ሓሳብ ጸሎት ር. ሊ. ጳ. ውርሒ ሚያዝያ፦ ዘመናዊ ተክኖሎጂ ንዅሉ ምእንቲ ክጠቅም
ኣባ ተወልደ መባራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ ወርሒ ሚያዝያ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሓሳብ ጸሎቱኦም ምእንቲ እዚ ኣብዚ ዘመና ዝምዕብል ዘሎ ተክኖሎጅያዊ መሳርሒታትን ከምኡውን ብዛዕባ ኣጠቓቕማኡ ብዝምልከት "ንሰብኣዊ ክብሪ ዘኽብርን፣ ንሰብኣዊ ርክባት ዘይትክእን ከምኡውን ነዚ ኣብዚ ግዜና ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት ንኽንዋጽኣሉ ዝሕግዘና ክኸውን" ኣብ ዝብል ተስፋ ክኸውን ምሕጽንታኦም ኣካፈሉ።
ኣብ ዓለም መርበብ ማሕበራዊ መራኸቢታት
ኣብዛ ብዝንባሌታት ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓንn ከምኡ ውን እቲ እናዓበየ ዚኸይድ ዘሎ ዓውዲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት (AI) ኣዕለቕሊቓ ዘላ ዓለም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ፍረ እቲ ኣምላኽ ዝሃበና ምስትውዓል እዩ" ብምባል ኣጕልሑ። ይኹን እምበር ብዘይግቡእ ከይንጥቀመሉ የጠንቅቐና እዩ ፣ ከመይሲ እዚ ኹሉ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኪህልዎ ስለዝኽእል ።
ንኣብነት ይጠቕሱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ርእስኻ ምግላልን፡ ሓቀይና ርክባት ዘይምህላውን ኣብ መንጐ ደቂ ሰባት ተኸሲቱ ስለዘሎ ኢዩ ውን ይብሉ። "[ሎሚ] ካብ ምስ ሰባት ንላዕሊ ምሳ ሞባይል ተሌፎንናት ዝያዳ ግዜ እንተ ኣሕሊፍና ገለ ሽግር ኣሎና ማለት ኢዩ" በሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብኹሉ መንገድታት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቡ ብዙሓን "ብድሕሪ እቲ ዝርእይዎ ገጻት ገለ ዘስተንፍሱን ዝስሕቁን ዝበኽዩን ኣካላውያን ሰባት ከም ዘለዉ ከም እንርስዕ ይገብረና" ብምባል ውን የጠንቅቑ ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መስመር ኢንተርነት ምጥቃምን ጽልእን ምፍልላይን ክላባዕ ይርከብ ኣሎ።
ኣብ ርእሲ እዚውን ዝመናዊ ተክኖሎጂ ኣብ ቍጠባውን ማሕበራውን ሻቕሎትን፣ ትምህርታውን ካልእ ዘይማዕርነታዊ ክዉንነታት ስለ ዝመርሕ "ንኻልኦት ሓዲግካ ንሒደት ጥራይ ክትጠቅም" ዘይግባእ ነገር ኢዩ ክብሉ ውን ይላበዉ።
ዘመናዊ ተክኖሎጂ ኣብ ኣገልግሎት ደቂ-ሰብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ሓደጋታት እዚ ንምውጋድ ንዅሎም ደቂ-ሰባት ሓድነት ከም ዚህልዎም ንምግባርን፣ ንእተሸገሩ ንምሕጋዝን፣ ህይወት ሕሙማት ንምምሕያሽ፣ ብሉጽ ባህሊ ኸም ዚሰፍን ንምግባር ከምኡውን ንምድሪ ንምዕቋብ "ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ኣብ ኣገልግሎት ደቂ-ሰባት ክውዕል" የተባብዑ ።
ዘመናዊ ተክኖሎጂ ንሰብ ካብ ክውንነትን ሰብኣዊ ርክባትን ዝፈልዮም ክኸውን የብሉን ። ቅዱስነቶም ንዅሎም ሰባት "ካብ ስክሪኩም ንታሕቲ ዓዕሚቕኩም ጠምቱ" ይብሉ፣ ከምኡውን "ኣብ የዒንቲ ሕድሕድኩም ድማ ተጠማመቱ" ብምባል ጻውዒት የቕርቡ ። ዘመናዊ ተክኖሎጂ ኣብ ሰብኣዊ ርክባት ዘለዎ ተራ ሚዛኑ ብምሕላው ነፍሲ ወከፍና "ብሓቂ እቲ ልዕሊ ኹሉ ኣገዳሲ እንታይ ምዃኑ፣ ማለት ኣሕዋትን ኣሓትን፤ ውሉድ ሓደ ኣቦ ምዃንና ንኽንፈልጥ" ምኽኣል ኢዩ።