ዓሰርተው ክልተ ዓመት ናይ ሓድሽ መገድታትን መስርሓትን ከምኡውን ክፉት መዓጹን
ኣባ ተወልደ መብርሃቱ - ሃገረ ቫቲካን
በዓልት ጥዑም ዝኽሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እቲ ሓደ ፈላሚ ካብ ዝገብሮም ነገራት፣ ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ማሕበር ኢየሱሳውያንን ካብ ላቲን ኣመሪካ ዝመጹ ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ምዃኖምን ከምኡ ውን ፍራንቸስኮ ዝብል ስም ዝሓረዩ ናይ መጀመርታ ውን እንክኾኑ፣ ኣብ ርእሲዚ ውን እቶም ናይ መጀመርታ ካብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ወጻኢ እተቐመጡ ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ከምኡ ውን ካብ ዒራቕ ክሳዕ ኮርሲካ ንመጀመርታ ግዜ ናብተን ቅድሚ ሕጂ ብጳጳሳት ናይ ሮማ ተበጺሐን ዘይፈልጣ ሃገራት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካየዱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ምዃኖም ኢዩ።
ብዘይካዚ ኣብ ምሕደራ ቤተ ክርስትያን ተራ ደቂ ኣንስትዮን ተሳትፎ ምእመናንን ንኽዓቢ ዝገብሩን ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ብደረጃ ዓለምለኻዊ ዘረ እተወደበ ሲኖዳዊ ጉዕዞ ዘጀመሩን፣ ብዛዕባ ንጾታዊ ዓመጽ ኣብ ዝምልከቱ ጕዳያት ብምስጢር ዝድህሰሱ ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ከምኡውን ነቲ ናይ ዝለዓለ ናይ ሞት ፍርዲ ዓለማት ከም ዘይቅኑዕ መርገጺ ካብ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብወግዒ ዝደምሰሱን ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኢዮም ዝነበሩ ።
ኣብ እተፈላለየ ኽፍለ-ዓለማት ዓቢይ ይኹን ንእስቶ ውግኣትን ግጭታትን ኣብ እተኻየደሉ እዋናት፣ ንቤተ-ክርስትያን ብምምራሕ ንሰላም እተጣበቑ። ኣብ ዩክረይንን ማእከላይ ምብራቕን ዓመጽ ኣብ ዝበርትዓሉ ምስቶም ዝተዓመሱን ግዳያት ዝኾኑ ሕዝብታት ደው ብምባል ንፍትሕን ነጻነትን ድምጺ ብምዃን ውግእ "ወትሩ ስዕረት ኢዩ" ዝበሉ ኢዮም።
ሓድስቲ ጐደናታትን መስርሓትን
ይኹን እምበር ጆርጅ ማሪዮ በርግልዮ ተባሂሎም ኣብ ዕለተ ጥምቀቶም እተሰምዩ ስዒቦም ድማ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተፈልጡ፣ እቶም "ቐዳማይ" ዚብል ቅጽል ስምቲ ኣብ ዝሓለፈ 12 ዓመት ዝተጓዕዝዎ ዘመን ኣገልግሎቶምን ዘካየድዎ ኣገዳሲ ፍጻመታትን ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ከም መዝገብ ዝሰበሩ ዘይኰነስ ከም "መስርሕ" ኣብ ድማሬ ዘተኰሩ ጳጳስ ክምዝገበሎም ዘይደልዩ ዝነበሩ ጳጳሳ ኢዮም ዝነበሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብተወሳኺ እቲ ቅዱስነቶም ተኪኡ ኣብ መንበር ጴጥሮስ ዝቕመጥ እኳ ከይተረፈ ክልውቶ ዘይክል ዝቕጽል መስርሓትን፣ እተፈጸሙ ዕማማትን ወይ ናይ ርሑቕ ዕላማታትን ንምጽፋፍ እተቓለሱ መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢዮም ዝነበሩ።
ከምቲ ኣብታ “ናይ ወንጌል ሓሴት” እተሰምየት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝጸሓፍዋ ሓውርያዊ ምዕዳን ዘመልከትዎ፣ ኣብ መላእ ማሕበረሰብን ኣብ ቤተ - ክርስትያንን "ሓድሽ መስርሕ " ከም ዝህሉ ዝገብሩሉ ስጕምትታት ኢዩ ዝነበረ ።
ካብ ጫፍ ምድሪ ዝመጹ ጳጳስ
ድሕሪ ቀተሪ ዕለት 13 መጋቢት 2013 ኣብ ማእከላይ ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ በነዲክት መበል 16 ኻብ ስልጣኑ ድሕሪ ምውራዶም ምስ ተመርጹ፣ ነቲ ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ መልኦም ብሃንቀውታ ዝጽበዩ ዝነበሩ ሕዝቢ ናይ መጀመርታ ቃላቶም እንከስምዑ "ሕጂ ኸኣ ናይ ጳጳስን ሕዝብን ጕዕዞ ዳግም ክንጅምር ኢና” በሉ።
እቶም በቶም ተጋባእቲ ካርዲናላት "ካብ ጽንፊ ምድሪ" እተመርጹ ወዲ 76 ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመጀመርያ ግዜ ከም ጳጳሳት ካብም ምእመናን ጸሎትን ቡራኬን ሓተቱ። ጸሎት ሰላም ንዓኺ ኦ ማርያም ንሕዝቢ ኣምላኽ እኳ እንተ ደለዩ፣ ናብ ሮሜ ሳሕቲ ጥራይ ይመጹ ስለ ዝገበሩ ምስቲ ዘየዘውትርዎ ዝነበሩ ቋንቋ ኢጣልያ ይቃለስ ጀመሩ።
