ኤውሮጳውያን ጳጳሳት ኣብ ዩክሬን ፍትሓዊ ሰላም ይምሕጸኑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብቲ ዕለት 23 ግንቦት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበር፡ ሽማግለ ኣበ መናብርት ጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዘካየድዎ ርክብ፣ ቅዱስነቶም ብዓይኒ መንበረ ጵጵስና ኤውሮጳ ንኤውሮጳ ዘለዎም ኣቓልቦ ዘረጋግጹ ምዃኖም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝገለጹ
ዋና ጸሓፊ ጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ኣባ ማኑኤል ኤንሪከ ባሪዮስ ፕሪቶ፣ ድሕሪ እቲ ርክብ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፣ እቲ ምስ ቅዱስነትጎም ዝተኻየደ ርክብ ህያብ እዩ ምስ በሉ፣ ቅዱስ ኣቦና ካብ ምዝራብ ኣብ ምስማዕ ዝያዳ ከም ዘድሃቡን ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ ዘነቓቕሕ ርክብ እውን ምንባሩ ሓቢሮም።
እቲ ዝተኻየደ ርክብ ቅድም ቀዳድም እቲ ጉባኤ ሕብረት ኤውሮጳን ብዛዕባ እቲ ውዳበን ዕዮኡን ኣገልግሎቱን ንቕዱስነቶም ንምሕባር ዝኣመተ ምንባር እውን ኣብሪሆም፣ እቲ ቀዳማይ ርክብ ቅዱሰንቶም ሓበሬታ ክረኽቡ ንምሕጋዝ ዝኣመተ እዩ፣ ባዕሎም ቅዱሰቶም ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ፡ “ብዙሕ ዝህቦ መልሲ የብለይን ስለዚ ክሰምዓኩም እደሊ” ከም ዝበልዎ።
"ነፍሲ ወከፎም ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ ኣባላት መርሕነት ሽማግለ ጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ስክፍታታቶም ከም ዘቕረቡን ብዛዕባ "ኲናት ዩክሬንን ሰላምን፣ ብዛዕባ ስድራቤት፣ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን፣ ስደትን ዑቕባን ምይይጥ ምክያዱ ሓቢሮም፣ ስለዚ ኣብቲ ንኤውሮጳ ዝምልከቱ ጉዳያት ምስ ቅዱስነቶም ንምዝታይን ካብኦም ድማ ዝወሃብ ምዕዳንን መነቓቕሒ ሕሳብን ንምቕባልን ዝተኻየደ ርክብ እዩ ነይሩ እንክብሉ ዛካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።