በርተሎሜዎስ ምስ ልዮን መበል 14 ተራኸቡ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ትማሊ ንግሆ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ብሕታዊ ርክብን ምልውዋጥ ህያባትን ብምክያድ ብዛዕባ ኣከባቢያዊ ሓባራዊ መብጽዓታት ኸም ዚህሉ ዝገልጽ ተስፋታን ከምኡውን ንመበል 1700 ዓመት ዝኽሪ ኢቁመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ንምምልካት እንደገና ኣብ ኒቅያ ንምርኻብ ዘለዎም ባህጊ ብልውዋጥ ሕውነታዊ ርክብ ኣካየዱ። ኣስዒቦም ድማ ኣብ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ግዜ ናብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ብምኻድ ብመዝሙራትን ጸሎትን ተሰንዮም ሕቝፊ ጻዕዳ ጽጌረዳ ብክብሪ ኣብ መቓብር በዓል ጥዑም ዝኽሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምንባር፣ ምስቶም "ፍቑር ዓርከይ" ቢሎም ይጽውዕዎም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ጕዕዞታትን ኣብ ሓባራዊ ኣገልግሎትን ኣገዳሲ እዋናት ከም ዝተኻፈሉ ውን ዘከሩ ። ፓትርያርክ ኮንስታንቲኖፓል ብፁዕ ወቅዱስ በርተሎሜዎስ ቀዳማዊ ኣብ ተረኺቦም ዝሓለፈ ሰንበት ንግሆ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንጽንል ዕለተ ሲመቶምን ወገዓዊ ምጅማር ኣገልግሎቶምን ንምምልካት ኣብ ዘዕርግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ተኻፊሎም ኢዮም። ትማሊ ንግሆ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ኣብ ሓዋርያዊ ህንጻ ቅድስቲ መንበር ተቐቢሎም ድማ ኣዘራረብዎም።
ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየድዎ ርክብ
ከምቲ ካብ ቤተክርስቲያን እቶም ኢቁመናዊ ፓትርያርክ ዝወጸ መግለጺ ዘመልከቶ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትርያርክ በርተሎሜዎስ ቀዳማዊ "ንሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ስለ ዕለተ ሲመቶም ብብሕቶም ተራኺቦም እንቋዕ ኣብጽሓኩም ክብሉ ሰናይ ምንዮቶም ገለጹሎም፣ ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ ድማ ኣብ መንጎ እዘን ኽልተ ኣብያተ-ክርስትያን ማለት ኣብ መንጎ ኦርቶዶክዊትን ካቶሊካዊትን ኣብያተ ክርስቲያን ከምኡውን ኣብ ማሕበራዊ ጕዳያትን ዘተኰረ ምትሕብባር ብቐጻሊ ስነ-መለኮታዊ ምይይጥ ምግባርን ምዕማቝን ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ። ንኣብነት ኣብ ዓለም ሰላም ንምስፋንን ምዕቃብን ነቶም ዝሳቐዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ምድጋፍ ከምኡውን ንባህርያዊ ኣከባቢ ምዕቋብ ዝኣመሰለ ጉዳያት ዘርዮም።" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ካብ ኣስተምህሮታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ዝተሰወጦም ኣብ ስብህ ኣንተ ዝተሰምየ ዓዋዲ መልእኽቶም ዘስፈርዎ፣ ጽኑዕ ሥልጣነ ኣስተምህሮቶምን ከምኡውን ንዓለም ለኻዊ መዓልቲ ፍጥረት ንምብዓል ካብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ዝጠቐሰዎ ፍረ ነገር ከም ምዃኑ ውን ዘከሩ።