ንጽብሒቱ ናብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዚርከብ ቤተ-ክርስትያን ቅድስቲ ሃና በጺሖም ነቶም ምእመናን ብቕርበት ሰላምታ ከብጽሑሎም ደለዩ። ድሕሪኡውን ብማኪና ናብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ከዱ ኣብኡ ድማ ናብቲ ኣይቆና ናይታ ድሕነት ሮማውያን እተሰምየት እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝርከበሉ ቤተጸሎት በጽሑ።
ኣብ ብምሉኡ ዘመነ ጵጵስናኦም ጸሎት ንምዕራግ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣገዳሲ ኣጋጣሚታት ምስጋናኦም ንምብጻሕን ናብዛ ቤት ጸሎት ንምግባር ተመላሊሶም ካብ ምብጻሕ አየቋረጹን። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ንቦታ ቐብሮም ኣመልኮቶም ኣብ ዝጸሐፍዎ ለበዋ ድማ ኣብዛ ቤት ጸሎት ክቕበሩ ከም ዝደልዪ ኣመልከቱ።
ኣብ መንጐ ሕዝቡ ዝርከብ ጓሳ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዓመታት ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ጥብቕ ርክብ ከም ዘለዎም ብግብሪ ኣርእዮም ኢዮም፣ በዚ ኸምዚ ድማ ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ዓመታት ብብዙሕ መገድታት ናብ ሰራሕተኛታት ቫቲካን ኣብ ኣብያተ - ጽሕፈቶም ምብጻሕ ብምክያድ፣ ኣብ ናይ 2016 ዓመት ኢዮቤል ምሕረት ብምእዋጅ ናይ ምሕረት ዓርቢ ብምክያድ፣ ዓመት ዓመት ድማ ኣብ ጸሎተ ሓሙስ ኣብ ኣብያተ - ማእሰርትን መናበዪ ኣረጋውያንን ማእከላት ስደተይናናትን መስዋዕተ ቅዳሴ ብምዕራግ የብዕልዎ ነበሩ። ኣብ ከባቢ ኸተማ ሮሜ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ምብጻሕ ብምግባር ከምኡውን ኣብ እተፈላለየ ደረጃ ናብራ ንዚርከቡ ሰባት ብሃንደበት ብምብጻሕን ተሌፎን ብምድዋልን ውን ምስ ሕዝቢ ኣምላኽ ዘለዎም ቅርበት ገሊጾም ኢዮም።
ካብቲ ብ2013 ንመጀመርታ ግዜ ናብ ብራዚል ዘካየድዎ ዑደት ኣትሒዞም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓዋርያዊ ጕዕዞኦም ነዚ ናይ ቅርበቶም ተግባር ኣርእዮም ኢዮም።
ናብ ዒራቕ ምብጻሕ ዘካየዱ ፋልማይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከምቲ ብ2021 ዓ.ም. ብግዜ ለበዳዊ ሕማም ኮቪድ ካብ ዒራቕ ኣብ እተመልሰሉ እዋን ከም ዝገለጽዎ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ፍጻመታትን በዓላትን ንዝቐረበሎ ዕድመ ካብ ሰበ ስልጣን ሃገራት ፍሉይ ጻውዒት ወይ ከኣ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝነበሮ ትምኒት ንምፍጻም 47 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ጕዕዞ ኣካየዶም።
ብዛዕባ ድሕንነት ሓፈሻዊ ሻቕሎት ስለ ዝነበሮም ድማ ኣብ ዒራቕ ንሰለስተ መዓልታት ጥራይ ጸንሑ፣ ናብ ባግዳድ፡ ኡር፡ ኡርቢል፡ ሞሱልን ከምኡውን ካራኮሽ ብምኻድ ነቲ ግሉጽ ዝነበረ በሰላ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕታታት ተጻዊሮም ኣብ መናድቕን ድንኳናትን እቶም ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ሰባት ስቓይ ተሳተፉ።
ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ጥዕናኦምን ካልእ ዜተሓሳስቦ ዝነበረ ጉዳያት መጥቃዕቲ ግብረ-ሽበራውያንን ናባኡ ከይበጽሑ እኳ እንተ መኸርዎም፣ ቅዱስነቶም ግና ከምኡ መደባቶም ክቕጽሉ ከም ምዃኖም ኣትሪሮም ተዛረቡ። ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝበልዎ እቲ ሓዋርያዊ ጕዕዞ "ኻብ ኵሉ ዝበለጸ" ዑደቶም ኢዩ ዝነበረ። ናብታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ክበጽሕዋ ዘይከኣሉ ምድሪ ኣብርሃም ምብጻሕ ዘካየዱ ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዮም ዝነበሩል፣ ኣባኡ ድማ ምስ ኣል-ሲስታኒ ዚበሃል መራሒ ሃይማኖት ሺኣን ተራኸቡ።
ኣብ ባንጒ ዝኸፈትዎ ቅዱስ ኣፍደገ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያን ኦሽያንያን ዛካየድዎ ዝነውሐ ጕዕዞን
