MAP

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጥዕናኦም ቀጻሊ ምምሕያሽ የርእዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጥዕናኦም ቀጻሊ ምምሕያሽ የርእዩ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጥዕናኦም ቀጻሊ ምምሕያሽ የርእዩ

ኵነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀጻሊ ምምሕያሽ የርእይ ከምዘሎን፣ ውሑድ ዋሕዚ ኦክስጅን እውን ክጥቀሙ ከም ዝጀመሩን፣ ዕለት 11 ሚያዝያ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ብሩኒ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ፣ ቅዱሰንቶም ዕለት 10 ሚያዝያ ኣብ መቓብር ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ጸሎት ንኸዕርጉ ማንም ከይተጸበዮ ናብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ድንገታዊ ምብጻሕ ከም ዘካየዱ እውን የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኵነታት ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀጻሊ ምምሕያሽ የርእይ ከምዘሎ፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒዕለት 11 ሚያዝያ ብዛዕባ ጥዕና ቅዱስነቶም ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ፣ ኣብ ስርዓተ ምስትንፋስን ምንቅስቓስን ምስ ድምጽን ዝተኣሳሰረ ብተወሳኺ ቅሩብ ምምሕያሽ የርእዩ ምህላዎምን ዝተገበረሎም መርመራ ደም እውን ጽቡቕ ምዃኑን ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ውሑድ ዋሕዚ ኦክስጅን ይጥቀሙ ምህላዎምን ኣብ መዓልቲ እውን ዋሕዚ ኦክስጅን ከይተዋህቦም ንነዊሕ እዋን ክጸንሑ ከም ዝጀመሩን፣ ካብዚ ሓሊፉ እውን ብዘለዎም መርሓ ፍጻሜታት መሰረት እውን ዕለታዊ ዕዮኦም የካይዱ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ብተሓባበርቶም ናይ ኩርያ ሮማና ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣካላት ከም እተበጽሑን፣ ንሳቶም ድማ ትኩእ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ሓላፊ ሓፈሻዊ ጉዳያት ሊቀ ጳጳሳት ኤድጋር ፔይና ፓራ፣ ናይ ቫቲካን ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር፣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ጳጳሳዊ ውክልናታት ሓላፊ ሊቀ ጳጳሳት ሉቻኖ ሩሶ፣ ካልኦት ናይ ኩርያ ሮማና ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ላዕለዎት ሓለፍትን እውን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ብሩኒ ገሊጹ።

ኣብ ሰሙነ ሕማማት ስርዕተ ሊጡርጊያ ቅዱስ ኣቦና ክመርሕዎ ድዮም ኣይክመርሕዎን ቢልካ ቅድመ ግምት ምሃብል ዝከኣል ከም ዘይኮነ ድማ ገሊጹ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ንበዓለ ሆሳዕና ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኽመርሑ ካርዲናል ሊዮናርዶ ሳንድሪ ክውክልዎም ከም ዝወሰኑ ኣፍሊጡ።

ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 9 ሚያዝያ ኣብ መንበሪኦም ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ምስ ንጉስ ብሪጣንያ ቻርለስ ሳልሳይን ንግስቲ ካሚላን ዘካየድዎ ብሕታው ርክብ፣ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 6 ሚያዝያ ካብ ቤት ሕክምና ድሕሪ ምውጻኦም ንፈለማ ግዜ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ መዛዘሚ ንህሙማን እተወፈየ መዓልቲ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተረኺቦም ሰላምታን ቡራኬን ምሃቦም ዝዝከር ኮይኑ፡ ስለዚ ብመንጽር እዚ ዅሉ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፣ ቅዱስነቶም ኣብ ጥዕናኦም ምምሕያሽ የርእዩ ምህላዎም አረጋግጽ ምስ በለ፣ ዝቕጽል ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ ኩነታታ ጥዕና ር.ሊ.ጳ. ዕለት 15 ሚያዝያ ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ።

12 Apr 2025, 16:50