"ንኹሉ ክቡር ስራሕ"፡ ናይ መወዳእታ ናይ ጸሎት ሓሳብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወርሒ ግንቦት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ብስራሕ ኩሉ ሰብ ይኽወን፣ ኣባይቲ ስድራ ብኽብሪ ክድገፉን ሕብረተሰብ እውን ዝያዳ ሰብኣዊ ክኽውን” ንጸሊ ዝብል ሓሳብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብቲ ዕለት 21 ሚያዝያ ድሕሪ ሞቶም ምቅይያር ኣብ ዝተገብረሉ ቅድም ዕረፍቶም ንንወርሒ ግንቦት ብምስማዐ ርእየት ኣብ ዝተዳለወ መልእኽቲ ዘቕረብዎ ምዕዳን እዩ።
ኣርእሰተ ሊቃነ ጳጳሳትን ናይ ስራሕ ዓለምን
ቃላት ፍራንቸስኮ ስራሕ "ንኽብሪ ቅብኣት” ምዃኑ የስምረሉ፣ ዕለታዊ እንጌራኻ ምርካብ ንሰብ ክብሪ ይህቦ። ኢየሱስ ንባዕሉ ጸራቢ ዀይኑ እዩ ዚዓዪ ዝነበረ፣ እዚ ኸኣ “ብዙሕ ኣታዊታት ዘየውሕስ” “ብጣዕሚ ከቢድ ስራሕ” እዩ ነይሩ፣ ንዅሎም ኣብ ታሪኽ ዘለዉ ሰራሕተይናታት ዝውክል እዩ።
በነዲክቶስ መበል 16፣ ቀንዲ ኣገዳስነት ስራሕ "ንምልኣት ሰብን ንልምዓት ሕብረተሰብን" ምዃኑ የጉልሑ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ ስራሕ “ንሰብኣዊ ክብሪ ምሉእ ብምሉእ ኣኽቢሩን ኣብ ኣገልግሎት ሓባራዊ ረብሓን ክውደብን ክካየድን ኣለዎ።” ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ሰብ "ኣብኡ ናይ መወዳእታን ውዱእን ትርጉም ህይወት ይረክብ" . . . ሰብ ፍጻሜኡ ኣብ ኣምላኽ ብምዃኑ ድማ ናይ ስራሕ ጊልያ ክኸውን የብሉን፣ ናይ ሰብ ፍጻሜ ስራሕ ኣይኮነን . . . “ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ናይ ዓለም ስራሕ ዘሎ ቁጠባውን ማሕበራውን ዘይምዕሩይነትን ኩነታት በደልን “ክብሪ ሰራሕተይና ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፣ ናጽነቶምን ሓላፍነቶምን ተሳትፎኦምን ቀዳምነት ብምስራዕ” ክንፈትሖ ከም ዝግባእ ይላበዉ። እዚ ኩሉ፡ "እቶም ብስእነት ስራሕ፣ እኹል ደሞዝ ብዘይምርካብ፣ ወይ ብሕጽረት ንዋታዊ ንብረት ዝሳቐዩ" ከይረሳዕካ። ብልክዕ እዚ ዘይምዕሩይነትን፣ ማእከል ስራሕን ቁጠባውን ማሕበራውን ህይወትን መኽሰብ ዘይኮነስ ሰብ ክኸውን ምጽላይ ኣድላዪ ይገብሮ።
160 ሚልዮን ህጻናት ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ንክሰርሑ ዝተገዱ
ናይ ስራሕ ዓለም ካብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ኣብ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣዝዩ ህልው ኮይኑ እዩ፣ እዚ ድማ ሳዕቤን ናይቲ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ክውንነት ብትኩር ምጥማትን ንመንፈሳውን ንዋታውን ጽቡቕ ሂወት ሰባት ዘለዎም ሓልዮትን