ብ2015 እውን ተመሳሳሊ ቘራጽነት ብምግባር ናብታ ርእሲ ኸተማ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝዀነት ባንጒ ሓውርያዊ ምብጻ ኣካየዱ፣ ብሰንኪ እቲ ንዓመታት ዝቐጸለ ውግእ ወላውን ኣብ ግዜ ሓውርያዊ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ሬሳታት ኣብ ጐደናታት ተደርብዮም ነበሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እቲ ውሳኔም ከም "ካብ ነፋሪት ምንጣር" እኳ እንተ ዀነ ናብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክበጽሑ ከም ዝደልዪ ኣመልከቱ፣ ሓደ ቅዱስ ኣፍ ደገ ዓመተ ኢዮቤል ምሕረት ኣብ ሮማ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ድኻታት ሃገራት ዓለም ብምኽፋት ናይ መጀመርታ ቅድስቲ ዓመት ንምኽባር እውን ከኣሉ።
ካልእ ቘራጽነት ዘለዎ ጕዕዞ ከአ ኣብ መበል 87 ዓመት ዕድሚኦም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ መስከረም 2024 ዝገበርዎ ዝነውሐ ጕዕዞ፣ ማለት ናብ ኢንዶነዥያ፡ ፓፕዋ ኒው ጊኒ፡ ቲሞር-ለስተ ከምኡውን ሲንጋፖር ዑደት ከካይዱ ወሰኑ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኽልተ ሰሙን ዚኣክል ኣብ ኽልተ ኽፍለ ዓላማት ኣርባዕተ ዞባታት ዝተፈላለየ ሰዓታት ከምኡውን ኣብ ኣርባዕተ እተፈላለያ ክፍለ ዓለማት ዑደት ኣካየዱ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፉ ጕዕዞኦም ኸኣ ቀንዲ ፍረ ነገር እቲ ስልጣነ ኣስተምህሮት ቤተክርስቲያን እዩ ዝነበረ። እዚ ኸኣ ሕውነትን ምትሕብባር ሃይማኖትን፡ ኣብ ኣከባቢያዊ ዕቃበን፡ ህጹጽ ኵነታት ኣየርን፡ ዕርቅን ሰላምን ምትእምማንን፡ ንድኻታት ምግልጋልን ከምኡ ውን ንሃብትና ንዕቤትን ህንጸት ሕብረተሰብ ንምጥቃም ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት ዘተኮረ ኢዩ ዝነበረ።
ካብ ላምፐዱሳ ናብ ጁባ
ሓደ ኻብቲ ኣብ ሓዋርያዊ ጕዕዞታትን ጕስነትን ዝገበርዎ መደባት፣ ነቲ ኻብ ሮማ ወጻኢ ናብታ ብዙሓት ስደተኛታት ብዘሕዝን ፍጻሜ ዝጠፍኡላ ላምፐዱሳ እትበሃል ኣብ ኢጣልያ እትርከብ ንእሽቶ ደሴት ዝገበርዎ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ኽንርስዖ ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ዑደት ቅዱስነቶም እዚ ኣብቲ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ዝገበርዎ ምብጻሕ፣ ናብታ ለስቦስ እትበሃል ደሴት ግሪኽ (2016 ከምኡ ውን 2021) ዝገበርዎ ኽልተ ጕዕዞታት ውን እንደገና ምብጻሕ ከካይዱ ኣለዓዒልዎም ኢዩ።
ካልእ ዘይርሳዕ ሓዋርዊ ጕዕዞኦም ከኣ ነቲ ኣብ መበል 500 ዓመት ተሓድሶ ሉተራውያን ናብ ሽወደን (ብ2014) ናብ ሉንድ (ብ2016) ዘካየድዎ ምብጻሕን ከምኡውን (ብ2022) ነቶም ደቀባት ካናዳ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን እተፈጸመ ግፍዒ ይቕረታ ንምሕታት ዝገበርዎ ምብጻሕ ኢዩ ዝነበረ።
ድሕርዚ እቲ ናብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ጕዕዞ (ብ2023) ስዒቡ ድማ ምስ ናይ ካንተርበሪ ሊቀ - ጳጳሳት ጀስቲን ዌልቢ ከምኡውን ምስቶም ኣመሓዳሪ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቤተ - ክርስትያን ስኮትላንድ ዝነበረ ኢያን ግሪንሺልድስ ሓቢሮም፣ በሰላ ህዝቢ ንምሕዋይ ዘለዎም ባህጊ ኣጕልሑ ። እቲ ንመራሕቲ ደቡብ ሱዳን ክዕረቑ ዝሓተትዎም፣ ኣብ መዕረፊ ኣጋይሽ ቅድስቲ ማርታ ንኽልተ መዓልቲ ብምዕዳም እሞ ከአ ኣእጋሮም ብምስዓም ንዕርቀ ሰላም ለመንዎም።
ብ2015 ናብ ኩባን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ ድሕሪ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት እተፈጥረ ውጥረት ኣብ መንጎ እዘን ኽልተ ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ርክባት ከም ዚምስረት ገበሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ባራክ ኦባማን ኩባናዊ ርእሰ ብሔር ራውል ካስትሮን "ሓድሽ መድረኽ ክጅምሩ" ንምትብባዕ መልእኽትታት ብምጽሕፍ ንኣዋርሕ ዝኣክል ኣብዚ ታሪኻዊ ፍጻመ እዚ ነዊ ሰሪሖም። ርእሰ ብሔር ሕቡራት ምንግስታት ኣመሪካ ኦባማ እውን ስለቲ ጻዕርታቶም ብግህዶ ኣመስገኖም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሃቫና ምስ ፓትርያርክ ኪሪል ተራኺቦም ኢዮም፣ እዚ ድማ ነቲ ክርስትያን ምእመናን ንምህናጽ ዝገብርዎ ቘራጽነት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ሓባራዊ ኣዋጅ ከተሙ። እዚ ውዕል እዚ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ኣብ ማእከል ኣውሮጳ ውግእ ምስ ተባርዐ ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍጻሜ ኢዩ ዝነበረ።
