ር.ሊ.ጳ. ኣብ መቓብር ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ንኽጽልዩ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሃንደበታዊ ምብጻሕ ኣካይዶም
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዝርከብ መንበሪኦም ቅድስቲ ማርታ ህንጻ፣ ኣብ መቓብር ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ጸሎት ንኸዕርጉ ማንም ከይተጸበዮ ናብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ድንገታዊ ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓሙስ ዕለት 10 ሚያዝያ ካብ መንበሪኦም ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኻድ ኣብ መቓብር ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ጸሎት ከም ዘዕረጉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ቅዱስነቶም ምስ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ጥቡቅ መንፈሳዊ ውህደት ከም ዘለዎም ባዕሎም ዝብልዎ ኮይኑ፣ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ኣተዉ ድማ ብምኽንያት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበሩ ምእመናን ወለድን ህጻናትን ሰላምታኦም ከም ዘቕረቡሎም ኣፍሊጡ።
ቡራኬን ምልክት ፍቕርን
ቅዱስ ኣቦና ቡራኬ ኣናሃቡ ግን ብጽሞና ናብ መቓብር ቅዱስ ፒዮስ 10 ብምኻድ ጸሎት ከም ዘዕረጉን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ድማ ብጽሞና ቅርበቶምን ፍቕሮምን ብምግላጽ ቡራኬ ከም ዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
11 Apr 2025, 17:24