛዕባ ጉዳያት ካህናት ዝሓልን፣ ብዛዕባ ጉዳያት ሰብ ውፉይ ሕይወት ዝሓልን፣ ብዛዕባ ባህልን ትምህርትን ዝሓልን፣ ብዛዕባ ሕገ ቀኖናዊ ጽሑፋት ዝሓልን ላዕልዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣባልን፣ ከምኡ ውን ኣባል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምሕደራ ሃገረ ቫቲካንን ክኾኑ መዘዝዎም።

ኣብ መወዳእታ ብዕለት 6 ለካቲት ናይዛ ዓመት እዚኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ሥርዓት ጳጳሳት ደረጃ ካርዲናልነት ኣደየብዎም፣ ናይቲ ኣብ ጥቓ ከተማ ሮማ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን ኣልባኖ ካርዲናል ጳጳስ ውን ሰመይዎም።

ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ብዕለት 9 ለካቲት ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ  ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕረጉ፣ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ድማ ካልኣይ ዓብዪ ፍጻመ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ቅዱስ ዓመት ተስፋ እዩ ዝነበረ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ካርዲናል ፕረቮስ ዝነበሩ ኣብቲ ቅድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ኣብ ሆስፒታል "ጀመሊ" ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፣ ብዕለት 3 መጋቢት ምእንቲ ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተኻየደ ጸሎተ መቝጸርያ ውን መርሑ።

09 May 2025, 16:49