ኣብ ኣቡ ዳቢ ብዛዕባ ሰብኣዊ ሓድነት ዚገልጽ ሰነድ ምፍራም
ብ2019 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ኣቡ ዳቢ ሕቡራት ሃገራት ዓረብ ሓወርያዊ ዑደት ኣካየዱ ኣብኡ ኸኣ ምስ ዓብዪ ኢምዓም ኣል-ታየብ ብዛዕባ ሰብኣዊ ሓድነት ዝገልጽ ሓደ ሰነድ ፈረሙ፣ እዚ ሰነድ እዚ ኸኣ ምስ መንበረ ጥበብ ሱኒ ኣል-ኣዛራንድ ዘሎ ርክብ መዛዘሚ ኸምኡውን እምኒ መኣዝን ናይቲ ኣብ እተፈላለየ ሰነዳት ተጠቓሊሉ ዘሎ ኣብ መንጐ ክርስትናን እስልምናን ዝገብር ዘተታት መሰረት ኮነ።
አዋዲ መልእኽትታቶም
ኣብዚ ን12 ዓመታት ዝቐጸለ ዘመነ ብጵጵስናኦም ዝዘተዩሉ ዛዕባታትን ዘካየድዎ ፍጻሜታትን ኣብቲ ጽሑፋቶም ተንጸባሪቑ ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ድሕሪ ምቕማጦም ኣርባዕተ ዓወድቲ መልእኽትታት ጽሒፎም ኢዮም፣ ካብዚኣተን እታ ቐዳመይቲ 'ብርሃን እምነት' ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ኾይና ብዛዕባ ኣርእስቲ እምነት እትዝቲ ሰድኢያ ዝንበረት፣ ነዚ ድማ ምስቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ብሕብረት ጸሓፉ።
ስዒቦም ድማ ነታ ብ2015 'ስቡህ ኣንተ' ዘርእስታ ኣዋዲት መልእኽቲ ጸሓፉ፣ ኣብዛ ኣዋዲት መልእኽቶም ድማ ምድሪ ብምኽንያት ለውጢ ዅነታት ኣየርን ምዝመዛን ትዓኑ ብምህላዋ "ንሓባራዊ ቤትና" ክንከናኸናን ኸምኡውን ድኽነት ንምጥፋእን ንሃብቲ ምድርና ብማዕረ ንምክፋልን ስጕምቲ ክውሰት ተማሕጸኑ።
እታ ደድሕሪ ሰነድ ኣቡ ዳቢ ከም እምኒ መኣዝን ሥልጣነ ኣስተምህሮቶም ዝዀነት ሳልሰይቲ ዓዋዲት መልእኽቲ 'ኣኃው ኵልነ' ዝርእስታ ጸሓፉ፣ ሕውነት ንመጻኢ ደቅሰብ እንኮ ውሑስ መገዲ ኸም ዝዀነ ዚገልጽ ትንቢታዊ መልእኽቲ ውን ኣመሓላለፉ።
ኣብ መወዳእታ ብ2024 ንኣገዳስነት መንፈሳውነት ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ንምጕላሕ ነታ ብዛዕባ "ሰብኣውን መለኮታዊ ፍቕሪ ልቢ ኢየሱስ" ዳግም ንምብርባር ነታ ልባ ዘጥፍአት እትመስል ዓለምና “ውእቱ ኣፍቀረነ” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ናብ መላእ ዓለም ኣመሓላለፉ።
መልእኽትታት ሓዋርያዊ ምዕዳንን ሓዋርያዊ ሓጋጊ ሰነዳቶም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብቲ ብ2013 ዘሕተምዎ 'ናይ ወንጌል ሃሴት' ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ኣትሒዞም ኽሳዕ እቲ ብ2023 ዘሕተምዎ ንመበል 150 ዓመት ልደት ቅድስቲ ተሬዛ ዘኢየሱስ ህጻን ሸውዓተ አገደስቲ ሰናዳት ሓዋርያዊ ምዕዳን ጽሒፎም።
ካብቶም ደድሕሪ እተኻየዱ ሲኖዶሳት ጳጳሳት ዘመሓላለፍዎ ሰለስተ ሓዋርያዊ ማዕዳናት - 'ናይ ፍቕሪ ሃሴት' (ኣብ ሲኖዶስ ብዛዕባ ስድራቤት)፣ 'ክርስቶስ ሕያው ውእቱ' (ኣብ ሲኖዶስ ብዛዕባ መንእሰያት) 'ፍቕርቲ ኣማዞን' (ኣብ ሲኖዶስ ብዛዕባ ዞባ ፓን-ኣማዞንያ) – ጽሒፎም፣ ኣስዒቦም ድማ 'ተፈሥሑ ወተሐሰዩ' ብዛርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳዶም ኣብዛ ዘመናዊት ዓለም ቅድስና ንምኹስኳስ ጻውዒት ከቕርቡ ከለዉ፣ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ነታ “ስብህ አንተ” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ጀም መቐጸልታ “ሰብህዎ ለእግዚአብሔር” ዝርእስቱ ሓውርያዊ ምዕዳን ምድሪ ናብቲ "ናይ መወዳእታ ውድቀታ" ቕድሚ ምብጽሓ ንኣውያት እዛ አዴና ዝኾነት ምድሪ ንኽሰምዕ ዝመሓላለፍዎ ጻውዒት ኢዩ ዝነበረ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንቅርጻ ምሕደራ ኩርያ ሮማና ምለት ንላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዳግም ንምሕዳስን ሕገ ቀኖናን፣ ፍርዳዊ ስርዓታት ቫቲካንን ንምምዕርራይ ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ትህቲ ዕድመ ቘልዑን መሳኪንን ዝወርድ ዓመጽ ንምቅላስ ዝያዳ ጽኑዕ ሕጋዊ ስርዓታትን ክሂሎታን ንምምሕያሽ ኣስታት ስሳ ዝኸውን "ሞቱ ፕሮፕሪዮ" ዝተሰምየ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዘለዎም ሥልታን ዘጽደቕዎ ሕግታት ከቲሞም ።
