MAP

2025.03.31 Seconda Assemblea Sinodale delle Chiese in Italia 2025.03.31 Seconda Assemblea Sinodale delle Chiese in Italia   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ፦ ቤተ ክርስትያን እቶም ብሕብረት ዝጕዓዙ ህዝቢ ኣምላኽ እዮም

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ኢጣልያ ኣብ እተኻየደ ካልኣይ ሲኖዳዊ ጉባኤ ንእተሳተፉ ኣባላት ኣብ ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ቤተ-ክርስትያን በቶም ብሓባር ዝጕዓዙ ህዝቢ ኣምላኽ ዝቖመት ከም ምዃናን፣ ክርስትያናዊ ሓጐስ ከኣ ካብቲ ንጸገማት ዝፈትሕ ተራ መጐተ ዘይኰነስ ጐይታ ፈጺሙ ኸም ዘይሓድገና ርግጸኛታት ኣብ ምዃና ከም ዝርከብ ኣዘኻኸሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ካብ ዕለት 31 መጋቢት ክሳዕ ዕለት 3 ሚያዝያ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ዝለኦ ካልኣይ ሲኖዳዊ ጉባኤ ኣብያተ-ክርስትያን ኢጣልያ ንዝሳተፉ ዘለዉ ኣባላት ትማሊ ሰሉስ ዕለት 1 ሚያዝያ ኣብ ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ "ክርስትያናዊ ሓጐስ ወትሩ ግዜ ንገለ ዘወግን ዘይኰነስ ንዅሉ ዚሓቍፍ እዩ" ክብሉ ነዚ መዘኻኸሪ እዚ ኣካፈልዎም።

ነርባዕተ ዓመታት ዝቐጸለ ጽን ኢልካ ናይ ምስማዕን ሜመያን ግዜ

እዚ መደብ እዚ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ሓንቲ ሲኖዶሳዊት ቤተ-ክርስትያን ዘለዎም ሓሳባት ዘንጸባርቕ ሓባራዊ ሓላፍነትን ሜመያን ብዝመልኦ መንፈስ፣ ነቲ ብ2021 ኣብ ሃገረ ኢጣልያ እተኻየደ ናይ ሃገረ ኢጣልያ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ሲኖዳዊ ጐደና ዝተሰምየ ናይ መወዳእታ "ትንቢታዊ" ደረጃ ዝሕብር ኢዩ።

እቲ ዝነበረ ቀንዲ ኣርእስቲ ድማ “ሓጐስ” ዝብል ኮይኑ፣ ኣብቲ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ጳጳሳትን ካብ መላእ ኢጣልያ ዝመጹ ተወከልቲ ሰበኻታትን፣ ነቲ ኣብዘን ኣርባዕተ ዓመታት እተኻየደ ናይ ምስማዕን ሜመያን ብዝቐተበ ሓሳባትን እማሜታትን መኣዲ ዘተ እተኻየደሉ ቀንዲ ኣርእስቲ ኢዩ ዝነበረ ።

ክርስትያናዊ ሓጐስ ኣብ ኩሉ ኩነታት ህይወት ኣብ ኣምላኽ ምውካል ኢዩ

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ "ሓጐስ ምእንቲ ኺመልእ" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ብምስትንታን፣ ሓቀይና ሓጐስ ተራ ዝኾነ ደስታ ከም ዘይኰነን፣ ንጸገማት ዚኸውን ተራ መፍትሔ ከም ዘይኰነን፣ ካብ መስቀል ዝረሐቐ ዘይኮነስ የግዳስ ጐይታ ፈጺሙ ኸም ዘይሓድገና ርግጸኛታት ክንከውን ከም ዘሎና እዩ ዜዘኻኽረና" ክብሉ ጸሓፉሎም

ቅዱስነቶም ኣብቲ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዝነበረሉ እዋንን፣ ሕጂ ኣብ መንበሪ ገዝኦም ኮይኖም ካብ ሕማሞም ኣብ ዝሓወየሉ ዘለዉ እዋንን፣ ኣምላኽ ብብሕቶም ቀረባኦም ከም ዝኾነ  ነቶም ተሳተፍቲ ኣረጋገጹሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ከምዚ ክብሉ ይጽሕፉ - "ክርስትያናዊ ሓጐስ ኣብ ኵሉ ዅነታት ህይወትና ኣብ ኣምላኽ ምውካል ኢዩ።”

ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕካ ብሓባር ምጕዓዝ

ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ "ንመጻኢ ኣብያተ-ክርስትያን ኢጣልያ ወሳኒ ዝዀነ" መንገድያት ንምምራጽ ይሰናደዉሉ ኣብ ዘለዉ፣ ነቶም ተሳተፍቲ "በቲ መንፈስ ቅዱስ ዘፍርዮ ናይ መሃዝነት ስኒት ክምርሑ" ጻውዒት ኣቕረበሎም፣ ከምዚ ድማ በልዎም - "ቤተ-ክርስትያን ብብዙሓት ወይ ብውሑድ ዘይኰነትስ ብቅዱሳንን እሙናትን ህዝቢ ኣምላኽ ዝቘመት ኢያ። ንሳቶም ከኣ ብቓልን ብመንፈስን ኣብ ብርሃን ታሪኽ ዝመላለሱ ኢዮም" ክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ።

02 Apr 2025, 14:30