MAP

ስርዓተ ሊጡርጊያ ዓርቢ ስቕለት፡ 'ክርስቶስ መልሕቕ ተስፋና እዩ'

ካርዲናል ክላውድዮ ጉጆሮቲ ዓርቢ ስቕለት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ስርዓተ ሊጡርጊያ ሕማምት ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዕለት 18 ሚያዝያ ምሸት ከም ልኡኽ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኮይኖም ከም ዝሰርዑን፣ ኣብዚ ሊጡርጊያ ሕማማት ዘእግዚኣነ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ፣ ‘ክርስቶስ መልሕቕ ተስፋና’ዩ’ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስሞዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክንክን ጥዕናኦም ኣብ ዝቕጽለሉ ዘለውሉ እዋን፣ ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ክላውድዮ ጉጆሮቲ፣ ዓርቢ ስቕለት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ስነ ስርዓተ ሊጡርጊያ ስቓይን ሞትን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝሰርዑን። ዓርቢ ስቕለት ኣብ ዓመት መስዋዕተ ቅዳሴ ዘይዓርገላ እንኮ መዓልቲ ከም ዝኾነትን ኣብታ ዕለት እቲኣ ድማ ቤተ ክርስቲያን ብሰለስተ ክፋላት ዝቖመ ስቓይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተብዕል። ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ኣምልኾ መስቀል፤ ከምኡውን ምቕባል ቅዱስ ቁርባን ዝብሉ ምዕራፋት ዘጠቓልል እዩ።

ስግንጢር ዓወት

ድሕሪ ኣዋጅ ስቅያት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ሰባኺ ቤተ ጳጳስ ኣባ ሮበርቶ ፓዞሊኒ፣ ኣብ መንጎ ጸሎተ ሓሙስን ሰንበት ፋሲካን ዓርቢ ስቕለት ከምዘሎ ብምዝኽኻር፣ ነቲ ኣብ ስቓይ ክርስቶስ ዝተገልጸ ልዑል ፍቕሪ እነስተንትነላ መዓልቲ ምዃና ኣዘኻኺሮም . . . ዓርቢ ስቕለት ድማ መዓልቲ ስዕረት ዘይኮነስ በንጻሩ መዓልቲ ዓወት እያ . . .!

እቲ 'ብልሒ መስቀል'

ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣስዒቦም፣ ብዛዕባ “ብልሒ መስቀል” ከነስተንትን ዓዲሞም፣ ኣብዚ ሰብ ሰርሖን ትንበያውን ብልሒ ንኣተሓሳስባና ኣብ ዝዕብልለሉ ዘሎ እዋን፣ መስቀል ብሱር በተኻዊ መንገዲ ዝተፈልየ መልክዕ ጥበብ የቕርበልና - ዘይቀመራዊ ወይ ዘይወዳደር ግን ከኣ ብቐሊሉ ዘፍቅርን ዝወሃብን እዩ። እዚ ብልሒ እዚ ሰብ ሰርሖ ዘይኮነስ ብዕምቆት ውልቃውን ንኣምላኽ ክፉት ምዃንን ዝውክል እዩ። ኣብዛ ብቀመራዊ ሰብ ስረሖ ኣስተውዕሎ ዝተቐረጸት ዓለም፡ መስቀል ሓቀይና ናጽነት ይመልስ - ዋላ’ውን ዘኽፍል የኽፍል፣ ናይ ምፍቃር ናጽነት እዩ ምስ በሉ፣ ናብ መልእኽቲ እብራውያን ምልስ ቢሎም፣ “ኢየሱስ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ እንኮሎ፣ ናብቲ ካብ ሞት ኬድሕኖ ዝኽእል፣ ብብርቱዕ ገዓርን ንብዓትን፣ ጸሎትን ምህለላን የቕርብ። ንኣምላኽ ዝእዘዝ ስለ ዝነበረ ኸኣ ጸሎቱን ምህለላኡን ተሰምዐ (እብ 5፡7) ዝብል ነንብብ።

ብመጀመታ እዚ ክትቅበሎ ኣጸጋሚ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ኢየሱስ ገና ኣብ መስቀል ሓንሳብ ምስ ሞተ ከመይ ጌሩ እዩ “ክስማዕ” ዝኽእል ቢሉ ክሓትት ዝከኣል እዩ. . . "እቲ ምስጢር ድማ ኣብቲ ኣቦ ብኸመይ ከም ዝመለሰሉ እዩ ዘሎ - ንወዱ ካብ ስቓይ ብምድሓን ዘይኮነስ፣ ነቲ ስቓይ ብናጽነት ክቕበሎን ክሓቑፎን ሓይሊ ኣብ ምሃብ ይምልሰሉ። እዚ "ፍጹም ገዛኣ ርእስኻ ምሓዳግ" እዚ ክርስቶስ ንፍቓድ ኣቦ ብምሉእ ተኣማንነት ምቕባሉ እዩ ዘረጋግጽ፣ ዋላ ኣብቲ ድቅድቅ ዝበለ ጸልማት እውን እንተኾነ።"