ገለ ኻብዚ ሰነዳት እዚ 'ኣንትሙ ብርሃኑ ለዓለም' ዚብል ኰይኑ፣ ካብቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 እተኻየደ ብዛዕባ ዕቝባ ቈልዑን ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝዘተየ ዋዕላ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝተረኽበ ሓሳባትን ርእይቶታትን ተመርኲሶም ዘውጽእዎ ሕጋዊ ሰነድ ኢዩ ዝነበረ። እቲ ዝተኻየደ ታሪኻዊ ዋዕላ እቲ ቤተ-ክርስትያን ንጾታዊ ዓመጽ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ብካህናት ዝወርድ ዓመጽ ንምቅላስ እትገብሮ ዘላ ቃልሲ መዛዘሚ ኢዩ ዝነበረ። ቤተ-ክርስትያን ብሓቅን ብተጻዋርነትን ስጕምቲ ኽትወስድ ከም እትደሊ ዘርኢ ጭቡቕ ስጉምቲ ድማ ኢዩ ዘርኢ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ 'ኣንትሙ ብርሃኑ ለዓለም' ኣብ ዘርእስቱ ሰነዶም ብዛዕባ ዓመጻት ቈልዑን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ጸብጻብ ንምሃብ ሓድሽ መስርሕ ናይ ኪደት ኣቘሙ፣ ጳጳሳትን ሃይማኖታውያን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ብተግባራቶም ተሓተትቲ ምእንቲ ኽዀኑ ድማ “ተሓታትነት” ዝብል ፍሉይ ኣምር ኣተኣታተዉ።
ተሓድሶ ናይ ሮማ ኩርያ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መላእ ዘመነ ጵጵስናኦም ተሓድሶ ቤተ-ክርስትያን ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ ዝነበረ። ነቲ ካርዲናላት ቅድሚ ምርጫ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝገበርዎ ጉባኤታት ንዘቕረብዎ ርእይቶታት ኣብ ኣቓልቦ ብምሃብ ከም ሓዲስ ዝምርጹ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መጠን ንላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኩርያ ሮማና ብፍላይ ከኣ ነቲ ንሓያሎ ዓመታት ማእከል ዕንቅፋትን ድኻምነታት ዝነበረ ቍጠባዊ ምሕደራ ቫቲካን እንደገና ከሐድስዎ ተረኽቡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ደድሕሪ ምርጫኦም ብኡንብኡ ጉጅለ 9 ዝተሰምዩ (ጸኒሖም ኣባላቱ እናተቐየሩ ጉጅለ6ን ጉጅለ8ን ዝኾኑ) ቤት ምኽሪ ካርዲናላት ኣቘሙ፣ እዚ ቤት ምኽሪ እዚ ኸኣ ንኣድማሳዊ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ምምሕዳርን ኣብ ተሓድሶ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ኣብ ካልኦት ዕማማትን ዝተሓጋገዝዎም ንእሽቶ "ጉባኤ ካርዲናላት" ውን ኣቖሙ።
ኣብ ምጥርናፍ ኣባይቲ ጽሕፈትን ምቅያር ስያሜታት መዓርጋትን ኣባይቲ ጽሕፈትን ውድባዊ መዋቕርን ንዘካየድዎ ለውጥታት፣ እቲ ብ2022 ዝጸሓፍዎ “ስብኩ ወንጌለ” እተሰምየ ሓዋርያዊ ቅዋሞም ብምሕታም ዕላዊ ዝኾነ ቐጻሊ ዕዮ ተሓድሶ ምሕደራ ቤተረክርስቲያን ዘንጸባርቕ ኢዩ ዝንበረ ።
ሓደ ኻብቲ እቲ ብሃንቀውታ ትጽቢት እተገብረሉ ሰነድ ዘተኣታተዎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓድሽ መስርሕ ድማ ብቐጥታ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝምራሕ ሓድሽ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ምቛምን ከምኡውን ንተሳትፎ ምእመናን "ኣብ መሪሕነትን ሓላፍነትን" ቤተክርስቲያን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ምምስራትን ኢዩ ዝንበረ።
እዚ ናይ ተሓድሶ ስጉምቲ እዚ ነቲ ናይ መጀመርታ ምእመን ዶ/ር ፓውሎ ራፊኒ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኰይና ንኸገልግሉ ምምዛዝን ከምኡ ውን ነታ ናይ መጀመርታ ጓል-ኣንስተይቲ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ገዳማትን ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ክብርቲ እናቴ ሲሞና ብራምቢላን ከምኡውን ኣመሓዳሪት ሃገረ ቫቲካን ኰይና ዝተመዘት ክብርቲ እናቴ ራፋኤላ ፔትሪና ዘጠቓልል ውሳኔታት ኢዩ ዝንበረ።
ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መርሕነት ቤተ - ክርስትያን
ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ማሕበረሰብን ዘለወን ግደ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብሓቂ ዘተሓሳስቦም ኣገዳሲ ኩነት ኢዩ ዝነበረ። ቅዱስነቶም ንደቂ ኣንስትዮ ኻብቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ንላዕሊ ኣገዳሲ ናይ መሪሕነት ግደ ንኽእልወን ብሕድሪ ኣወፈዩለን፣ ንደቂ ኣንስትዮ ናብ መዓርገ ዲቁና ንምድያብ ድማ መጽናዕቲ ዘካይዱ ክልተ ኮሚተታት ኣቘሙ፣ ንቤተ-ክርስትያን ከኣ ብዛዕባ “ብልሓት” ደቂ ኣንትዮን ከምኡውን ብዛዕባ ስፍሓት ኣደነታዊ ግደ ብቐጻሊ የዘኻኽሩ ነበሩ። በዚ ኸምዚ ድማ ንኣሓት ደናግል፣ ልኡካነ ወንጌል፣ ፕሮፌሰራትን ሊቃውንቲ ሥነ መለኮትን ኣብ ጐድኒ ካርዲናላትን ጳጳሳትን ኣብ መኣዲ ሲኖዶስ ኣብ ሲኖዳውነት ኣሳተፍዎም፣ ንመጀመርታ ግዜ ድማ ናይ ድምጺ መሰል ከም ዝህልዎም ገበሩ።
"ኵሉ ኵሉ ኵሉ"
ቀንዲ መለለዪ ዘመነ ጵጵስናኦም ኣብ "ኽፉትነት" ዘተኰረ እኳ እንተ ነበረ፣ ካብ ትውፊት ቤተክርስቲያን ወጻኢ ግና ሱር በተኽ ዝኾነ ስጕምቲ ግን ኣይተወሰዱን ። ኣብ ክንድኡስ እቲ ዘቕረብዎ ኣገባብ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ሓባራዊ መስርሕ ኣብ ምጅማር ዘተኰረ ኢዩ ዝንበረ።
እዚ ናይ ግሉጽነት መንፈስ እዚ ኣብ እተፈላለየ ኣገዳሲ ውሳነታትን ተበግሶታት ጕስነትን ውን ተንጸባሪቑ እዩ ። ሓደ ኻብዚ ኣብነታት እዚ ነቶም ካብ ኪዳናዊ ሕይወት እተፋትሑን እንደገና እተመርዓዉን ውልቀ-ሰባት ብፍላይ ከኣ፣ ኣብ ምስጢራት ክሳተፉ ዘኽእሎም መገዲ ኣብ ምንዳይ ዘጠቓልል ኢዩ። ቅዱስ ቍርባን ከም "ንፍጹማን ዚምግብ ምግቢ" ጥራይ ገይርካ ኣብ ክንዲ ምርኣይ፣ ከም "ንሓጥኣን ዚኸውን መድሃኒት" ጌርካ ምቕባሉ ዝውተባብዕ ሓሳባት ዘጠቓልል ኢዩ ዝነበረ፣ እዚ ድማ ዝያዳ ርሕሩሓትን ናብ ናይ ቀደሙ መንፈሳውነት ዚመልሶን ሥነ መለኮታዊ ኣቕዋም እዩ ዝነበረ።
እዚ ናይ ሓባራዊ ራእይ እዚ፣ ብፍላይ ኣብ ቤተ-ክርስትያን እናማዕበለ ኣብ ዝኸይድ ዘሎ ንውልቀ-ሰባት ከም LGBTQ+ ዝኣመሰለ ኣቕዋም ዝለዎም ምቕራብን ጉስነት ምሃብን ዝብል ስፍሓት ዘለዎ ኢዩ ዝንበረ። ኣብ ቤተ-ክርስትያን ከምቲ ብተደጋጋሚ ዝበልዎም ንኹሉ "ኵሉ ኵሉ ንኹሉ ሰብ" ዝኸውን ቦታ ኸም ዘሎ ኣብ ምእማን እተመስረተ ንጹር ጻውዒት ውን ኣቕረቡ።
እዚ ሓሳብ እዚ ብተወሳኺ ነቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታትን ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያናትን ዝግበር ዘተን ሓባራዊ ምርዳእን ንምርካብ ኣብ፣ መንጎ ሃይማኖታትን ኤቑመናዊ ዝርርባትን ንምግባር ነቕ ዘይብል ጻዕሪ ንኽገብሩ ደረኾም ። እዚ ጻዕሪ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ክርስትያናዊ ማሕበራት ኣብያተ ክርቲያን ሓባራዊ ስቓይን ሰማእትነትን ከም ዘሎ ኣፍልጦ ብምሃብ "ናይ ሰማእትነት ኢቁመና" ወይ ሕብረት ብዝብል መነጽር ክጠማመቱ ውን ኣተኣታትዮም፣ እዚ ድማ ንዘመናት ዝኣክል ከይመርመርካ ብድኹም ኣቕዋም ናይ ምውንጅጃልን ምክፍፋልን መንግዲ ብምውጋድ ናብ ሓድነት ከም እንብለስ ዝገብር ኢዩ ዝነበረ።
ኣብ ርእሲ እዚውን ብዛዕባ እቲ ምስ ሃገረ ቻይና ብ2019 እተፈራረምዎ ሰለስተ ሳዕ እተሓደሰን ግዝያዊ ስምምአትን ብምትኳር፣ ዕንቅፋታትን ብድሆታትን እኳ እንተሃለወ፣ ምስቶም ንነዊሕ እዋን ኪበጽሕዎም ዝደልዩ ዝነበሩ "ክቡር ሕዝቢ" ኣብ ምዝታይ ኣገዳሲ ስጕምትታት ከም ዝወሰዱ ዜርኢ ውን ኢዩ ዝነበረ።
ተልእኾ ወንጌላውን ሲኖዳውን ኣርእስትታት
ፍረ ነገር ወንጌላዊ ተልእኾ ወይ "ሚስዮናዊ" ዕዮ ቀንዲ ኽፋል ዘመነ ኣገልግሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እዩ ዝነበረ። ቅዱስነቶም ብተደጋጋሚ ነታ ኣብዘን ዓሰርተው ክልተ ዓመታት ዘመነ ጵጵስናኦም እተቃልሐት "ሲኖዳውነት" እትብል ቃል ካብ ምድግጋም ኣይደኸሙን ። ክልተ ክፍላት ሲኖዶስ ኣብ 2023 ከምኡውን ኣብ 2024 ብምክያድ ንኣቃውማን ተልእኾን ናይቲ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣብ ምሕዳስ ወፈይዎ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ሲኖዳዊ ጕዕዞ "ካብ ሱር መሰረቱ" ምጅማር ኣድላዪ ምዃኑ ተገንዘቡ፣ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ክፍላት ሲኖዶስ ኣብ ሲኖዳውነት ብዛዕባ ዓንቀጽ-እምነትን ሥነ-መለኮታዊ ንጥፈታት ጕስነትን ዝምድህስሱ ዓሰርተ ጕጅለታት መጽናዕቲ ብምቛም ክሰርሑ ጀመሩ።
ድኻታትን ስደተኛታትን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንብምሉኡ ኣቅላሲያውን፣ ፖለቲካውን ከምኡውን ማሕበረሰብኣዉን ሓቅታት ኣብ ግምት ብምእታው ገለ ቐንዲ ዝዝከሩ ቃላት ነበርዎም - "ባህሊ ምብኻን፣ ዓለምለኻዊ ዘይምግዳስ፣ ንድኻታት እትኸውን ድኻ ቤተ-ክርስትያን፣ ሽታ መጓስኦም ዘለዎም ጓሶት ነፍሳት፣ ዓለምለኻዊ ናይ ሓድነት ስነ-ምግባር" ዝብሉ ኢዮም ዝነበሩ።