ፓትርያርክ በርቶለሜዎስ ኣብቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዘካየድዎ ዝርርብ "ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዜና ዕረፍቶም ምስ ተሰምዓ፣ ዝመሓላለፍዎ ሕውነታዊ ናይ ምጽንናዕ መልእኽቲ ውን" ጠቒሶም ኢዮም። ኣብ ሚያዝያ 2016 ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በርግልዮ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ደሴት ለስቦስ ዝገበርዎ ጕዕዞ ብምዝካር ልዕሊ ዓሰርተ ኣኼባታት ከም ዘካየዱ ውን ዘከሩ ።
ዘተን ምትሕብባርን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እውን እንተ ዀኑ፣ ነቲ ፓትርያርክ ቍስጥንጥንያ ትማሊ ኣብቲ ንምጅማር ኣገልግሎቶም ኣብ ዝተገብረ ጽንብል ስለ ዝገብርዎ ተሳትፎ ምስጋናኦም ገለጹሎም፣ እቲ መግለጺ ከም ዘመልከቶ ድማ "ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያን ዝግበር ዝርርባትን ምትሕብባርን ምድንፋዕ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሖም ኢዮም " ይብል ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ልክዕ ከምቲ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ተወከልቲ መራኸቢ ብዙሓን ዓለም ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዝበልዎ "ኣብ ውሽጢ እዛ ዓመት እዚኣን፣ ኣብታ ኽትውስን ዘለዋ ዕለትን፣ ነቲ ንመበል 1700 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ናይ መጀመርታ ኢቍመናዊ ጉባኤ ኒቅያ ንምምልካት ናብ ቱርኪ ክበጽሑ ከም ዝደልዩ ውን ኣረጋገጹሎም።"
ህያባቶም ኣብ እተለዋወጡሉ እዋን ድማ ፓትርያርክ በርተሎሜዎስ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣይቆና ቅድስቲ ድንግል ማርያም መራሒተ ፍኖት፣ እዚ ኣይቆና እዚ ብፍላይ ኣብቲ ፈለስቲ ገዳም ደብረ ኣቶስ ዝቐብእዎ ቅብኣ ስእል እዩ። ልዮን መበል 14 ብወገኖም ድማ ሓደ ኣይቆና ናይ ጥምቀት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣወፈዩሎም።
ናብ ኒቅያ ቅበጽሑ ዘለዎም ባህጊ
"ኣብ ዓለም ሰላም ንምስፋን ምስ ኣብያተ-ክርስትያናት ኣብ ሓደ ጐዳና ኽንቅጽል ከም እንኽእል ብዓብዪ ዕግበት ርእየ ኢየ" ብምባል እቶም ኢቁመናዊ ፓትርያርክ ባዕሎም ቶም ኣብ ቅርዓት ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ዝነበሩ ጋዜጠይናታት ቲቪ2000 ክብሉ መስከሩ፣ ድሕሪ ቐትሪ ድማ ናብ መቓብር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምብጻሕ ኣካየዱ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድማ ፓትርያርክ በርተሎሜዎስ ከም ዝገለጽዎ "ንዝኽሪ ጉባኤ ኒቅያ ናብ ቱርኪ ክመጹ ከም ዝደልዩ ኣረጋጊሶምለይ ኢዮም" በሉ፣ እዚ ኸኣ መበል 1700 ዓመት ናይቲ ኣብ ኒቅያ እተኻየደ ኢቁመናዊ ጉባኤ ዘመልክት ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዚ ቐረባ እዋን ከቢድ ሕማም እኳ እንተ ኣጋጠሞም ነዚ ኣገዳሲ ጕዕዞ እዚ ከካየዱ ድማ ተስፋ ኸም ዝነበሮም ብተደጋጋሚ ገሊጾም ኢዮም።
ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ውሱን ዕለት ኣይገበርናን፣ የግዳስ ብርግጽ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ምብጻሕ ከካይዱ ኢዮም" በሉ። ከምዚ ድማ በሉ - "እዚ ትምኒትናን ድሌትናን ኢዩ፣ ምናልባት እውን ካብ ቫቲካን ወጻኢ ኣብ ዝገበርዎ ናይ መጀመርታ ጕዕዞ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ሓንጐፋይ ኢልና ክንቅበሎ፣ ኽብሪ ክዀነና ኢዩ። ኣብ ኒቅያ ጥራይ ዘይኰነስ ወግዓዊ ምብጻሕ ናብ ቤተ-ክርስትያን ቍስጥንጥንያን ናብ ኢቁመናዊ ፓትርያርክን ድማ ክኸውን ኢዩ"።