ሰለስተ ህሞት

ኣባ ፓዞሊኒ ኣብ ስቓይ - ሕማማት ኢየሱስ ምሉእ ትውክልቲ ዘርኣየሉ ሰለስተ ህሞት የቕርቡ። ቀዳማይ ኣብ ጌተሴማኔ እቶም ኪኣስርዎ ዝመጹ ምስ ኣጓነፍዎ፣ ንቕድሚት ገጹ ብምኻድ ዚመጾ ዘበለ እናፈለጠ ወጸ፣ ንመን ትደልዩ አሎኹም በሎም። ንሳቶም ድማ ንየሱስ ናዝራዊ ኢሎም መለስሉ። ኢየሱስ ከኣ፡ ኣነ እየ፡ በሎም (ዮሃንስ 18፡ 4-6)። እዚ ድማ ኢድካ ምሃብ ማለት ዘይኮነስ፣ ተባዕ ተበግሶ ምዃኑ ኣነጺሮም። እዚ እውን “ንህይወተይ ባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋ እምበር ካባይ ዝወስዳስ የልቦን (ዮሃ 10፡18) ከም ዝበሎ እዩ። ኣብዛ ህሞት እዚኣ፣ ኣብ መከራ እውን ከይተረፈ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ህይወትና ኽንጽመድ ክንመርጽ ከም እንኽእል የርእየና። "ኣብ ሕማማትናን ቅልውላዋትናን ስንባደ ልብናን፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ክንገጥሞ ዝኽል ኩሉ - ውጽኢት ንምቕያር ዘይኮነስ፣ ናጻ ዄንና ብእምነት ጸኒዕና ንኽንቅጽል ኢዩ" ኢሎም።

ቀጺሎም ኢየሱስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ እንከሎ “ጸሚአ” (ዮሃ 19፡28) ይብል፣ እዚ ጽምኢ እዚ ተቓላዕነት ዝገልጽ እዩ። "ባዕሉ ንገዛእ ርእሱ ክህቦ ዘይከኣሎ ነገር ይሓትት . . . እዚ ኸኣ ፍቕሪ ምሃብ ጥራይ ዘይኮነ፣ ምቕባል እውን ማለት ምዃኑ የርእየና" እንክብሉ የስተብህሉ።

ኣብ መወዳእታ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ፣ ነታ “ተፈጸመ” (ዮሃ 19፡30) እትብል ናይ ኢየሱስ ናይ መወዳእታ ቃል መሰረት ገይሮም፣ እዚ ናይ ተስፋ ምቑራጽ ኣውያት ዘስምዕ ዘይኮነስ፣ ናይ ተኣዛዝነትን ተኣማንነትን ኑዛዜ ምዃኑ ኣብሪሆም፣ "ኢየሱስ ንኹሉ - ህይወቱ፣ መንፈሱ - ብዘይ ገለ መቝነን እዩ ዚህብ . . . ኣብዚ ናይ መወዳእታ ተግባር እዚ ጎይታ ሓቀይና ናጽነትን ትርጉምን ካብ ሓይሊ ወይ ካብ ምንስሓብ ዘይኮነስ ገዛእ ርእስኻ ካብ ምሃብ ዝመጽእ ምዃኑ ይምህረና"።

ገዛእ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ምሃብ

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብዚ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም.፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክርስቶስ “መልሕቕ ተስፋና” ምዃኑ የዘኻኽሩና (ዕብ 6፡19)፣ ኰይኑ ግና፣ ኣብ እንሳቐየሉ እዋን ተስፋ ክንገብር ኣጸጋሚ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ዝቐርበልና ዕድመ እምበኣር፣ ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፣ ብጊዜ ጸበባ እውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ፣ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ምቕራብ (እብራውያን 4፡16) ዝብል ምዕዶ እብራውያን ክንስዕብ እዩ። በዚ ኸኣ ናብ መስቀል እንቐርብ ኩሉ ምሉእ ብምሉእ ንኽንርደኣና ዘይኮነስ፣ እንታይ ደኣ ኣብቲ ምስጢር ክንውከልን እዚ ምትእምማን እዚ ንህይወትና ኪቐርጽ ኽንፈቕደሉን መታን እዩ።

በዚ ምኽንያት እዚ ኣብቲ ጥንታውን ቅዱስን ናይ ዓርቢ ስቕለት ኣምልኾ ተግባር ክንሳተፍ ኣተባቢዖም፣ ሎሚ ናብ ዕጸ መስቀል ኣብ እንቐርበሉ ዘለና እዋን፡ ውሳኔ ንኽንገብር ደኣ እምበር ስርዓት ንፍጻም ኣይኮነን . . . ገዛእ ርእስና በቲ ኣምላኽ ንዓለም ንምድሓን ብዝመረጾ መንገዲ ክንህብ ንመርጽ። ስቓይ ብምእላይ ዘይኮነስ ብኣኡ ብምሕላፍ እዩ።"

ናይ ተስፋን ምጽንናዕን ቃላት

መስቀል ምጽንናዕ ዘይኰነስ ፍቕሪ እዩ ዚመባጻዕ . . . "እተዳሎና ኮይኑ ኣይስምዓናን ይኸውን፣ ሓይልና ውን ሒደት ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግና መንፈስ ቅዱስ ንልብና በቲ ጥዑም ሓይሊ መለኮታዊ ፍቕሪ ይመልኦ” እንክብሉ ኣረጋጊጾም፣ "ንሱ ቅድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ፣ ንሕናውን ንፈተውትናን ንስድራ ቤትናን ንዝጐድኡናን እውን ከይተረፈ ኸነፍቅሮም ንኽእል (1 ዮሃንስ 4 19) እንክብሉ ዘስምዕዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

19 Apr 2025, 17:12