ንድኻታትን መሳኪንን ብቐጻሊ ይሓልዩሎም ስለ ዝነበሩ ድማ ብ2017 ምስቶም ግዳም ሓደር ዝዀኑ ድኻታት ፍሉይ ናይ እንግዶት ምሳሕ ዝገብሩላ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ንድኻታት ኣቘሙ።
ነፍስሔት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ወትሩ ንስደተይናታት "ሃንጐፋይ ኢልኩም ተቐበልዎም፣ ኣዕቊብዎም፣ ኣተባብዕዎ ከምኡውን ኣብ ሕብረተሰብ ከም ዝጽንበሩ ክገርዎም" ብዝብል ኣርባዕተ ቃላት ገይሮም፣ ብዛዕባ ተርእዮ ፍልሰትን ስደትን ብትብዓት ተዛረቡ፣ ነቲ ቅዱስነቶም "ሓደ ኻብቲ ኣብዚ ዘመን እዚ ዘጋጠመ ዝዓበየ ዘሕዝን ፍጻመታት" ክብሉ ዝጸውዕዎ ኩነት ከም ምዃኑ ብምትኳር ንምፍትሑ ዝሕግዝ ብዙሕ መሳርሒታታት ሓሳባትን ኣቕረቡ።
ንሰላም ዝነበሮም ተጸምዶ
ኵሉ ውግኣትን ግጭታትን መወዳእታ ኽግበረሉን ሰላም ንኽሰፍንን ልባዊ ምሕጽንታታት ብምቕራብ ነቶም ብዓመጻ እተጐድኡ ሕዝብታት መልእኽትታት ብምጽሓፍን ከምኡውን ብናይ ቪድዮ ጻውዒት ረኺቦም ብምጽንናዕን፣ ብፍላይ ከኣ ናቶም ኣብ ቃዛ ዝርከቡ ምእመናን ቍምስና ቅድስቲ ስድራ መዓልታዊ ናይ ስልኪ ጻውዒት ብምግባር ወይ ንካርዲናላት ብውክልና ብምስዳድ ከምኡ ውን ኣድላዪ መሰረታዊ ሓገዛት ብምልኣኽ ብቐጻሊ ዝነበሮም ቅርበት ገሊጾም ኢዮም። "ኣብ እዋን ውግእ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክኸውን ሓሲበ ኣይፈልጥን እየ ነይረ" እውን ክብሉ ተረኽቡ። ወትሩ መልእኽትታቶም ንጹር ኢዩ ዝንበረ - ኣብ ኣውሮጳን ንማእከላይ ምብራቕን ከምኡውን ኣብ ኣፍሪቃ ንዝቕጽሉ ዝንበሩ ግጭታት መፍትሔ ንምርካብ ዘኽእል ብዅሉ ወገናት ሽማግሌታት ብምልኣኽን ዘተ ብምግባርን ጥራይ ከም ዝከኣል ድማ ኣመልከቱ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ወትሩ ጸሎት ክግበረሉ ዝሓቱሉ ዝነበሩ ሓሳብ ወትሩ ብዛዕባ ሰላም እዩ ዝነበረ። ሶርያ ሊባኖስ ኣፍጋኒስታን፣ ሱዳንን ደቡብ ሱዳን፣ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ከምኡውን ኣብ ቅድስቲ መሬትን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ምእመናን ዘጠቓለለ መዓልትታት ጾምን ጸሎትን ንዘላም ኣካየዱ።
ብ2022 ንሩስያን ዩክረይንን ናብ ንጹሕ ልበ ድንግል ማርያም ወፈይወን። ብዕለት 8 ሰነ 2014 ምስ ፕረዚደንት እስራኤልን ፍልስጥኤምን ሺሞን ፐረስ ከምኡውን ማሕሙድ ኣቡስ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ሃገረ ቫቲካን ብምርኻብ ንዝኽሪ ሰላም ኦም ኣውሊዕ ናይ ምትካል ሥነ-ስርዓት ዝኣመሰለ ታሪኻዊ መደባት እውን ኣካየዱ።
ኣብታ ቐዳመይቲ ቦምባ ሩስያ ናብ ክየቭ እተደርበየትላ መዓልቲ ምስ ርእሰ ብሔር ፑቲን ዘተ ንምጅማርን ሽምግልና ንምክያድን ክብሉ፣ ናብ ልኡከ መንግስቲ ሃገረ ሩስያ ናብ ቅድስቲ መንበር ዝኾኑ ኣምባሳደት ኣሌክሳንደር ኣቭደየቭ ምብጻሕ ከካይዱ ዘይልሙድ ናይ ሰላም ተበግሶታት ውን ከም ዝወሰዱ ዝዝከር ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንመራሕቲ ዓለም ብዛዕባ እቲ ካብ ሰላማውያን ሕዝባታ ዝፈስስ ዝነበረ ንብዓት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መልሲ ኸም ዝረክብ ብምግላጽ፣ እቶም ወገናት ንሰላም ቀዳምነት ዝገበረ ዘተ ከካይዱን ንሰላም ኪዓዩን ብተደጋጋሚ ጻውዒት ኣቕረበሎም። ነቲ እናሰፍሐን እናዓበየን ዝኸይድ ዘሎ ንግዲ ኣጽዋር ውን ኰነንዎ፣ ንዓለም ለኻዊ ሃብቲ ጥሜት ንምቅላስ እምበር ኣብ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ኪውዕል ከም ዘይብሉ ድማ ሓሳብ ኣቕረቡ። ገለ ገለ እዋናት ነቐፌታን ግጉይ ትርጕምን እኳ እንተ ኣጋጠሞም፣ ኣብ ክንዲ መናድቕ ምስራሕ ድልድል ኣብ ምህናጽ ክጽዕሩ ድማ ጻውዒት ኣቕረቡሎ።
ሓደስቲ ምህዞታት
ዓመታት እናሓለፈ ኣብ ዝኸደሉ ኣብ ልዕሊ ቅዱስነቶም ብተደጋጋሚ ነቐፌታት ይለዓል ብምንባሩ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከኣ "ናብ ጸጋ ኣምላኽ ክስሕበና" ዝኽእል ብዋዛ ዝተሰነየ ሓሳባት ብምቕራብ ምላሽ ክህቡ ተረኽቡ።
እቲ ፍሉይ ኣገባብ ሓውርያዊ ጉስነቶም ንወግዓዊ ኣገባትን ስርዓታትን ከምኡ ውን ንናይ ቀደም ልምድታትን ሰጊሮም ብምሕላፍ እውን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብቲ ጥንታዊ መነብሪ ዝንበረ መንበሪ ኣርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘይኮነስ፣ ኣብ ቤተ ኣጋይሽ ክነብሩ ብምምራጽን ከምኡ ውን ነቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዝርከብ ናይ ክረምቲ መዕረፊ ቤት ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብምስራዝ ንብዙሕ ሕቶታት ዘበግስ ስጉምትታት ክወስዱ ተረኽቡ።