ዘነጽር እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብመሰረት መረዳእታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዓለም ሓቆፍ ትካል ስራሕን ፣ ኣብ መላእ ዓለም 402.4 ሚልዮን ሰባት ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኖም ኣለዉ፣ 160 ሚልዮን ህጻናት ከኣ ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ንኽሰርሑ ይግደዱ፣ 240 ሚልዮን ሰራሕተይናታት ኣብ መዓልቲ ትሕቲ 3.65 ዶላር ኣታዊ ይረኽቡ፤ ከምኡ’ውን ልዕሊ 60% ካብ ዝሰርሕ ህዝቢ ዓለም ኣብ ዘይወግዓዊ ቁጠባ ዝተዋፈረ እዩ፡ እዚ ማለት ድማ ኣስታት 2 ቢልዮን ሰባት መሰል ዕዮን ማሕበራዊ ሓለዋን የብሎምን።
ካልእ ብኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተሰመረሉ ኣምር ድማ ዋጋ ስራሕ ካብቲ ቁጠባዊ መዳይ ኣዝዩ ዝሓልፍ ምዃኑ ዘብርህ እዩ።
ብመሰረት እቲ ቕዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፣ ወድሰብ ብልክዕ ክዓዪ እተጸውዐ እዩ ምኽንያቱ "ብመልክዕን ምስልን ኣምላኽ ዝተፈጥረ ብምዃኑ። " ዮሃንስ ጳውሎስ . . . ብዕዮና ሰብኣዊ ኽብርና ሕብረት ኣሕዋትና ከምኡውን ናጽነትና ኣብ ምድሪ ኽበዝሕ ከም ዘለዎ የብርሁ። እቲ ክርስትያን ዚዓዮ ዕዮ ምስ ጸሎቱ ተደሚሩ ንዓለም የደንፍዓ ልዕሊ ዅሉ ድማ ንምዕባለ መንግስቲ ኣምላኽ ኣበርክቶ ይገብር።"
እቶም ተካኢኦም ዝነበሩ በነዲክቶስ መበል 16 ሰብኣዊ ክብሪ ቍጠባዊ ዘይማዕርነት ከይህሉ ዝሓትት ቅድመ ኩነት እዩ ይብሉ፣ ሓድሓደ ግዜ ኸምቲ ስራሕ ኣልቦነት ወይ ስራሕ ዘይብሎም ሰባት ዘለዎም ኣጋጣሚ ድሩት እዩ ፣ ኣብ ካልእ ግዜያት ከኣ ፍትሓዊ ደሞዝ ወይ ድሕንነት ናይቲ ሰራሕተይናን ስድራቤቱን ኣኽቢርካ ኣይርአን ኢዩ . . . ሰብኣዊ ክብሪ ማእከል ዝገበረ ስራሕ ንኹሉ!
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ስራሕ ቕዱስ ምዃኑ የብርሁ። ዝያዳ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ክንሃንጽ እንኽእለሉ መገዲ እዚ ኢዩ - ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ክህነጽ ንደሊ እንተድኣ ዄንና ክብርን ርግኣትን ዘለዎ ስራሕ ከነደንፍዕ ኣብ ጥዑይ ሃዋሁ ክፍጸም ከምኡውን መሰረታዊ መሰላትን ማሕበራዊ ዕቝባን ምኽባር ዘጠቓልል እኹል ናይ ድሕንነት ስጕምትታት ክንወስድ ከምኡውን ኣባይቲ ስድራ ጽቡቕ ናብራ ንኽነብራ ዘኽእለን ደሞዝ ክንረክብ ኣሎና።" "ናይ ሓቂ ዋጋ ስራሕ እንተ ተመሊሱ ዝኸፈልካ ኸፊልካ መኽሰብ ምርካብ ዝብል ርትዓዊ ኣተሓሳስባ እንተድኣ ተሓዲጉ ንሰባት ከኣ ብፍላይ ነቶም ሎሚ ሰብኣውነት ዝዓሰሉሎ ህይወት ከነብሩ ዘይክእሉ ሰባት ማእከል እንተድኣ ኮይኖም" እዚ ክኸውን ዝክእል ምዃኑ ኣመላኺቶምልና እዮም።