MAP

ሥርዓተ ቀብሪ ርእስ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሥርዓተ ቀብሪ ርእስ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto) ርእሰ ዓንቀጽ

ገጻት ወንጌል ብንፋስ ኣብ ዝግልጸለሉ ዝነበረ ሥርዓተ ቀብሮም ንር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ተሰናበትናዮም

ኣንድርያ ቶርኒየሊ ዋና ኣሰናዳኢ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀስ ዜና ቫቲካንን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተገብረሎም ናይ መወዳእታ ፈነወ ሥርዓተ ቀብሮም ኣመልኪቱ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ጸሓፈ ።

ብኣንድርያ ቶርኒየሊ

ዕስራ ዓመት ይገብር ብ8 ሚያዝያ 2005 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ [ብናይ ጥምቀት ስሞም] ካሮል ቮይትዋ ድሮ እታ ሰንበት መለኮታዊ ምሕረት እትፍለጥ ዕለት ካብ ድኻም እዛ ዓለም እዚኣ ከም ዝዓረፉ ዝዝከር ኢዩ። ትማሊ ድማ ኣብ ድሮ እዛ ሰንበት መለኮታዊ ምሕረት እዚኣ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ምእመናን ድሕሪ ዕስራ ዓመት ንጆርጅ ማሪዮ በርግልዮ [ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍንራንቸስኮ] ናይ መወዳእታ ፈነወን ሥርዓተ ቀብሮምን ኣካየዱ።

እቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቡ ዝነበረ ሕዝቢ ኣብ ቅድሚኡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ መጽሓፍ ቅዱስ ወንጌል ተኸፊቱ እተቐመጦ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ተራ ሳጹን ሬሳ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ይዕዘብ ነበረ ።

እቲ ንበዓል ጥዑም ዝኽሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተኻየደ መሥዋዕተ ቅሴን ሥርዓተ ቀብሮምን ብሓቂ ስምዒትካ ዝትንክፍ ምዕሩክን ፍቕርን ኣኽብሮትን እተራእየሉ ሥርዓት ኢዩ ዝነበረ። እቶም ኣብ ሰንበት በዓል ትንሳኤ ንመወዳእታ ግዜ ኸም ዝኸውን ከይፈለጡ እተሰናበትዎም ሕዝቢ ኣምላኽ ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ኽፋል ምድራዊ ጕዕዞ ቅዱስነቶም ውን ከሰንይዎም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተረኽቡ።

እቲ ኣብ መንጽር ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ ቅርዓት በቶም መራሕቲ መንግስታትን ካልኦት ክቡራት ሰባትን ጥራይ ዘይኰነስ፣ ንኢዮቤል ተስፋ ካቶሊካውያን ኣባጽሕ ንምስታፍ ናብ ከተማ ሮማ ዝመጹ ብዙሓት መንእሰያት እውን ኣዕለቕሊቑ ነበረ።

ብዙሓት ተወከልቲ ካብ ካልኦት ኣብያተ ክርስትያንን ተወከልቲ እተፈላለዩ ሃይማኖታትን እውን ኣብ መደያይቦ ናይቲ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ተረኪቦም ነበሩ። ኵላቶም ድማ ብሕብረት ንሓደ ንወንጌል ክርስቶስ እሙን ዝነበረን ምስኣሕዋት ብሓድነት ካብ ምስባኽ ፈጺሞም ዘየቋረሱን ኣብ ሆስፒታል ደቂሶም ክንሶም እኳ ከይተረፈ ውግእ ከብቅዕ ጻውዒት ዘቕረቡ ጓሳ ብዓቢይ ኣኽብሮት ተሰናበቱ።

ብፍላይ ካብቲ ብብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ሬ ዝቐረበ ስብከት ብፍልይ ኽልተ ጥቕስታት ብድሙቕ ጣቕዒት ተቐባልነት ረኸበ።