ብተደጋጋሚ ኣብ መርበብ ሃበሬታትን መደባት ተለቪዥንን ብምውጻእ ድማ ቃለመ መሕትት ይካይዱ ነበሩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ብ9 ቛንቋታት ዝመሓላለፍ @Pontifex ብዝል ስያሜ ኣብ መርበብ ሃበሬታ ተዊተር ጸኒሑ ኤክስ ዝኾነ ኣድራሻኦም ተጠቒሞም ብቕልጡፍን ብሰፍሐን ዝንበብ መልእኽትታት ከም መትረብ ኮይኑ ከገልግሎም መረጹ።
ከበድቲ እዋናትን ጸገማት ጥዕናን
ኣብዘን ብጻዕቂ ስራሕ ተታሒዞምለን ዝነበሩ ዓመታት ከም ቍጠባ ቅድስቲ መንበር ብዝምልከት ኣብ ምቍጽጻር ዘጠቓልል ነዊሕን እተሓላለኸን ጕዳያት ሃገረ ቫቲካንን ብልሽውናን ዓመጽን ዕንቅፋታትን ከምኡውን ብዛዕባ ሕትመት ሓደ ኣከራኻሪ መጽሓፍ ዝኣመሰለ ኣጸጋሚ እዋናት ኣሕሊፎም ኢዮም።
ብ2021 ከምኡ ውን 2023ን ኣብ ሆስፒታል ጀመሊ ሮማ መጥባሕቲ ተገብረሎም፣ ብ2023 ከኣ ብሰንኪ ዘጋጠሞም ጥዕናዊ ጸገማት ሥርዓተ ምስትንፋ ናብ ሆስፒታል ክኣትዉ ተገደዱ ስዒቡ ድማ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ብዘንኪ ዘጋጠሞም ድኽመታት ምንቅስቓስ ብብሽክለታ ስንኩላን ክንቀሳቐሱ ትገደዱ፣ ብተደጋጋሚ ሰዓልን ኢንፍሉወንዛን ስለ ዘጋጥሞም ዝነበረ ድማ ብጥዕናኦም ብዙሕ ተሳቐዩ።
ኣሃዛዊ ሓበሬታ
ብዙሕ ጸገማት እናሃለዎም ኽነሱ ግን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዘካይድዎ ዝነበሩ ጽዑቕ ንጥፈታትን ኣብ ኣገዳስቲ ፍጻመታት ዝነበሮ ተሳትፎ ውን ፈጺሙ ኣይተዳኸመን። ገሊኡ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ነዚ ሓቂ እዚ የብርሆ ውን ከብርሆ ይርከብ - ልዕሊ 500 ሓፈሻዊ ሕዝባዊ ርክባት ኣካየዱ፣ 163 ሓደስቲ ካርዲናላት ሾሙ እዚ ድማ ንቤተክርስቲያን ኣድማሳዊ ቅርጻ ከም እትሕዝ ዝገበራ ኢዩ ዝነበረ። ልዕሊ 900 ኣዋጃት ቅድስና (እንተላይ ናይቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ሰለስተ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት - ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23፣ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ከምኡ ውን ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ) ኣዋጅ ቅድስናታት ኣካየዱ፣ ከምኡ ውን ከም ፍሉይ ዓመታት ሰብ ውፉይ ሕይወት (ኣብ 2015-2016)፣ ዓመተ ቅዱስ ጆሴፍ (ኣብ 2020-2021) ከምኡውን ዓመተ ስድራ ቤት (ኣብ 2021-2022) ዝኣመሰሉ ፍሉያት ዓመታት ኣካየዱ፣ ከምኡውን ኣርባዕተ ዓለም ለኻውያን ቅነ መንእሰያት ዓለም - ኣብ ሪዮ ዲ ጃንየሮ፡ ክራኮቭ፡ ፓናማ፡ ሊዝበን ኣካየዱ። ክልተ ዓመታት ኢዮቤል፦ ነታ ኣብ 2016 ዝተኻየደት ፍልይቲ ዓመት ምሕረትን፣ ነዚ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ኣብ 2025 ዝተጀመረ ዓመት ኢዮቤል "ነገድያን ተስፋን" ብዚብል ስያሜታት ኣወጁ።
ኣብ ግዜ ለበዳዊ ሕማም ኮቪድ 19 ዘካየድዎ ጸሎት ፍኖተ ዓለም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስክኮ ዝተፈላለዩ ቃለ - መሕትታ ብምክያድን፣ መጻሕፍን መቅድም ናይ ዝተፈላልዩ መጻሕፍቲ ብምጽሓፍን ከምኡ ውን ታሪኽ ህይወቲም ባዕሎም ብምጽሓፍ ከይተረፈ ምስ ሕዝቢ ዝነብሮም ጥብቕ ርክብ ከደልድሉ መረጹ እንተዀነ ግን ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ተርእዮታት እቲ ብዕለት 27 መጋቢት 2020 ኣብ እዋን ኮቪድ 19፣ ኣብቲ ጥርሑ ዝነበረ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንበይኖም ኮይኖም ዝናም እናዘነመ ዘካየድዎ “ፍኖተ ዓለም” ዝተሰምየ መደብ ጸሎት ዘርኢ ምስሎም ኢዩ ዝነበረ ። በቲ ሕማም ኮቪድ - 19 ዘስዓቦ ለብዒ መዓልታዊ ሕወታ ኣብ እተሰናኸለሉ እዋን፣ ዓለም ነቲ ዜሕዝን ፍጻመ ኣብ ዝባኖም እተሰከሙ ብዕድመ ዝደፍኡ ቅዱስ ኣቦ ረኣየት ። ደቅሰብ ይሳቐዩ እኳ እንተ ነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ግን ብዛዕባ ተስፋን ሓድነትን ክብሉ ተዛረቡ - "ኵላትና ኣብ ሓንቲ ጃልባ ስለዘሎና፣ ኵላትና ተነቀፍቲ ኸም ዝዀንና ተገንዚብና ኣሎና፣ እንተዀነ ግን ኣድላዪን ኣገዳስን እኳ እንተዀነ ኵላትና ብሓባር ክንቃለስ ጸዊዕና አሎና።"