MAP

2025.05.23 ኤውሮጳውያን ጳጳሳት ኣብ ዩክሬን ፍትሓዊ ሰላም ይምሕጸኑ 2025.05.23 ኤውሮጳውያን ጳጳሳት ኣብ ዩክሬን ፍትሓዊ ሰላም ይምሕጸኑ  (@VATICAN MEDIA)

ኤውሮጳውያን ጳጳሳት ኣብ ዩክሬን ፍትሓዊ ሰላም ይምሕጸኑ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ዕለት 23 ግንቦት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንሽማግለ ጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ - COMECE ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን፣ ኣብዚ ርክብ እዚ ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ውዳበኦም ምስ ቅዱስነቶም ኣላለዩ፣ ብዛዕባ ኲናት ዩክረይን፣ መንሰያትን ድኻታትን ተቓላዕትን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣማእኪሎም እውን ከም ዝዘተዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ዕለት 23 ግንቦት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበር፡ ሽማግለ ኣበ መናብርት ጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዘካየድዎ ርክብ፣ ቅዱስነቶም ብዓይኒ መንበረ ጵጵስና ኤውሮጳ ንኤውሮጳ ዘለዎም ኣቓልቦ ዘረጋግጹ ምዃኖም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝገለጹ

ዋና ጸሓፊ ጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ኣባ ማኑኤል ኤንሪከ ባሪዮስ ፕሪቶ፣ ድሕሪ እቲ ርክብ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፣ እቲ ምስ ቅዱስነትጎም ዝተኻየደ ርክብ ህያብ እዩ ምስ በሉ፣ ቅዱስ ኣቦና ካብ ምዝራብ ኣብ ምስማዕ ዝያዳ ከም ዘድሃቡን ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ ዘነቓቕሕ ርክብ እውን ምንባሩ ሓቢሮም።

እቲ ዝተኻየደ ርክብ ቅድም ቀዳድም እቲ ጉባኤ ሕብረት ኤውሮጳን ብዛዕባ እቲ ውዳበን ዕዮኡን ኣገልግሎቱን ንቕዱስነቶም ንምሕባር ዝኣመተ ምንባር እውን ኣብሪሆም፣ እቲ ቀዳማይ ርክብ ቅዱሰንቶም ሓበሬታ ክረኽቡ ንምሕጋዝ ዝኣመተ እዩ፣ ባዕሎም ቅዱሰቶም ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ፡ “ብዙሕ ዝህቦ መልሲ የብለይን ስለዚ ክሰምዓኩም እደሊ” ከም ዝበልዎ።

"ነፍሲ ወከፎም ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ ኣባላት መርሕነት ሽማግለ ጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ስክፍታታቶም ከም ዘቕረቡን ብዛዕባ "ኲናት ዩክሬንን ሰላምን፣ ብዛዕባ ስድራቤት፣ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን፣ ስደትን ዑቕባን ምይይጥ ምክያዱ ሓቢሮም፣ ስለዚ ኣብቲ ንኤውሮጳ ዝምልከቱ ጉዳያት ምስ ቅዱስነቶም ንምዝታይን ካብኦም ድማ ዝወሃብ ምዕዳንን መነቓቕሒ ሕሳብን ንምቕባልን ዝተኻየደ ርክብ እዩ ነይሩ እንክብሉ ዛካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

24 May 2025, 15:51