ር. ሊ. ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዛዕ ሰላም ካብ ዝንበዩ፣ ድሕሪ 20 ዓመት
ብኣንድርያ ቶርኒየሊ - ዋና ኣሰናዳኢ ዜና ቫቲካን
ቀዳም ዕለት 2 ሚያዝያ 2005 ምሸት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ብሞት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካብ ዝሓዝኑ ዕስራ ዓመት ኣቑጺሩ ኣሎ።
ድሕሪ ዕስራ ዓመት እውን እዞም ቅዱስ እዚኦም፣ ዓብዪ ተጣባቒ ህይወትን ሰብኣዊ ኽብርን ሃይማኖታዊ ሓርነትን ከም ዝነበሩ እዩ ዝዝከር ። ብፍላይ ነቲ ኣንጻር ዴሳዊ ስርዓት ዝነበሮም ጽኑዕ መርገሲ ውን ዝዝከር ኢዩ ። ይኹን እምበር ነቲ ኣብ ታሪኽና ብፍላይ ኣገዳሲ ዝዀነ ኻልእ ትንቢታዊ ትምህርትታቶም ውን ዝዝክርዎ ሰባት ውሑዳት ኣይኰኑን።
ኣብ 2000 ዓመተ ምሕረት ድሕሪ ምፍራስ መንደቕ በርሊን ውን ከይተረፈ ኣብ መላእ ዓለም ብዙሓት ሰባት በቲ "መወዳእታ ታሪኽ" ዝብል ሓሳብ ሰኺሮም ነበሩ። እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብተን ሃገራት ምብራቓዊ ክንፊ ኤውሮጳ ሓሻሻዊ ኣተሓሳስባን፣ ዓለማውነትን ካብ እምነታዊ ተሓድሶ ንላዕሊ ኣስፋሕፊሑ ነበረ።
እዞም ፖላዳዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓወልቲ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘፋጢማ ናብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ከምጽእዋ መረጹ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ሰማዒ እዝኒ ዘይረኸበ ቃላት ተዛረቡ፣ "ደቅሰብ ኣብ ቀራና መንገዲ ኢዮም ደው ኢሎም ዘለዉ። ሕጂ ንዓለም ናብ ስፍራ ኣታኽልቲ ኽትልውጣ ወይ ናብ ኵምራ ፍርስራስ ዑናታት ክትቅይራ ዝኽእል ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓይሊ ዘለዎ መሳርሒታት ጨቢጦም ሒዞም ኣለዉ።"
ድሕሪ ሓደ ዓመት እቲ ኣብ ዕለት 11 መስከረም 2001 ዘጋጠመ ዜሕዝን ፍጻመ ንምዕራባውያን ዳግም ናብ ፍርሕን ራዕድን መለሶም።
ካብ 1991 ኣትሒዞም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፣ ነቲ ናይ ፈለማ ውግእ ወሽመጥ [ዓረብ] ተቓወምዎ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እቶም ቅድሚ ኽልተ ዓመት በቲ ኣብ ምብራቓዊ ኣውሮጳ ዝነበሮም ግደ ዝድንቅዎም ዝነበሩ ምዕራባውያን መራሕቲ ጠንጠንዎም ።
ብ2003 ሓያሎ ምዕራባውያን ሃገራት ምስ ዒራቕ ካልኣይ ውግእ ምስ ጀመራ ነቲ ውግእ እቲ ብዝያዳ ተቓወምዎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብቲ ግዜ እቲ ብሕማም ፓርኪንሰን ይሳቐዩን ኣካላዊ ድኻም ይስምዖምን ስለ ዝነበረ፣ ነቶም ነዚ ሓድሽ ወራር ወሽመጥ ዓረብ ዝመርሑ ዝነበሩ 'መንእሰያት' ዝኾኑ መራሕቲ መንግስታት ዳግም ከጠንቅቕዎም ተገደዱ።
እቶም ብዕድመ ተካኢ ንጴጥሮስ፣ ወዲ እቲ በጃ ዝኾነ ህዝቢ ከም ምዃኖም መጠን፣ ኣብ ዝሓለፈ ውግእ ዓለም ዘጋጠመ ዜስካሕክሕ ነገራት ኣዘኻኸርዎም።
ኣብ ግዜ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር "ኣነ ኻብቶም ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝነበሩን ዝደሓኑን ወለዶ እየ ። ንዅሎም መንእሰያት ነቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮ ዘይብሎም እቶም ካባይ ብዕድመ ንዝነኣሱ 'ደጊም ውግእ ኣየድልን ኢዩ!' ክብሎም ግዴታ ኣሎኒ። — ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ ዝበልዎ ኢዩ ዝነበረ ። ዝከኣለና ዅሉ ኽንገብር ኣሎና" ውን በሉ።
ሎሚ ዓለማት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ማዕከን ኣጽዋራቶም ንምምላእ ኣብ ዝጓየዩሉ ዝለዉ ፕሮፓጋንዳ ድማ ነቲ ብዙሕ ወተሃደራዊ ወጻኢታት መመኽነይታ ንምቕራብ ናይ መጠንቀቕታን ፍርህን ሃዋሁ ኸም ዚሰፍን ስለ ዝገብሩ ዘለዉ፣ ነቶም ኻብ "ርሑቕ ሃገር" ዝመጹ ናይ ሮሜ ጳጳስ እተዛረብዎ ትንቢታዊ ቃላት ሎሚ ውን ክንዝክሮ ይግባእ።
ሕጂ ውን እቶም ተኸታሊኦም ዝኾኑ ናይ ሮማ ጳጳስ፣ ነቲ ውግእ ዘስዕብ ዘሎ ጽላለ ንበይኖም ደው ኢሎም፣ ነዚ ኣውያት እዚ የቃልሑ ኣለዉ።