ቀዳማይ ተልእኾ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ቤተ-ክርስትያን ማሕደር ናይ ኵሎም ከም ዝዀነት ምእማን፣ ንሳ ማዕጾ ዘለዎ ቤት ኣፍደጌአ ወትሩ ኽፉት ዝኾነት ኢያ" ዝብል እምንቶ ኢዩ ዝነበረ።

እዚ ድማ ነቲ ኣብ ሊዝበን እስጳኛ፣ ኣብ እተኻየደ ናይ መወዳእታ ዓለም ለኻዊ ቅነ መንእሰያት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ንኵሉ ኵሉ ኵሉ" ክብሉ ዝመስከርዎ ቃል ዘቃልሕ ኢዩ ዝነበረ። በዘን ቃላት እዚኣተን ኣቢሎም ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መንነትና ብዘየገድስ ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪፈልየና ዚኽእል ዋላ ሓደ ኸም ዘየለ ገለጹልና።

ቅዱስ ኣቦና ነቶም እተገለሉን ንድኻታት ከምኡውን ንመሳኪን ቀዳምነት ብምሃብ ክፉት ማዕጾ ዘለዋ ቤተ-ክርስትያን ክሃንጹ ዝጸዓሩ ኣቦ ኢዮም ዝነበሩ። ኣብ ድርኵዂት ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ኣብ ጥቓ ሓደ ኻብቲ ዓብዪ መለለዩ መንፈሳውነቶም ዝዀነት ኣይቆና ቅድስተ ማርያም ጠበቓ ሮማውያን ሮማኒ ቕድሚ ሥጋኦም ምዕራፉ ናይ መወዳእታ ፈነወ ንምግባር ኣባኡ እተቐበልዎም ሰባት ድማ እዚኣቶም ኢዮም ዝንበሩ።

እቶም ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሥርዓት ቀብሮም እተኣከቡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ነጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕትን ነቲ ብፁዕ ካርዲናል ረ ብዛዕባ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ደኺመ ኸይበሉ ሰላም ንኽሰፍን ዘቕረብዎ ምሕጽንታታን ጸዋዕታን ምስ ጠቐሱ ድማ ብርቱዕ ጣቕዒት ኣቕረቡሎም።

ቅዱስ ኣቦና ከይደኸሙ ደጋጊሞም ዘቕረብዎ ጻውዒት ከምኡውን "ውግእ ሞት ደቂ ሰባትን ዕንወት ኣባይትን ዕንወት ሆስፒታላትን ኣባይቲ - ትምህርትን ጥራይ ስለ ዘስዕብ፣ ዝዀነ መፍትሒ ንምርካብ ብቕንዕና ዝግበር ዘተ" ጥራይ ኢዩ እቲ መልሲ ብምባል መስኪሮም ኢዮም ። ውግእ ወትሩ ስዕረት እዩ! እዚ ኸኣ ኢዩ እቲ ናይ ወትሩ ቃላቶም ዝነበረ - ነዛ ዓለም እዚኣ ከአ ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝገደደት ኢዩ ዝገብራ፣ ከመይሲ ውፍእ ወትሩ ዜሳቕን ዜሕዝንን ስዕረት እዩ ።"

መሥዋዕተ ቅዳሴ ቀቅድሚ ምጅማሩ ኣርእስተ ብሔራት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዩክረይንን ንሒደት ደቓይቕ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ተራኸቡ። ካብዚ ርክብ እዚ ድማ ኣወንታዊ ነገር ክመጽእ ተስፋ ንገብርን ንጽልን ኣሎና፣ እዚ ኸኣ እቲ ንመጀመርታ ግዜ ስም ናይቲ በዓል ኣሲዚ ዝኾነ ቅዱስ ናይ ሰላም ጠበቓ ዝወሰደ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘበገሶ ናይ መወዳእታ ዘተ ኢዩ።

27 Apr 2025, 17:43