ቤትምኽሪ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያን ምስ ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 70 ዓመት ምስረታ ይዝክር
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ካቶሊካውያን ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያን ን40ይ ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያን ብምክፋል፣ ብሞሳን ህያው ተዘክሮን ሓድሽ ቈራጽነትን ተጋቢኦም ዝነበሩ፣ እዚ ድማ ካብቲ ብ1955 ኣብ ሪዮ ዲ ጃንየሮ እተገብረ ናይ መጀመርታ ሓፈሻዊ ጉባኤ ጳጳሳት ንነጀው 70 ዓመት ከም ዘቝጸሩ ንምምልካት ኢዩ ዝነበረ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ንምምልካት ናብ ሊቀ-ጳጳሳት ሰበኻ ፖርቶ ኣለግረን ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ጉባኤ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያን ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ጃይመ ስፐግለር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ ልባዊ ሰላምታ ብምሃብምቕራብ እዚ ጉባኤ እዚ ብቐጻሊ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምጕላሕን ናይ ዕንቋዕ ኣብጽሓኩም መልእኽቲ ኣመሓላለፉ።
መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ እዚ ጉባኤ ጳጳሳት እዚ ኣብ ህይወት ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ኣህጉራት ኣመሪካን ዘለዎ ግደ ኣሕጽር ኣቢሉ ይገልጽ - መግለጺ ኤጲስቆጶሳዊ ሕብረትን፣ ናይ ጕስነት መሳርሕን ከምኡውን ኣብ እተፈላለየን ብዙሕ ግዜን ኣብ ዘሳቂ ኵነታትን ንወንጌላውነት ዝድርኽ ሓይሊ ኢዩ ክብል ውን ይገልጾ።
ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "ምስኩልኻኩም ንጐይታ ኣብ ምምስጋን ምሳኻትኩም እሓብር ኣለኹ፣ እዚ ዘሐጕስ ዝኽሪ ዓመት እዚ፣ ጉባኤ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያን ብኸመይ ምልክት ናይ ሓድነትን ሕብረትን ከም ምዃኑ የዘኻኽረና [...] ኣብታ ፍቕርቲ ኽፍለ ዓለም ንዝጐዓዙ ቅዱሳትን ምእመናን ህዝቢ ኣምላኽ ውን ዘገልግል ኢዩ" ክብሉ መስከሩ።
ቀጥታዊ መልእኽቲ
እዚ መልእኽቲ እዚ ኣብ ላቲን ኣመሪካ "ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ኣህጉርን ዓለምን ቀጻሊ ዝዀነ ቅልውላው መከራን ድኽነትን ብዘስዓቦ ይሳቐዩ ኣለዉ" ዝብል ኣሰቃቂ መልእኽቲ ተፈልዩ ዝርአ ኣይኮነን።
እዚ ብድሆታት እዚ እናኣጋጠሞም ክነሱ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣገዳስነት ነቲ "ንቤተ-ክርስትያን ዘዕቍባን ዝመርሓን ኣብ ውሽጣ ንዘሎ ተስፋ ዘጐሃህርን" ዝተንስአ ክርስቶስ ከይርስዕዎ ውን ኣተባብዕዎም። መጸዋዕታኡ ንጹር ኢዩ - ወጺእካ ምስቶም ብዘይፍትሓዊ ተግባራት ንዝቘሰሉ ኣብ ሕዳጋት ሕብረተሰብ ንዝነብሩ ዘለዉ ሰባት ምርካብን፣ ከምኡ ውን ወንጌል "ምስኣቶም ኻብ ምርኻብ ዝምንጭ ሓጐስ" ከም ምዃኑ ምእዋጅን ኢዩ።
ምስክርነትን ተሳትፎን
ቤት ምኽሪ ጉባኤ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያን፣ ቅድሚ 70 ዓመት ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ፣ ኣብቲ ወሳኒ ጉባኤታቱ፣ ማለት ኣብ ሜደሊን ብ1968፣ ብ1979 ኣብ ፕዌብላ፣ ብ1992 ኣብ ሳንቶ ዶሚንጎ፣ ብ2007 ከኣ ኣብ ኣፓረሲዳ ጉባኤታት ብምክያድ ምስክርነት ክህብ ጸኒሑ ኣሎ። ነፍሲ ወከፉ ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ምልክታት ግዜ ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ሓቢርካ ምምማይ መግለጺ ኢዩ ዝንበረ። ኣብዚ ዘመነ ሲኖዳውነት እዚ መገዲ እዚ ሓድሽ ስፍሓትን ሓድሽ ብድሆታትን ዝሓትት ኢዩ ።
ካብቲ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ቤት ምኽሪ ጉባኤ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያን ዝርከበሉ ቦጎታ ኮሎምብያ፣ እዚ ጉባኤ ነቲ ዝሓለፈ ምልስ ኢሉ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ተልእኾ ወንጌላዊ መንፈስ ሒዝዎ ንቕድሚት ዝግስግስ ዘሎ ኢዩ። ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዝገለጽዎ ዕላማኡ "ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ትውፊት ቤተክርስቲያንን ከምኡ ውን ኣብ ሥልጣነ ኣስተምህሮት ቤተክርሲያን ተመርኲስካ ፍታሕ ዝህብ ናይ ሓቅን ውጽኢታውን ማሕበረሰብ ንምድላይ" ዝዓለመ ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ምዝዛም ናይ ተሌግራም መልእኽቶም፣ ንዅሎም ጳጳሳት ናብታ ኣደ ህዝብታት ኣመሪካ ዝዀነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፕ ብሕድሪ ኣወፈይዎም። ምእንቲ ቅዱስነቶም ኺጽልዩ ውን ተማሕጸንዎም ከምኡ ውን "ማእለያ ዘይብሉ ሰማያዊ ውህበት" ክወርዶም ሓውርያዊ ቡራኬኦም ኣካፈልዎም።